ኣመሪካዊ ኮሚሽን ናጽነት ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጹ

2024-05-20 17:55:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 389 times

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮሚሽን ዓለምለኻዊ ናጽነት ሃይማኖት ((USCIRF)፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ኤርትራ ንዝፍጠር ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ግቡእ ቆላሕታ ክህብ ጸዊዑ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ፓስተራት ካብ ዝእሰሩ፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024፡ 20 ዓመት ከም ዝኾኖም ከኣ ገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ብሰንኪ እምነቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ይእሰሩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፣  

እቲ ጸብጻብ ናይቲ ኮሚሽን ኤርትራውያን ፓስተራት ሃይለ ናይዝግን ዶር ክንፈ ገብረመስቀልን ድሕሪኦም ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝተኣስረ ሜሮን ገብረስላሴን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኣብያተ ማእሰርቲ ምህላዎም ጠቒሱ፡ ፓትርያርክ ኦርተደኩሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድማ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኦም ብ2022 ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝዓረፉ  ዘኪሩ። ኣተሓሒዙ ብዘቕረቦ  ምሕጽንታ ድማ ድሕሪ ሕጂ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ብተመሳሳሊ ኩነታት ክሳቐዩ የብሎምን ኢሉ።

ኣብ ናይ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ከም ዝጠቐሶ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ እምነት ንዘጋጥሙ በደላትን ስቓያትን ብዝምልከት ዝኾነይኹን ምጽራይ ከም ዘይገብር ምስክርነቱ ምሃቡ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ንናጽነት እምነት ቀዳምነት ክህብ ጸዊዑ።

እቲ ኮሚሽን ንኩነታት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ብዝምልከት ክገልጽ እንከሎ፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን መሪር ምስቓይን ዝፍጸመሎም እዮም ኢሉ። ከምኡ ድማ ብናይ 2023 ጸብጻብ መሰረት ኣብ ኤርትራ ኣስታት 500 ናይ እምነት እሱራት ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ንጉዳይ  ናጽነት እምነትን ሓሳብካ ምግላጽን ቆላሕታ ንክትህብ፡ ብሰንኪ እምነቶም ብዘይፍርዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ድማ  ብቕልጡፍ ክፍትሕ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ  ኮሚሽን ኣብ መወዳእታ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ 2024  ንኤርትራ ብፍሉይ ብረቂቕ ሜላዊ ኣገባብ መሰል እምነት እትጥሕስ  ሃገር ገይሩ ከስፍራ ጸዊዑ።

Last modified on Monday, 20 May 2024 20:51