ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ

2020-09-18 06:50:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2774 times

ጋዘጣዊ መግለጺ

17 መስከረም 2020

ኣብ 24 ሰነ 2020፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸኦም ዝዝክር እዩ። ንዕኡ ንምትግባር ከኣ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት፣ ከም ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ዝኣምሰሉ ስርሖም ጀሚሮም ይርክቡ። እቶም ፖለቲካ ሓይልታት ድማ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒን እዮ። ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውሕደት ስራሕ ዋና መሪሕ፡ (1) ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሕላው፣ (2) ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ሓይሊ ምስዓር፣ (3) ኣብ ኤርትራ ብዙሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፣ ክምኡውን (4) ልዑላውነት ናይ ሕጊ ብምቕባል ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ናጻነቱን መሰላቱን ምርግጋጽ እዩ።

በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፣ ኣብ 9 ሐምለ 2020 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓሰርተሓደ ኣባላት ዝሓዘ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ መስሪቶም። እዚ ሽማግለ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ መርሓ ግብሪ ንምድላውን ንምትግባርን ዝዓለመ እዩ። ናይዚ ሽማግለ ኣባላት ድማ፡  ዶ/ር መሓመድ በሽር (ኣቦ-መንበር)፣ ኣድያም ተፈራ (ምክትል ኣደ-መንበር)፣ ብሉጽ ኢያሱ (ጸሓፊ)፣ ኢድሪስ ሑመድ (ጸሓፊ)፣ ኣብርሃም ኢያሱ፣ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ፣ ማሕሙድ መሓመድ ዓሊ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ሱሌማን ሰዲግ፣ ተኽለሰንበት ተኽላይን ዮሴፍ ኣስገዶምን እዮም።

ኣብ 22 ነሐሰ 2020፣ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሰለስተ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ስርሑ ጀሚሩ ይርከብ።

ዲፕሎማሲ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም እዚ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ንምትግባር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ እዩ። ምምሕዳሩ ከኣ ብ ሃይለማርያም ተስፋይ ዝምራሕ፣ አቤል ሃይለ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ብዓለምለኸ  ደረጃ ከኣ ወከልቱ ኣብ ሓሙሽተ ዞባዊ ቤት ጽሕፈታት ዘዋፈረ ቅርጻ ኣለዎ። እዚኣቶም  ከኣ ብብርሃነ ደበሱ ዝምራሕ-ናይ አፍሪቃ ቤ/ጽ፣ ብወልደየሱስ ዓማርን፣ ጽገየውሃንስ ኪዳነን ዝምራሕ-ናይ አውሮጳ ቤ/ጽ፣ ብሓሰን አል-አሳድ ዝምራሕ-ናይ ማእከላይ ምብራቕ/ኣስያን ቤ/ጽ፣ ብዶ/ር ተሾመ ብርሃነመስቀልን ብኪዳነ ተስፋገብርኤልን ዝምራሕ-ናይ ሰሜን አሜሪካ ቤ/ጽ፣ ከምኡውን ብ ተዓረ ሃይለን ብ ያሲን አብርሃምን ዝምራሕ-አውስትራሊያ/ኒውዚላንድ ቤ/ጽ ይህልዎ፡፡ ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሓላፍነት ከኣ፡ (1) ንናይ ህዝብና ሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ፣ (2) ነቲ ናይ ዲሞክራሲ ቃልስና ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ድጋፍ ምርካብ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብምምጻእ፣ ሾቶና ንቕድሚት ንምስጓም እዩ።

ሚድያ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ናይ ሚዲያ ስራሓት ንምውህሃድን ንምክያድን ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ሚድያ ሓይሊ ዕማም ብሓናን መሓመድ ሳልሕ ዝምራሕ፣ ተኽሉ (ቶማስ) ገብረየሱስ ጸሓፊ፣ ኣባላቱ ድማ፡ ዓብዱላ ዑመር፣ ደበሳይ በየነ፣ ድራር ማንታይ፣ ሃብቶም ብርሃነ፣ ከዋኒ  ገብረስላሴ  ስዩም፣ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስን፣ መሓመድ ብርሃን ብላታን ወልዱ ነጋሲን እዩም። እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ኣብኩሉ ናይ ሚድያ መድረኻት፣ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከምኡውን ካልኦት ተቓወምትን ዓለምለኻውያን ሚድያን፡ ብምውህሃድን ስራሕ ኣብ ምቅልጣፍን ይነጥፍ። ተሓባቢርካ ክስራሕ ዘለዎ ዕላማ ድማ፣ (1) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘይሕጋውን፣ ዘይሞራላውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ምግላጽ፣ (2) ንኤርትራውያን ኣብ ሃገሮምን ኣብወጻእን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቅያት፣ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ማሕበራውን ፣ ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ፍሽለታት ምዃኑ ምጕላሕ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ከኣ ናይ ተቃውሞ ሓይልታት ቃልስን ዓቅሚታትን ምትብባዕ እዩ።

ህዝባዊ ምልዕዓል፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓበራዊ ናይ ህዝቢ ምውዳብን ምስራዕን ሓላፍነት ዘለዎ እዩ። ብብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝምራሕ፣ ግርማይ ተኪእ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ኣባላቱ ከኣ  ኣብርሃም ተስፋግዮርጊስ፣ አስገደት ተስፋዮሃንስ፣ ባህታ ተስፋማርያም፣ ደስበለ ገብረህይወት፣ ኢዮብ የማነ ወልደገብርኤል፣ ገብረህይወት መለስ፣ ሓየሎም ዳንኤልን፣ ትዕበ ተኪአን እዮም። ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሽቶታት ድማ፡ (1) ናይ ኤርትራ ስርዓት መግዛእቲ ብምቅዋም ብሓድነት ደው ብምባልን (ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን) ንህዝቢ ኤርትራ ምልዕዓል፣ (2) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ (ብቐጥታውን ዘይቀጥታውን) መንገዲታት ተጽዕኖ ንምግባር ናይ ፖለቲካ ስጉምቲታት ምውሳድ፣ ከምኡውን (3) ቀጻሊ ናይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስራሓት ብምውህሃድ ናይ ኤርትራ ልዑላውነትን፣ ናይ ህዝባ ሓድነትን ምዕቃብ ይኸውን።

ንናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውህደት ስራሕ ንምሕያል ብጸጥታ፣ ብፋይናንሳዊ ጉዳይን ብእስትራተጂያዊ ውጥንን ተወሳኺ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ስሩሑ ክቕጽል እዩ። እዚ ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣቦ-መንበራት ላዕለዋይ ተኸታታልነት ዝሰርሕ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ’ዚ ነቲ ብ ኣቦ-መንበራት  ዝዋሃቦ ቀጻሊ መምሪሕታትን ሓገዛትን ምስጋኑኡ የቅርብ።

ዶ/ር መሓመድ በሺር

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

Last modified on Friday, 18 September 2020 08:54