ህግደፍ ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝኸስስ መግለጺ ኣውጺኡ

2024-03-07 08:05:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 521 times

ስርዓት ህግደፍ ብ6 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ ርእሰ-ዓንቀጽ “ኣውሓስቲ’ዶ ሓንከርቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናብቶም ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ተዓዘብቲ ዝነበሩ እሞ ቅድም ብተደጋጋሚ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጥረር፡  ደሓር ድማ ካብ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ትግራይ/ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ክውጽእ ኣትሪሮም ዝሓትዎ ዘለዉ ወገናት ዝዓለመ ክሲ ኣቕሪቡ።  ኣብዚ ክሱ ብፍላይ ንፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ቀንዲ ሓንከርቲ ጠቒስዎም።

ነዚ መግለጺ ዘውጸኦ ዘሎ፡  ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብረሃም በላይ፡ “ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከም ዘሎ ኣረጋጊጽና ኣለና። ብትኽክል ኣበየናይ ቦታ ከም ዘሎ ዘነጽር ኮሚተ ምስ ክልል ትግራይ ሓቢርና ኣቚምና ንሰርሕ ኣለና” ተኸቲሉ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ንህግደፍ ኣሰንቢድዎ ዘሎ፡ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪቶርያ፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኑ ብምህላዉ ስምዕታ ክቐርበሉ ምጽንሑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ሃመር ኣብ ዝሳተፈሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳልዎን መድረኽ ኣብ ኣተገባብራ፡ እትራተጅያዊ ገምጋም ምስተገብረ፡ ሰራዊቱ ብዘይምውጽኡ፡ ተሓታቲ ከም ዝኸውንን መቕጻዕቲ ከስዕበሉ ከም ዝኽእል ስለ ዝሰግአ እዩ።

እቲ ኩሉ ግዜ ዝሕበኣሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ይጠረር” ክበሃል እንከሎ፡ “እቶም ዶብ ይጠረር ዝብሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመርናዮ ሰላም ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም” ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ሎሚ ብወግዒ ኣብ ዘይተጠረረሉ ኩነታት ኮይኑ፡ “ኣብ መሬት ኤርትራ እየ ዘለኹ” ብዝብል ዘቕርቦ ምስምስ ሰማዒ ስለ ዝሰኣነ እዩ  ዘጉባዕብዕ ዘሎ።

እዚ ናብ ውግእ ትግራይ ተጠቢሱ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘጥፈአን በብግዜኡ፡ ኣንጻር ሱዳንን ጅቡትን ውግእ ከሳውር ዝጸንሐን ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጹ “ህግደፍ ኣብ ታሪኹ ተወሪሩ እምበር ወሪሩ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን።” ብዝብል ዘስፈሮ ሓሳብ  ብዙሓት ወገናት “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል እዩ።

 

 

 

Last modified on Thursday, 07 March 2024 09:16