መብርሂ ብዛዕባ’ቲ ብኣሰና ፋውንደሽን ዝተገብረ መጸዋዕታ

2021-04-27 08:10:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2150 times

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ንሓባራዊ ጸረ ምልካዊ ቃልሲ ኣብ ዝጽውዑ ተበግሶታት ክሳተፉን ርእይቶታቶም ክልግሱን ከም ዝጸንሑ ሕቡእ ኣይኰነን። ነዚ ብዝምልከት ብንቕሎ ኣዴታት፡ ብምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብትካል ስኒትን መንግስቲ ኣብ ስደትን ኣብ ዝተጸውዑ ኣኼባታት ክሳተፉ ምጽንሖም ዝዝከር ኢዩ። እቶም ኣብ’ዚ ብኣሰና ፋውንደሽን እተጸውዐ ኣኼባ እተሳተፉ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ካብ’ዚ መንቀሊ’ዚ ተበጊሶም ደኣ’ምበር ካልእ ንምዕዋቱ ዝተበገስሉ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣይነበሮምን። ከምኡ’ውን፡ በብውልቆም ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኺቢሮም ደኣ’ምበር ንውድቦም ወኪሎም ወይ ብመሪሕነቶም ተመዚዞም ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣይነበረን። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተዓዲሞም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ከይተዓደሙ ብኤርትራውያን ኣብ ዝጽውዑ ኣኼባታት ክሳተፉ መሰሎም ከምዝዀነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣባልነት ብዝምልከት፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ፡ ዝዀነ ኣባል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ኣባል ክኸውን መሰል ኣለዎ ኢዩ። ኣባል ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ክኸውን ግን ቅዋም ሰልፊ ኣየፍቅደሉን ኢዩ። ኣብ’ዚ ኣሰና ፋውንደሽን ዝጸውዖ ኣኼባ  ምምስራት ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ ዝድለ ዘሎ  ዝብል ሕቶ  ምቕራቡ ነዚ ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ። ብሸነኽ ኣሰና ፋውንደሽን ዝተዋህበ መልሲ እውን ሓደ ርእይቶ ንዘለዎም ምጥርናፍ እምበር ሓድሽ ውድብ ምፍጣርን፡ ኣንጻር ውድባት ዘቕንዐን ከም ዘይኰነ እዩ ተሓቢሩ። 

ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ብግብሪ ደጊሙ ደጋጊሙ ዘረጋገጸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉን ውድብ ኢዩ። እዚ ብቓል ዘይኰነስ ሰነዳት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከይተረፉ ዘረጋግጽዎ ጭብጢ እውን ኢዩ።  ሕጂ ድማ፡ ንኵሎም ተቓወምቲ ፓለቲካዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝጥርንፍ ዝሰፍሐ ጽላል ንምቛም ቀዳምነት ሂቡን ዝለዓለ ዓቕምታቱ ኣዋፊሩን ንምዕዋቱ ብዕቱብነት ይሰርሓሉ ኣሎ። ካብ’ዚ ዕላማ’ዚ ንላዕሊ ዝጥምቶ ካልእ ዕማም ድማ የብሉን።

ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እንተዀይኑ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኡ ከም’ዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣዋጅ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

  1. ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።
  1. ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንታኡ የቕርብ።
  1. እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።
  1. ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝዀነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ።
  1. ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።
  1. ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።
  1. ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስ ዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።
  1. ቅድም ክብል ብመግዛእቲ፡ ድሒሩ’ውን ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን ተማሪሩ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ስደት ክነብር ተገዲዱ እዩ። ነዚ ህዝብና ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈለየ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ሎሚ ምስ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ኣእሙሮ ኣባላትናን ህዝብናን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ባይቶ መዚኑ። ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።
  1. ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2020 ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይርኣዩ ብምህላዎም ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ጽምዶ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምቅርራብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ማሕበራትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር ምስ’ቲ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ዝመጣጠን ኣይኮነን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ዛጊት ዝተፈላለየ ናይ ሓድነት ጻውዒት ዝገበሩ ይኹን ዘይገበሩ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ እናኣረጋገጸ፥ እቲ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ብዝለዓለ ናህሪ ክቀላጠፍ ጻውዒቱ የቕርብ።

እዉጅ መርገጽ ሰዲህኤ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ በሪሁ ዘሎ ነፍሰ ገላጺ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ምስፋሕ ዘድሊ ኣይመስለናን። ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኩሎም ኣንጻር ምልኪ እነካይዶ ቃልሲ ዝደጋገፉና ሓይልታትን ዘሎና ምትሕብባር እውን ካብ ነዊሕ ግዜ ንጹር እዩ።  ሰዲህኤ፡ ምስቶም ንልዑላውነትና  ዘኽብሩ፡ ንናጽነት ፖሊቲካዊ ውሳኔና ዘይግህሱ፡ ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝምርኰስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢደ ጣልቃነት ዘየፍቅድ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ሰላምን ዘገልግል ዝምድና ክፈጥርን ከዕኩኹን ድሕር ከም ዘይብል ንገልጽ። ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ፣ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ኣብ ግምት ዘእተወ ብድሌት ውልቀ መራሕቲ ዘይኰነ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተዋሕሰ፣ ኣብ ናይ ሓድሕድ ጉዳይ ኢድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝስረት ዝምድና፡ ከህሉ  ውሲኑ እዩ።

ኣብ ተበግሶ ኣሰና ፋውንደሽን፡ ናይ ኣባላት ሰዲህኤ ምስታፍ፡ ደጊምና ሓድሽ ከም ዘይኰነ እናገልጽና፡ ሰዲህኤ ኣብ ክሊዚ ኣዉጅ መርገጻቱ ከም ዝዋሳእ ንሕብር።

እቲ ሓቅታት እዚ ክነሱ፥ ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ካብ ገለ ክልታት ዝፍኖ መጥቃዕታዊ ወፈራ፡ ኣሰካፊ እዩ’ሞ፡ ዋላኳ ንሓቂ ዝስዕር እንተዘይኰነ፡ ታሪኽ ነቲ ኣሉታዊ ጐድኑ ይደግሞ ክይህሉ ህዝብና ከስተብህለሉ ንጽውዕ።

ልዑላውነት ኤርትራ ንምኽባር፡ ኵሉ ዓቕምታትና ነሕብር!

ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

25 ሚያዝያ 2021

Last modified on Tuesday, 27 April 2021 10:36