ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-09-20 19:43:57 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2100 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ኣብ ዕለት 18.09.2020 ሰዓት 20፡00 ጀሚሩ ሰዓት 22፡30 ዘወደኤ፡ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ በዚ ንዓለምና ኣሸጊሩ ዘሎ ኮረና ቫይረስ  (Covid-19 ) ምኽንያት ብምገባር ብኣካል ንምርኻብ ዝድፋኣሉ ብዘይምዃኑ ብመራኸቢ ብዙሓን እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ናይ እንቋዕ ካብዚ ዘሎ ቀዛፊ ለበዳ ሕማም  ቫይሩስ ብጥዕናን ሰላምን ኣጽንሓና ብምባል፡ ነቶም ሰዓቶም ኣኽቢሮም ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ብምምስጋን እዩ ኣኼባ ከፊቱ።

ኣብቲ ኣኼባ  ካብዝቐረቡ መዛረቢ ዛዕባታት ድማ፡-   

  1. ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር ሰልፍ፡
  2. ብሓፈሻ  ኲነታት ደምበ ተቓውሞን ንምዕዋት ሓባራዊ ዕማማት ዝሰላሰል ዘሎ ናይ ስራሕ ውዳቤታትን፡ ህልዊ ዞባዊ  ኩነታትን ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ዝተመርኮሰ  ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ፤
  3. ጉዳይ መንእሰያትን ምንቅስቓሳቶምን ዝብሉ ነይሮም፤

ብመጀመርያ ብኣባላት ሽማግለ ዝቐረበ ውሽጣዊ ኩነታት ጨንፈርና፡ በዚ ህልዊ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ (Covid-19 )  ከይተዓናቐፍና ስሩዕ ኣኼባታትና ብመራኸቢ ብዙሓን ክቕጽል ምኽኣሉ፡ ውሽጣዊ ዲሲፕሊን ጨንፈርና ብዝምልከትን መግለጺ ቀሪቡ። ግዜ ዘምጽኦ ተክነሎጂ ተጠቂምካ እቲ ንቡር ዝኾነ ወርሓዊ ኣኼባታትካ ምትግባር ናብ ቀጻሊ ምዕቡል ናይ ርክብ ኣገባብ ክንምርሽ ከም ዘሎና ተገሊጹ። ኣባላት ጨንፈር‘ውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጨንፈራዊ ጉዳያቶም ስፍሕ ዝበለ ምርድዳኣትን ዝርርብን ኣካይዶም። ንዘጋጥም ሕጽረታት ብግቡእ ክንምልስን ክገጥምን ድማ፡ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ብሰፊሕ ተዘሪብሉ።

 ብድሕሪኡ ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ ተኣትዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ‘ውን ሰልፍናን፡ ደምበ ታቓውሞን፡ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘለዎ በዳሂ ኩነታት ሓበሬታ ድሕሪ ምልውዋጥ፤ ኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ  ሓው ይሳቕ ወልደማርያም  ብወገኑ፡ ንምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን  ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ኣብዚ  ኣኼበኛታት ብሕቶን መልስን ሰፊሕን ዓሚቍን ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ንተበጺሑ ዘሎ ምጥርናፍ ካብ ፈላሚ ደረጃ ሓሊፉ ኣብ ምቛም ሓይሊ ዕማማት ምብጽሑ፡ ኣብ ተግባር ንምእታው ንዝተበጽሔ መስርሕ ኣኼበኛታት ብምድጋፍ  ሓደ ስጉምቲ ኣብ ምጥርናፍ ሓይልታት ተቓውሞ ከምዝኮነ ርእዮም። እዚ ዝካየድ ዘሎ  ተወሃሂድካ ናይ ምስራሕ መደባት፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከየዐወትናዮ ዝጸናሕና “ጠመተ ናብ ድሕነት ሃገር”  ዓቢ ናይ ዓወትና መንገድን ንህዝብና ድማ ዓቢ ብስራትን ስለ ዝኾነ፡ ኩላትና ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ከይሰልከና ናብ ዝዓበየ ደረጃኡ ንምብጽሑ ክንቃለስ ከም ዝግባእ  ኣኼበኛ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ‘ዚ ንመንእሰያት ዝምልከት ዛዕባ‘ዚ ብቐዳምነት ኣባል ሽማግለ ጨንፈር መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዘጓንፎም ዘሎ ጸገማትን፡ ጸገማቶም ንምፍታሕ ልዕሊ ዓቕሞም ስለ ዝኾነን ኣብ ዘይተደልየ ስጉምትታት እኣትዉ ከም ዘለዉን ኣብነታት ዘሰነዮ ብሰፊሑ  ኣብሪሁ። ነዚ ጸገማት እዚ ንምቅላልን ብዝምልከቶም ኣካላት ጠመተ ክግበረሉን ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ መንእሰያትን ደለይቲ ፍትሕን ብጠቕላላ ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ፍራንክፎርትን ኣብ በርሊንን ዝተኻየደ ኣሞጒሱ። መንእሰያትና እቲ ኩሉ ብምልካዊ ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ  ሽግራት ከይኣኽሎም፡ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ሰገረ ድማ ናይ ስድራ-ቤት ምጥርናፍ መሰል ዘይምርካቦምን፡ ናይ ተቐባልነቱ መሰል ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስንኻሉን ስለ ዝቕጽል ዘሎ፤ ኩላትና ከይሰልከና ደጋጊምና ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድን መዘክራት ብምጽሓፍን ጉዳይ መንእሰያትና ክንቃለሰሉ ኣሎና ብማለት ስምዒት ኣኼበኛ ዝማርኽ መግለጺ ሂቡ። ኣኼበኛ‘ውን ሰልፍና ንሽግር መንእሰያት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ከይሰልከየ ንከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ሕጂ‘ውን ክቕጽሎ ከም ዝኾነ ብምትእምማን ቅሩብነቱ ብምግላጽ ኣኼባ ኣብ  ተደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 20 September 2020 21:48