ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ቀይሕ ማዕበል-7 ይካየድ’ሎ

2024-05-07 21:02:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 164 times

ናይቲ ልምምድ ተሳተፍቲ ብኸፊል (ዓረብ ኒውስ)

 ኣብቲ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ዝተሳተፍኦ፡ “ቀይሕ ማዕበል-7” ዝተሰምየ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ይካየድ ከም ዘሎ ዓረብ-ኒውስ /ARAB NEWS ኣፍሊጣ። ኣብዚ ኤርትራ ዝበኾረትሉ፡ ኣብ መደበር ንጉሳዊ  ሓይሊ ባሕሪ ሱዕድያ ዝተጀመረ ልምምድ፡ ሓይልታት ጆርዳን፡ ግብጺ፡ ጅቡቲ፡ የመንን ኣካላት ሓይሊ ምድርን ሓለዋ ዶብን ስዑድያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ናይ ሱዕድያ ኣዛዚ ምዕራባዊ ሓይሊ ባሕሪ ሪር ኣድሚራል መንሱር ቢን ሳውድ፡ ናይቲ ልምምድ ዓላማ ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ድሕነትን ጸጥታን ምሕላው ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገልግሎት ዜና ሳዑዲ ብወገና ኣፍሊጣ። ብዘይካዚ እቲ ልምምድ ናይቶም ተሳተፍቲ ሕድሕድ ናይ ምምህሃር ዕላማ ከም ዘለዎ እውን ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ምስ ታክቲካዊ ዓቕሚ ምምዕባል ናይተን ዝተሳተፋ ሃገራት ዝተሓሓዙ ወተሃደራዊ መግለጽታት ክወሃቡ እዮም።

ብዘይካዚ ኣብቲ ልምምድ፡ ናይ መሬትን ሰማይን፡ ከምኡ እውን ኤትሮኒካዊ ስርሒታት ዝምልከት ምንቅስቓሳት ክካየድ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ሓለዋ መራክብን ምክልኻል ምጭዋይቲ መራክብን ንዝኣመሰሉ ጉዳያት ፍሉይ ቆላሕታ ዝህብ እዩ። እቲ ሱዕዳዊ ኣዛዚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ውድድር፡ ወተሃደራዊ መራኽብ፡ ሄሊኮፕተራት፡ እግረኛ ሰራዊትን ሓይሊ ባሕርን ክሳተፉ እዮም።

ብወገን እቶም መዳለውቲ ናይቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ኮነ ብወገን ምምሕዳር ህግደፍ ሰለምንታ ኤርትራ ከም ዘይተሳተፈት ዝገለጸ ኣካል የለን።

Last modified on Tuesday, 07 May 2024 23:14