ወደብ ሰዋኪን ብዝተቖጥዑ ሰራሕተኛታት ተዓጽያ ተባሂሉ
2022-08-02 18:57:40 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1367 timesኣብ መንጎ ነባራትን ሓደስትን ሰራሕተኛታት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ሱዳን፡ ደድሕሪ ፖርት ሱዳን ዝዓበየት ወደብ ሰዋኪን ከም ዝተዓጽወት ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ። ሬድዮ ዳባንጋ፡ ቅልውላው ዳርፉር ንምክትታል ብ2008 ዝተመስረተት ናጻ መደበር ኮይና፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ መላእ ሱዳን ሓበሬታ ትህብ ዘላ መዲያ እያ። ካብታ ሬድዮ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ካብቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቒሎም ብሓደ ነሃሰ 2022 ናይታ ወደብ ዘእቱን ዘውጽእን መንግዲ ዝዓጸዉ እቶም ሓደስቲ ሰራሕተኛታት እዮም።
እቶም ነባራት ሰራሕተኛታት ነቲ ብናይ ቅድም ኣማሕዳሪ ናይታ ወደብ 190 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቑጸሩ ዝተወሰነ ውሳነ ኣይተቐበልዎን። ካብቲ ዝነጸግሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣቆጻጽራ ናይቶም ሰራሕተኛታት ዓሌታዊ እዩ ብዝብል ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ነቲ ዜና ዘቕረበ ጋዜጠኛ፡ ብድሕሪ እቲ ምቑጻር ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝተሓብአ ኣጀንዳ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ መጻኢ ምምሕዳር ግዝኣት ፖርት ሱዳን ዓሌታዊ ምስሕሓብ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃን ናጻ ገዛእቲ ምብራቕ ሱዳንን ዘሎ ፍልልይ ከየስፈሖ ዘፍርሕ እዩ።
ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ዝተሓላለኸ፡ ኣብ ፍልልይ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኮነ፡ ናይ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሎም ጀነራል ሓመቲ ዳግሎን ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ባይቶ ቤጃን ላዕለዎት ገዛእቲ ምብራቕ ሱዳንን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከሰላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቲ ፕሮቶኮል ምብራቕ ሱዳን ዝብሃል ኣካል ስምምዕ ሰላም ጁባ 2020 ዝኾነ መድረኽ ከም ዝስሓቡ ኣፍሊጦም። ብዘይካዚ ካብቲ ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ዝከታተል ብጀነራል ሓመቲ ምክትል ልኡላዊ ባይቲ ሱዳን ዝምራሕ ላዕለዋይ ባይቶ እውን ክወጹ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።