ብኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝተመርሐ ኣኼባ ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኻይዱ

2020-09-21 19:32:33 Written by  ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን Published in EPDP News Read 2127 times

ብኣባላት ማእከላይ ባይቶ፣ ሓው ንጉሰ ጸጋይን ሓብትና ትዕበ ተኪኤን ዝተመርሔ፡ ኣኼባ ኣባላት ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ኣብ ዕለት 19.09.2020 ብመራኸቢ ብዙሓን ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብናይ ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰናይ ትምኒትን ካብዚ ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ (Covid-19) ብደሓን ኣጽንሓናን ዝብል ትስፉው መግለጽን ንተሳተፍቲ ኣባላት ዘለዎ ኣድናቆ ብምሕባር እዩ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ ዕላማን ናይቲ ኣኼባ ሓጺር መእተዊ ብምቅራብ ኣኼባ ንኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኣሕሊፉ። ኣባላት ባይቶ ሒዞሞም ዝመጹ ኣጀንዳታት፡

  1. ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፍን ሃገርናን፣
  2. ኣብ ከባቢና ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝረኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ኣብ ህዝብናን ሃገርና ዝህልዎ ጽልዋ፤
  3. ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን፤ዝብሉ ነይሮም።

  ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ሰልፍና ሒዝውዎ ዘሎ መርሆ ናይ ቃልስን ዘጥርዮ ዘሎ ባይታን ተቐባልነትን ድሕሪ ምግላጽ፥ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና  ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እዩ ዝሰፍሐ መግለጺ ሂቡ። ህዝብና ኣብ ልዕልቲ  ብስርዓት ኢሳያስ ክወርድድዶ ዝጸንሔን ዘሎን ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታት፡ ተወሳኺ ብኮረና ቫይረስ  (Covid-19) ኣምሲልካ ዝወርዶ ዘሎ ኣሰቃቒ መርጋጥ ዝብል ኩነታት ከይኣኽሎ፡ ብባህርያዊ ሓደጋታት ምዕልቕላቕ ናይ ዝናብን፡ ዕስለ ኣንበጣን እውን እህሰ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ተደራራቢ ሕሰማት ድማ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተወሳኺ ጻዓትን ምቅልጣፍን ከድልየና ምዃኑ ሓቢሩ። ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን፡ ካብ 1.5 ሚልዮን ዘይውሕድ ህዝቢ ብሓደጋታት ዝናብ ምዝንባሉን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ብኢሳያስን ማሓዙቱን ዝግበር ዝነበረ ፈኸራ ኣፍሺሉ ምርጫ ተኻይዱ፡ ኣባላት ፓርላማ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ‘ውን ምርጫ ክካየድ ከምዝካኣል ይዛረቡ ምህላዎን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ንዓና ከም ህዝብን ሃገርን ጸለውቲ ምዃኖም ብሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ካብዚ ብምቕጻል እቲ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደ እቲ ካልኣይ ዛዕባ ኣተሃላልዋን ምዕባለታትን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ እዩ። ኣብዚ እውን ሓው ንጉሰ ጸጋይን ሓብትና ትዕበ ተኪአን ኣባላት ማ/ባይቶን፡ ሓው ይሳቕ ወ/ማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳን፡ እናተመላልኡ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቦም። እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምቛም ሓይሊ ዕማማት እውን ናብ ዝለዓለ ተግባራውነት ናይቲ ጥምረት ከብጽሓና ከም ዝኽእል ኣብሪሆም። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ንዘለና ድርብ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ኮነ ሰልፋዊ መደባት ትግሃትን ተጻዋርነትን ክህልወና ከምዝድለ ኣመልኪቶም። ደምበ ተቓውሞ  ኣብዚ ፈታኒ እዋንዚ፣ ኩሉ ገዲፉ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ተደራራቢ ፖለቲካዊ ኮነ ባህርያዊ ሕሰማት ንሓቢርካ ምስራሕ ዝደፍእን ኣብ ምውጋድ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደፋኢ ተርእዮ ምዃኑ ተገንዚቡ ካብ ምቕልጣፍ ንላዕሊ መዋጽኦ ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።

ብድሕርዚ እቲ ኣኼባ ብሕቶን መልስን ተሰንዩ፡ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት‘ውን ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብዝያዳ ከም ዝሰፍሕ ከምዝህብትምን ጌሩዎ። ብዘዕግብ መልስታት ኣኼባ ኣብ ምድምዳም፣ ኣኼበኛ ንዝኸይድ ዘሎ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሞጒሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትውን ብስፍሓቱ ደረጃ ናይ ለውጢ ተራኡ ከበርክት፡ ኣኼባታትና ብምሉእ ሕልናን ትግሃትን ክንቅጽሎ ተማሕጺኑ  ሰላስተ  ሰዓታት ካብ ሰዓት 20፡00 ክሳብ 23፡00 ዝወሰደ ምርድዳእን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ኣኼባ ተደምዲሙ።

 

Last modified on Monday, 21 September 2020 21:38