ኣስተምህሮ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ

2021-04-12 10:05:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1466 times

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ11 ሚያዝያ 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ብብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ሰዲህኤ  እዩ ቀሪቡ።

ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስ፡ ኣብዚ ብብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን ዝተኣልየ መድረኽ፡ መሰረተ-ሓሳብ ማሕበራዊ ጉዳይን ዝህቦ ኣገልግሎትን፡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመኩሮ እንዳዛመደ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ እቶም ዝያዳ ንማሕበራዊ ጸገማት ዝቃልዑ ክፍልታት ሕብረተሰብ ጠቒሱ፡ ኣብ ምፍታሕ ናይ ማሕበራዊ ጸገም ዝያዳ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት እውን ዘርዚሩ።

ብጻይ ፍሰሃየ ምስዚ ኣተሓሒዙ ተመኩሮ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም መበገሲ ወሲዱ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝነበረ ተመኩሮ ኣተሓሕዛ ማሕበራዊ ጉዳይ በብመዳያቱ ገሊጹ።  ኣብዚ መዳይዚ ተመኩሮ ሰዲህኤን ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝዓሞም ዘሎ ስረሓትን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ህዝባዊ ናብራ ዕቤት፡ ትምህርትን ኣካለ ጽጉማንን ካብቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ዝንጸባረቐሎም ጽላታት ምዃኖም’ውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ካለኦት ዘይመኽሰባውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ኣብዚ መዳይ ንዝህብዎ ኣገልግሎት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ሰዲህኤ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይህበሎም ካብ ዘሎ ኣገደስቲ መዳያት ከኣ ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይን ኣሰራርሓኡን ከም ኣብነት ቅቕሪቡ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ብሓፈሸ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕትን ዝግበር ዘሎ ምክትታልን ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ፡ ንምዕዋት ነጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ኣብ ዝምልከት ኣብሪሁ። ኣባላት ሰዲህኤን ማሕበራዊ ጉዳይ ዘገድሶም ኤርትራውያንን ክሳብ ሕጂ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ እውን ልግሶም ቀጻሊ ንክኸውን ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ ኣስተምህሮ፡ ነቲ ዝተዋህበ መጽናዕታዊ መግለጺ ኣመስጊኖም፡ ዝተፈላለዮ ሕቶታት ኣቕሪቦም። በቲ ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ፍሰሃየን ኣብዚ መዳይዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ብዘለዎም ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍትን ከኣ መልስታት ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ማሕበራዊ ጉዳይ ብሓደ ኣካል ወይ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ዝዕመም ስለ ዘይኮነ፡ ተሳተፍቲ ምሉእ ኣቕሞም ከብርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ብዘይገድስ ኩሉም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎት  ዘበርክትሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝሕግዝ ጐስጓስ ንክግበር ለበዋ ኣቕሪቦም።   

Last modified on Monday, 12 April 2021 12:11