ንምጅማር ርሑስ ጾም ሮሞዳን ምኽንያት ብምግባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝብና ድማ ብሓፈሻ ‘ሮሞዳን ከሪም’ እንቋዕ ናብ ጾመ ሮሞዳን ኣብጽሓና ብምባል ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ናይ ሎሚ ዓመት ጾም ሮሞዳን: ንስቅያት ህዝብና ዝዛዝም፣ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ሰላምን ፍትሕን ዘንግስ፣ ነቲ ንመላእ ዓመት ምንቀስቓሳትና ደሪቱ ብዙሕ ህይወት ዝወሰደ ተላባዒ ሕማም ዝቕንጥጥ፡ ክኸውን ትምኒትናን ዕለታዊ ጸሎትናን እዩ።
ክንዲ/ መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር
12 ሚያዝያ 2021