መግለጺ መሪር ሓዘን

2024-05-08 18:50:19 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 403 times

ተቓላሳይ ሓው ግርማይ ኣብርሃ፡ ብ7 ጉንበት 2024 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ዓሪፉ፡ ብል ዘሰንብድ ዜና ብኣዝዩ ዓሚቕን መሪርን ሓዘን ሰሚዕናዮ። ካብ መቓልስቱን ብጾቱን ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ግርማይ ኣብርሃ ቅድሚ ናብ ሜዳ ምስላፉ፡ ኣብ ምስጢራዊ ስርርዕ፡ ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን ንሰውራኡ ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ኣወፍዩ

ምስጢሩ ብጸላኢ ምስተፈልጠ ከኣ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ጸላኢ ቀሪቡ ናይ 13 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ስርዓት ሃይስላሴ ወዲቑ ብደርጊ ምስ ተተክኤ፡ እሱራት ሰምበል ምሕረት ክግበረሎም ክሕተቱ እንከለዉ፡ ሓደ ካብቶም 22  ንሕና ዝፈጸምናዮ ገበን ስለ ዘይብልና ምሕረት ኣይንሓትትን ኢና ዝበሉ ጽኑዓት ምንባሩ ኽብሮት እዝክሮ። ህይወቱ'ኳ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ እንተነበረ፡ በቲ ኣብ 1975 ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ብጽፉፍ መጽናዕትን ተባዕ ተወፋይነትን ዝተሰነየ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስርሒት  ናጻ ወጺኡ ቃልሱ ኣብ ሜዳ ቀጺሉ።

ኣብ ሜዳ ኣብ ዝተሰለፈሉ ክፍልታት ብፍላይ ድማ ኣብ ክፍሊ መጐዓዝያ ዝለዓለ ተወፋይነት ኣርእዩ። ግርማይ ጻዕረኛ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሰባት ጽቡቕ ምቅርራብ፡ ሓልዮትን ምእዙዝነትን ከም ዝነበሮ ምስኡ ሓቢሮም ዝተቓለሱ ይገልጽዎ።

ደሓር ብስዑድ ዓረቢያ ኣቢሉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ቅድም ኣባል ሰውራዊ ባይቶ፡ ቀጺሉ ከኣ  ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዝለዓለ ጽንዓትን ተወፋይነትን ግቡኡ ከበርክት ዝጸንሐ እዩ።

ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዛቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እናገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ብጻይና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ኣኻእሎን ይሃበና ይብል።

ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

8 ጉንበት 2024

Last modified on Wednesday, 08 May 2024 21:14