ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ስትራተጅያዊ መፍትሒ ም/ትግራይ ኣብሪሁ

2024-03-06 09:12:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 323 times

ዶ/ር ኣብረሃም በላይ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ

ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብረሃም በላይ፡ ምስ መንግስታዊ ተለቪኝን ፋና ኣብ ዘካየዮ ቃለ መጠይቕ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ንምፍታሕ፡ ሒዝዎ ብዛዕባ ዘሎ ስትራተጂ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ሚኒስተር ኣብረሃም በላይ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ዘሎ፡ ብቀጻሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ዝስነ ኮይኑ፡ “ሰላማዊ መስርሕ ምምላስ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም”  ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ፡  እቲ መስርሕ ምምላስ ዝተመዛበሉ  ንምስላጥን ነባሪ መፍትሒ ንምርካብን ናብ ረፈረንዶም ዝመርሕ መንገዲ ንምጽራግን ነቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ፈደራላዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ  ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሮ እዩ ኢሉ። ንኣገዳስነት ሰላማዊ መፍትሒ ብምዕዛዝ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብምትሕብባር ናይ ክልላት ሓለፍቲ ቀጻሊ ዘተ ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ዶ/ር ኣብርሃም ምምላስ ዝተመዛበሉ ከም ዝደንጐየ ተኣሚኑ፡ እቶም ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምለሱ ተመዛበልቲ፡ ክሳብ ረፈረንዶም ዝካየድ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝምስርቱን ፈደራል መንግስቲ ድማ ብቐጥታ በጀት ብምምዳብ ከም ዘተባብዖም ኣገንዚቡ። ቀጺሉ ድማ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ተረድኦን ንምፍጣርን ሓባራዊ ኮሚተታት ወጺአን ምምይያጥ ይካየድ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ልኡኻት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ገምጋም ኣካይዶም ከምዘይተረዳድኡ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪ ሕጂ ብመንገዲ መንጎኛታት እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ውዑል ፕሪቶርያ ብቐጥታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘይዘራረብ ብምውሳኑ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ዝፍጠር እዩ።

ኣብ ኣትገባብራ ውዑል ፕሪቶርያ፡ እቲ ዝኸበደ መጻኢ ዕድል ምዕራብ ትግራይን ራያን ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።

Last modified on Wednesday, 06 March 2024 10:31