መገሻ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ተቐባልነት ኣይረኸበን

2022-08-02 06:28:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 846 times

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ናብ ሃገረ ግብጺ ክገይሽ  ዝነበሮ መደብ ብፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ተቐባልነት  ከምዘይረኸበ፡ ራድዮ ኤረና ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።  መራሒ ህግደፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2022 እውን ተመሳሳሊ ጠለብ ከም ዝነበሮን ሕቶኡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ፍሉይ ኣማኻሪ ኢሳያስ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ልኡኽ  ህግደፍ፡ ናብ ግብጺ ከይዱ ናይ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ናይ ምጋሽ ጠለብ ዝሓዘ መልእኽቲኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ኣብ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዝርከብ እቲ መገሻ ናብ ካልእ ዘይተወሰነ ግዜ ተሰጋጊሩ ዝብል መልሲ ሒዙ ከም ዝተመለሰ ኣብዚ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ተጠቒሱ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2022 ብመንገዲ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ እታ ሃገር ዝቐረበ ናይ ኢሳያስ መገሻ ጠለብ ዝተዋህቦ መልሲ እውን ንካልእ ግዜ ዝብል ኮይኑ፡ ንጹር ቆጸራ ኣይተታሕዘሉን። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ክገይሽ ዝህንጠየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብቲ ንግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጉዳይ ዓራቓይ ተመሲሉ ኢዱ ንምእታው ዝዓለመ እዩ።

ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ  ትሃንጾ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ክሳብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበጸሐ ምስሕሓብ ኣትያ ዘላ ግብጺ፡ ደገፍ ንምርካብ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት  ርክባ ንምድልዳል  ትጽዕር ኣብ ዝሃለወትሉ እዋን፡ ኢሳያስ ከይመጻ ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ እቲ ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝፈጠሮ ዕርክነት ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Last modified on Tuesday, 02 August 2022 08:32