ዘቤታዊ ዛዕባ ዘግለለ፡ ተሓይኹ ዝተደርበየ መደረ ኢሳያስ

2024-05-25 06:35:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 300 times

ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ መበል 33  ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ስታድየም ኣስመራ 13 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረ ኣስሚዑ። መደረኡ ትሕቲ ትጽቢት ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ኣዝዩ ዝረሓቐን ተሓይኹ ዝተደርበየን ነይሩ።

ካብኡ ዝያዳ ዝቐርቦምን ዝፈልጥዎን ኣካላት ተዛሪቦም መስርዑ ዘትሓዝዎም ህልዊ ምፍጣጥ ሩስያን ዩክረይንን በቲ ሓደ ወገን፡ ወጥሪ ቻይናን ታይዋንን ድማ በቲ ካልእ ወገን ዝያዳ ሓላይ መሲሉ ኣኳማሲዕዎ። ነቲ ቅድሚ ሕጂ ንሰማዒኡ ዘድከመ፡ ንሩስያን ቻይናን ዘለዎ ደገፍን ቅብጥሮትን ከኣ መመሊሱ ሓይኽዎ። ንኣሜሪካን ኣባል  ኔቶ ሃገራትን ከኣ ኩሉ ጸርፍታት ተወዲእዎስ በሃራት ዓብልል ገብት” ብዝብል  ሓድሽ ቅጽል  ኣጸሊምዎም። ኣብ ናይ ሎሚ መደረኡ ሓዳስ እተባሃል ከኣ ነዛ  ዓብልል ገብት እትብል ሓረግ ምጥቃሙ እዩ።

እቲ ካልእ ዘልዓሎ ብሓፈሻ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ከባቢኡን ዘሎ ወጥር ብፍላይ ድማ ጉዳይ ፍልስጤም ነይሩ። ንመሰል ህዝቢ ፍልስጤም ምድጋፉ ቅቡል ኮይኑ፡ ኩሉ መሰላት ኤርትራን ህዝባን ብተደጋጋሚ እሞ ድማ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝገሃሰ፡ ዕሉል ጠላም፡ ኣብ ምኽባር መሰል ህዝቢ ፍልስጤም ከድምዕ ምጽባይ ግና ኣሽካዕላል ጥራይ እዩ። እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂውን ጉዳዩ ገዲፉ፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዓንገረር ዝብሎ ዝነበረ  ፈሊኻ ዝረአ   ኣይኮነን።

ኢሳያስ ሎሚ እውን ውሽጣዊ ናይ ውግእ ህርፋኑ ኣይለቐቖን።  ኣብ ውሽጡ ህርፋን ውግእ ተደጒሉ ከም ዘሎ ንምንጽብራቕ ከኣ ክንዋጋ ኢና’ሞ ክንስዕር ኢና ዝብል መንፈስ ንምንጽብራቕ ካብ ቅሰኑ ንላዕሊ ዝባሃል የለን ብዝብል ኣመላኺቱ። ዝያዳ ንምንህሃር ከኣ፡ ንዝኾነ ተጻብኦ ሓድነታዊ ድልውነትና ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢሉ።

ኩሉቲ ብገለ ተስፋ ዘይቆርጹ ኤርትራውያን ኣብዛ መበል 33 ዝኽርስ ሓድሽ ጉዳይ ከተንብህ እዩ እናተባህለ፡ ክውረ ዝጸንሐ ከይዘከረ፡ ዘይትብላዕ ዘይትስተ መደንዘዚት ሓረግ ዘድሊ ሕድገትን መስዋእትን እናገበርና ወዳቤታትና እናደራዕና ክንሰርሕ ኢና።" እትብል እታ ወትሩ ዝመዛ ካርታ ጥይይ እያ።

እቲ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሓይልታት ለውጢ ዘጋጥሞ ዘሎ ወጥርን ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ “ንመሰለይን ንለውጥን” ዝበሉ ሓይልታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ  በደላትን ዓመጻትን ንክቕጽል ዘለዎ ህርፋን ንምንጽባራቕ ድማ፡ "ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፈተነ እዋናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘርኣይዎ ሓርበኝነት ብፍሉይ ከኣ ኣገናዕ፡ ቀጽልዎ እብሎም" ኢልዎም።

Last modified on Saturday, 25 May 2024 08:41