መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ኣብ ሲያትል

2023-10-09 11:26:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 701 times

ብቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ከተማ ሲያትል ብኣባላት ምንቕስቓስ ይኣክልን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን  ዝተዳለወ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ብናይ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት  ድሕሪ ምጅማር ሓው መሓሪ ኣስራት መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ቀጺላ ኣደ መንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ሎሚ ን10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ከነኽብር ከሎና “ቃልስና ብምሕያል ሕድሪ እቶም ኩሎም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝተቀዘፉና ሰማእታትና ከነተግብር ደጊምና ደጋጊምና ቃልና እነሐድሰሉ ክኸውን ይግባእ” ዝብል ናይቲ መዓልቲ መእከቢ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ሓጺርን ረዚንን መግለጺ ኣቕረበት።

ኣስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ብሪጌድ ንሓመዱ ሲያትል ሓው መዓሾ ጎይትኦም ታሪኽ ህይወት ናይ ስዉእ ብሪጌድ ንሓምዱ ዝኾነ ሃይለ መስፍን ኣንበበ። ካብዚ ቀጺሉ እቲ ወናም ስነ-ጥበባዊ ገጣሚ ዳዊት ክፍልዝጊ ብዛዕባ ህልቂት ላምፓዱዛ መሳጢ ግጥሚ ምቕራቡ ይዝከር።

ቀጺሉ ንዝኽሪ ኩሎም ዝሓለፉ  ሰማእታት ብተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ተገይሩ። ስዒቡ ንኣዳለውቲ በዓል ኮነ ፈጸምቲ ኣካላት ዝምልከቱ ካብ ኣባላት ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንናይ እስራኤል ብሪጌድ ንሓመዱን ናብ ኤሪሳት ዝኸይድን ብፍላይ ንስድራ ስዉእ ጅግና ሃይለ መስፍን ዝለኣኽን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምግባር እቲ ኣኼባ ተደምደመ።

እዛ መዓልቲዚኣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትል ፍልይቲ ዝገብራ ድማ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት በቲ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ክሳብ 800 ዝኣክል ብዝሒ ዝነበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሲያትል፤ ሓዘኖም ንምግላጽን ንናይ ሓባር ቃልሲ ክዕጠቑን ተኣኪቦም  ዝተበገሱላ መዓልቲ ብምዃና እያ።

 ወናም ስነ-ጥበባዊ ሰመረ ኣብርሃም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ብምዝካር ዘቕረቦ ናይ ሓዘንን ቆራጽነትን ዜማታት ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቦ‘ውን ተሓቢሩ። እተን ዘይሕለላ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንኹሉ ኣኼበኛ ሻህን ሕብስትን ብምቕራብ ዝምስገን ዕማም ምብርካተን ዝዝከር እዩ።

 ሓው መሓሪ ኣስራት ከም ኩሉግዜ ነቲ ኣደራሽ ናይ መለይ ባንዴራታትን ስልማትን ናይ ድምጺ መጉልሒ መሳርሒታትን ብምትካል ነቲ ኣኼባ ኣማዕሪጉዎ ወዓለ። ንኹሎም ኣብ ምድላውን ምስታፍን ናይቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣዴታትን ድማ ልባዊ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ዝኽሪ ተደምዲሙ።

Last modified on Monday, 09 October 2023 13:29