ሕብረት ኣፍሪቃ ዕድመ ሓላፍነት ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ኣናዊሑ

2022-09-11 07:06:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 817 times

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገን ክልል ትግራይኳ ተቐውሞ የጋጥሞም እንተሃለወ፡ ዕድመ ሓላፍነት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወዲ 85 ዓመት፡ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኦሊሰጎ  ኦባሳንጆ ከም ዘናወሐ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ኣቦመንበር ሙሳ ፋቒ መሃማት ከም ዝሓበሩ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። 

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ ነዚ ዘፍለጡ ኣቐዲሞም ምስቶም ፍሉይ ልኡኽ ተዘራሪቦም ብ10 መስከረም 2022 ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሙሳ ፋቒ ኣብቲ መግለጺኦም ሕጂ እውን ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎም ጠቒሶም።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝገብርዎ ልዝብ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ሓላፍነቶም፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከካይድዎ ንዝጸንሑ ስረሓት ንኢዶም። ኣብ መጻኢ ድማ ምስ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላት እናተሓባበሩ ስረሖም ክቕጽሉ ከም ዘተባብዕዎም እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናጀርያዊ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሕ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብተደጋጋሚ ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እውን እቲ ጉዕዞ ሰላም ዘገምታዊ ኮይኑ፡ ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮ። እንተኾነ ከምቲ ትጽቢቶም ኣይኮነን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ብወገን ትግራይ ኣብቶም ፍሉይ ልኡኽ ኮነ ኣብቲ ዝመዘዞም ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከም ዘየብሉ ክገልጽን ናብ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘዳልዉ ክኸሶምን ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብወገን ክልል ትግራይ እቲ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ኣብ ክንዲ ብፍሉይ ልኡኽ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓላፍነቶም ብምርጫ ንዝተዓወቱ ብዘረከቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር እሁሩ ከኒያታ ክምራሕ እሞ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ዓረብ ኢመረትን  ድማ ክሳተፍዎ  መጸዋዕታ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብሰላም ክፍታሕ ዝነበሮ ተስፋ ተኾሊፉ፡ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ይቕጽል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ  ድማ ከምቲ ቀደሙ ብብዙሕ ኩርነዓት ብምሉእ ዓቕሙ ተሳትፎኡ ኣብቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ምስዚ ግና ሕጂ እውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ናይ ምቅርራብ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። እንተኾነ  ብወገን መንግስቲ ኣሚሪካ ኮነ፡  በቶም ኣብቲ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ  ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ነዚ ብዝምልከት  ዝተዋህበ  መግለጺ አየለን።

Last modified on Sunday, 11 September 2022 09:16