ፈጻሚ ሽማግለ፡ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2023-01-22 11:14:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1692 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ21 ጥሪ 2023 መበል 12 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2023 ኣብጸሓና” ኢሉ፡ ሓድሽ ዓመት ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክትከውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ እውናዊ ነጥብታት ጠቒሱ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ጸብጻባት በብሓደ መዚኑን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መመላእታን ወሲኹን ኣጽዲቑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብፍላይ ካብ ዘተኮረሎም ነጥብታት፡ ምዕዋት ኣብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ስሩዕ ጉባአ ሰዲህኤን ፈስቲቫል ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ከምኡ እውን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቀጻሊ በደልን ነዚ ንምውጋድ ክግበር ዝግበኦ ናይ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ቃልስን ዝብሉ ዛዕባታት ይርከብዎም።

ብመሰረት እቲ ጸብጻባት፡ ኣኼባ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ውሳነታት እውን ኣመሓላሊፉ። ፈጻሚ ሽማግለ ብሓፈሻ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ከኣ ምድላዋት 4ይ ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ሓያል ጻዕሪ  ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ  ከምዘሎ ብመሰረት ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚኑ። እዚ ተሳትፎ ኣባላት ቀጻሊ ከም ዝኸውን ርዱእ ኮይኑ፡ ምስቲ ዘለናዮ መድረኽ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑን ብመንጽር ኣብ ቅድሜና ዘሎ ተደራራቢ ሰልፋዊ ዕማማትን ንዝያዳ ኣበርክቶን ተሳትፎን  ምብርባር ከም ዘድሊ’ውን ተገንዚቡ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን፡ ብክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምንዋሕ ቃልስን ከይሰልከዩ ክሳብ ጭቆና ህግደፍ ተወጊዱ፡ ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ ስርዓት ዝትከል ብሓባር ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 22 January 2023 12:16