ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሑ ተባሂሉ

2024-05-14 10:26:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 364 times

ማርቲን ግሪፊዝ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ስእሊ ሕ/ሃ)

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርቲን ግሪፊዝ ብ13 ጉንበት 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ሱዳን ኣብ ናይ መወዳእታ ጫፍ” ብዝብል ከም ዘጠንቀቐ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ሰሜን ዳርፎር ብፍላይ ኢል-ፋሸር ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዘሎ ኩነታት ድሕሪ ምምዛን እዩ።

ኣብቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሐ መግለጺኡ፡ ግሪፊዝ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ሲቪል ወገናት ንምክልኻል የኽእል ዝበሎ እስትራተጂ ናብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ናይቲ ግርጭት ኣካላት ብተደጋጋሚ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብቲ መግለጺኡ ህይወት ሲቪል ሕብረተሰብ ንምድሓን፡ “ሕቡራት ሃገራት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ሕብረተሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ዝጽበዮ ስጉምቲ ክወስዱ ትጽቢት ይግበረሎም” ክብል ምጥቃሱ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።

በቲ መግለጺ መሰረት ኣብ ከተማ ኢል-ፋሸር ኣስታት 800 ሺሕ ሲቭል ወገናት፡ ተዓጽዮም፡ ኣደዳ ስእነት ሕክምና፡ ሕጽረት መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ በረልን ናይቲ ሕብረት ኣተሓሕዛ ቅልውላው ኣመሓዳሪ ጃነዝን ኣብ ዳርፎር ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ከም ዘሻቕል ጠቒሶም ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክቐርብ ዝጽውዕ ናይ ሓባር መግለጺ ኣብጺኦም።

ጉዳይ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ውግእ ሩሲያን ዩክረይንን፡ በቲ ካልእ ወገ ከኣ ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ካለኦት ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ብዕባለታት ሸፊነምዎ ኣቓልቦ ስኢኑ ዘሎ ናይ ከባቢና ምዕባለ እዩ።

Last modified on Tuesday, 14 May 2024 12:50