ትካል መግቢ ዓለም፡ ናብ ትግራይ መግቢ ከቕርብ ጀሚሩ

2023-08-11 18:54:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 714 times

ትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ምቕራብ  ረዲአት እኽሊ  ናብ ዝተወሰነ ከባቢታት ትግራይ ከቕርብ ከም ዝጀመረ  ብ8 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝቐረበ ረዲአት 15 ጽዕነት መካይን እዩ። በብደረጃ ክውስኽ ድማ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ፡ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝግበኦ ዝነበረ ረዲአት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ትግራይ ወስኽካ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኢትዮጵያ ከም ዝተሰርቀ ምስ ኣረጋገጸ እዩ።

እቲ ናብታ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተጸበይቲ ረዲአት ዘለውዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ዝተቛረጸ ሓገዝ መግቢ ብትካል መግቢ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ትካል ረዲአት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ እውን በተመሳሳሊ ምኽንያት ኣቋሪጹ እዩ ጸኒሑ። ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ኣብ መጻኢ ረዲኤት ዘይስረቐሉ ኣገባብ ንምፍጣር ምድላወይ ኣይወዳእኩን ብዝብል ናብ ትግራይ ኮነ ብሓፈሻ ናብ ኢትዮጵያ  ዘቋረጾ ሓገዝ ምቕራብ ኣይጀመረን።

ኣብ ትካል መግቢ ዓለም ናይ ሓደገኛን ህጹጽን ኩነታት ሓላፊ፡ ኣንሲ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ውግኣትን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ልዕሊ 35 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ናይ ትግራይ ካብቲ ዝገደደ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ሓቢሮም

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓገዝ ዘይምቕራቡ ዝሰዓበ ጥሜት፡ ከባቢ 1500 ሰባት ከም ዝሞቱ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።

Last modified on Friday, 11 August 2023 21:00