ኣብ መደበር ኣለምዋጭ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

2023-08-11 19:00:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 786 times

ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ኢትዮጵያ፡ ብ10 ነሃሰ 2023 ሓደ መንእሰይ ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ሓንቲ ጓለንስተይቲ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ መደበር ብዝኣተዉ ዕጡቓት ሓይልታት ብጥይቲ ተቐቲሎም። ተለቪዥን ኣሰና ምስ ሓደ ኣብቲ መደበር ዘሎ ስሙ ግና ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ቃለ-መሓትት፡ ኣብቲ ናይ ቅድሚ 4ተ መዓልታት ተኹሲ ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ተወቒዑ ኣብ ሕክምና ተዓቚቡ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እታ ዝተቐትለት ጓለንስተይቲ ኩሉ መስርሕ ወዲኣ ናብ ኣሜሪካ ክትከይድ ተቐሪባ ዝነበረት እያ።

ናይቶም ናብቶም ናብቲ መደበር ኣትዮም ቅትለት ዝፈጸሙ ዕጡቓት ማንነት ዘይተነጸረ ኮይኑ፡ ኣካላት ፋኖ ምዃኖም ዝግመቱ።  ናብቲ መደበር ዝኣተዉሉ ቀንዲ ምኽንያት  ናይቶም ስደተኛታት ንብረት ንምዝማት ኮይኑ እቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ድማ ዓገብ ዝበሉ እዮም። ናይቲ መደበር ሓለዋ ዝነበሩ ዕጡቓት ድሕሪ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ምሕያሉ፡ ካብቲ ቦታ ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዝሓበረ ስደተኛ ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝነበሮም ጸገምን ስግኣትን ዛይዱ፡ ዝወሃቦም ዝነበረ ውሱን ናይ እኽሊ ሓገዝ ምቁራጹ፡ ብዝኾነ መንገዲ ዝተረኽበ እኽሊ ዝጠሓነሉ ዕድል ከምዘየለ፡ ቀረብ ማይ፡ ሕክምናን ኤለክትሪክን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝተቛረጸ እቲ ልዕሊ 15 ሺሕ ስደተኛ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣካላት ናይቲ  ጉዳይ ስደተኛታት  ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ውግእ ካብቲ ቦታ ጠቕሊሎም ስለ ዝኸዱ፡ እቶም ስደተኛታት ዋና ዘየብሎም ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኤርትራውያን ብጉዳይ ስደተኛታት ናብ ዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ምሕጽንታ ንከቕርቡ እቲ ስደተኛ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።

Last modified on Friday, 11 August 2023 21:04