ኤርትራውያን ወለዲ ንህዝባዊ ማዕበል በርጌድ ንሓመዱ ንምሕጋዝ ተበግሶ ይወስዱ

2023-10-07 18:48:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 814 times

ነበርቲ ከተማ ሎንዶን ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾኑ ኤርትራውያን ወለዲ፤ ነዚ ብኤርትራውያን መንእሰያት ተጀሚሩ ብልዑል ናህሪ፣ ዕብየትን ስፍሓትን እንዳ ኣመዝገበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል በርጌድ ንሓመዱ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዛት ብምባርካት፣ ኣብ ጎኑ ምህላዎም ብግብሪ ከረጋግጹን፣ ሓላፍነቶም ከልዕሉን ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም። ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ካብቲ ንውሳኔኦም ግብራውነቱ ንምልባስ ንዕለት 7 ን 8 ጥቅምቲ 2023 ክካየድ ብጽሑፍ ዝዘርግሕዎ ጻውዒት  እዩ። ኣብቲ  ዝተዘርግሐ ጻውዒት፣ ደቂና ነታ እንፈትዋ ሃገርና ዘማሰነን፣ ህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ጨቋኒ ስርዓት ንምእላይ ክሳብ ህይወቶም እንዳኸፈሉ ኣብ ምርብራብ እንክርከቡ ዘለና እዋን፣ ንሕና ከም ወለዲ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንዕዘብ፣ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ  ዘሕትተና እዩ ዝብል ረዚን መልእኽቲ እውን ሒዙ ይርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ናይ ወለዲ ሓላፍነት ተሰኪሞም ንተበግሶ ግብራውያን ደቅና ክነሕይል ኢና ዝብሉ  ኣብነታውያን ወለዲ ተቀማጦ ሎንዶን እናደገፍና፣ ኣበየ ኩርናዕ ዓለምና ዝርከቡ  ኩሎም ወለዲ እውን ነዚ ሰናይ መርኣያ ክስዕብዎን፡ ሕጽረታት ምንቅስቓስ ናይዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ምምላእን ምስራዕን ግዲኦም ከበርክቱን ንጽውዕ።   

Last modified on Saturday, 07 October 2023 20:54