ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ይእሰሩን ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን

2022-08-02 19:01:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 886 times

ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዝለዓለ ዓቐን ገንዘብ  ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ቢቢሲ/BBC ገሊጻ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሐን ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተን ኤርትራዊ ስደተኛታት ብዛዕባዚ ተረኽቦ ንቢቢሲ  ገሊጹ። እቲ ዜና ኣብ ሱዳን ከምዚ ዓይነት  ምስ ህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ዝካየድ ወፈራ  ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንኤርትራውያን ብኣልማማ ኣሲሮም ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ከፊሎም ንክፍትሑ  የገድድዎም ከም ዘለዉ ‘ውን ተሓቢሩ።

እቲ ዜና እቲ ተረኽቦ ነቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ መነባብሮ ሱዳን ከም ዘጋድዶን ንገንዘባዊ ጠቕሚ ተባሂሉ ካብ ናእሽቱ ነቑጣታት ፖሊስ ዝነቅል ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናይቲ ዝተቐበልዎ ገንዘብ ቅብሊት ዘይህቡ ምዃኖም ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ተሓቢሩ። መብዛሕትኡ ስደተኛ ካብ ሃገሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለ ዝወጸኳ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ክኸይድ ዘይክእል እንተኾነ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብቲ ጉዳይ መፍትሒ ክሕብሩ ብገለ ስደተኛታት ተሓቲቶም፡ ምስምሳት ብምፍጣር ከምዘይሓገዙ እቲ ዜና ጠቒሱ። 

እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ስደተኛታት ምእሳር ልሙድ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ማእሰርቲ ወረቐት ናብ ዘየብሎም ዘተኩር ምንባሩ ጠቒሶም፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ መነባብሮ ጸገም ገንዘብ ንምርካብን ኤርትራዊ ተገዲዱ ክኸፍል እዩ ብዝብል ግምት ብኣልማማ ይኣስሩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ክኣስሩ እነከለዉ ካብ ዘቕርብዎ ምኽንያት ስደተኛ ኣብ መደበር እምበር ኣብ ከተማ ክነብር ኣይክእልን ዝብል እዩ። እንተኾነ መነባብሮ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኣጸጋምን ዘይውሑስን ብምዃኑ እቲ ስደተኛ ካብ ናብ መደበር ዝኸይድ ካብ ዘምጸአ ኣምጺኡ ክኸፍል ከም ዝግደድ ይፈልጡ እዮም። ሒዞም ናብ መደበራት ክወስድዎ ዘይደልይሉ እውን ኣብ ከተማታት ብተደጋጋሚ ኣሲርካ ብምኽፋል ናይ ኣታዊ ምንጮም ክኸውን ስለ ዝደልይዎ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተዓዘብዎ ይምስክሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እዮም። ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 113 ሺሕ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 83 ሺሕ እዮም ኣብ መደበራት ዘለዉ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

Last modified on Tuesday, 02 August 2022 21:08