መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2020-08-21 07:20:22 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2400 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስረት ዓንቀጽ 6.1.9 ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ15ን 16ን ነሓሰ 2020 ኣሰላሲሉ።  ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ምልኣተ ኣኼባ ምህላዉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ኣስዒቡ ኣብ’ቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢናን ዓለምን ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት ብምጥቃስ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ እዚ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕማም ኮረና ኣሻቓሊ ዝኾነሉ ዘሎ ግዜ፡ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃልሶም መድረኽ ንምፍጣር ዝለዓለ ጻዕሪ የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ይጋባእ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘሎና እዋን ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተፈልየ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ብምዃኑ ኣገዳስነት ናይዚ ስሩዕ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት  ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ተጠራኒፍካ፡ ኣንጻርቲ ንህዝብና ረጊጹ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ  ዘእቱ ዘሎ ጉጅለ ሓቢርካ ዘቃልስ ኩነታት ንምፍጣር፡ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ዘረጋገጽዎ ምሉእ ሓድነት፡ ካብ ዓወታት ናይ’ዚ ዓመት ሓደ ከም ዝነበረ ኣስፊሩ። ከምኡ’ውን ብዛዕባቲ ኣብ ዓለምና ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮረና ኣመልኪቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብክኢላታት ሕክምና ንዝወሃብ ምኽርን ምዕዶን ኣተግቢሩ ካብ’ቲ ሓደጋ ክወጽእ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

መእተዊ ቃሉ ከጠቓልል እንከሎ ከኣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት መደባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣባላት ሰልፍን ብሓባር ኮነ ብውልቂ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብዘተኣማምን ግቡኣቶም ክፍጽሙ ከም ዝጸንሑ ብምርግጋጽ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቦ መንበርን ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ምጽዳቕን፡ በቲ ዝጸደቐ ኣጀንዳ መሰረት ኣኼባ ኣብቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ባይቶ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ሰዲህኤ በብሓደ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ነፍሲ ወከፍ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ጸብጻብ ናይቲ ክመርሖ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት መእተውን መበገሲ ሓሳብን ኣቕሪቡ። ኣኼባ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ኣገደስቲ ኣብ ዝበሎም ጉዳያት ውሳነታት ወሲኑ። ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ዝረኣዮም ዛዕባታት ከኣ ሓፈሻዊ መምርሒ ብምሃብ፡ ንግብራውነቱ ናብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣሰጋጊሩ።

ኣኼባ ባይቶ ኣብቲ ንጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ብዝምልከት ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ምሕያል፣ ውደባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ምሕያልን ኣባልነት ምስፋሕን፣ ዜናዊ ዓቅሚ ሰልፊ ምምዕባልን ተሳትፎ ኣባላት ኣብ’ዚ መዳይ ምሕያልን፣ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ፣ ንማሕበራዊ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ቆላሕታ ምሃብን ናይ ጸገማቶም መፍትሒ መንገድታት ምእማትን፣ ኣብ መትከል ናይ ሓባር ረብሓ፡ ኣብ ምክብባርን ኢድ ዘይምትእትታውን ዘትከለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሕያል፣ ኣባላት ሰልፊ ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምኽዕባት ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝነኣድ ምዃኑን፡ ተሳትፎ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ ምሕያልን  ንዝብሉ ጉዳያት ፍሉይ ግምት ሂቡ መዚኑ። ድሕሪ እዚ ኣኼባ ነቲ ጸብጻባት ከም ሰልፋዊ ሰነድ ኣጽዲቕዎ።

ፈጻሚት ሽማግለ ጸብጻባታ ምስ ወደአት፡ እቲ ኣኼባ 3 ብዝኣባላታ ሰክረታርያት እንዳተመርሐ ቀጺሉ። በቲ ኣቐዲሙ ዝተሰርዐ ኣጀንዳ ከኣ ጸብጻብ ናይ ሰልፊ ዓመታዊ ገንዘባዊ ተቖጻጻሪ ቀሪቡ። ኣኼባ ባይቶ ኣብዚ  ዛዕባዚ’ውን ኣድላይ ምምይያጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ነቲ ነዚ ናይ ተቖጻጻሪ ጸብጻብ እውን ኣጽዲቕዎ።

ኣኼባ ባይቶ ንህልዊ ኩነታት ከባቢና ኣብ ዝዳህሰሰሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ኣብ ዝምልከት፡ እቲ ዝምድና ናይ ክልተ መራሕቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን እምበር፡ ከም’ቲ ክልቲኡ ህዝብታት ክጽበዮ ዝጸንሐ ሰላም ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ ርእዩ። ካብዚ ሓሊፉ  ኢሳያስ ነዚ ትካላውን ሕጋውን ዘይኮነን ዘይግሉጽን ዝምድና፡ ተጐዝጒዙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ፡ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን መደረታት ንልኡላዊ ህልውና ሃገርናን ሓርበኝነት ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ኣካላቱን ህዝባዊ ምልዓላትን ከም’ቲ  ጀሚሮምዎ ዘለዉ ብትብዓት ክቃለስዎ ከም ዝግባእ ኣኼባ ባይቶ መዚኑ። ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት ከርእይዎ ዝጸንሑ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ሓደገኛ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ተግባሮም ንክዕቀቡ እውን ተማሕጺኑ። ነቲ ኢሳያስ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ምውጋይ ዝተቓወሙ ኣካላት ከኣ ብመላኦም ኣመጒሱ።

2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያየጠሉ ካልእ ዛዕባ፡ ኣቐዲሙ ብፉሉይ ሽማግለ ተጸኒዑን ብፈጻሚት ተራእዩን ዝቐረበ፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ዝምልከት ንድፊ ፖሊሲ እዩ። እዚ ንውሳኔ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ መሰረት ዝገብረ ፖሊሲ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ጸዲቑ።

ማእከላይ ባይቶ ቅድሚ ኣኼባኡ ምዝዛሙ፡ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ። ድሕሪኡ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንኣሳልጦ መጻኢ ስርሓት ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ለበዋታት ናብታ ፈጻሚት ሽማግለ ኣቕሪቦም። ኣባላት ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዳያት ከካይድዎ ንዝጸንሑ ቃልስን ኣበርክቶን ምምጓስን ንመጻኢ እውን ክቕጽልዎ ጸዋዒት ምቕራብን ከኣ ኣኼባ ዝተገደሰሉ ነይሩ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ሓገዛት እናመጐሰ ንምዕዋት መትከላት ሰዲህኤ ኣበርክቶኦም ክቕጽሉ ጸዊዑ።  እቲ ሰላምን ራህዋን ዝብህግ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፡ ድማ ንድሕነት  ህዝቢ ኤርትራን ንምዕዋት መትከላት  ዲሞክራስን ክተግሁ ኣኼባ ጸዊዕዎም።

ከምኡ’ውን “ይኣክል” ከም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልስታት ናእዳኡን ደገፉን ገሊጹ። ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ’ዚ ምንቅስቓስ እዚ እውን ርኡይ ምንባሩ መዚኑን ከም ዝቕጽልዎ ኣረጋጊጹን።

ኣብ ምዝዛም ኣኼባኡ፡ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ግዳም ተጨውዮም፡ ኣብ ሕሱም ጭካኔ ዝፍጸመሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣብኡ ህይወቶም ዝሓለፉን ዘኪሩ። ህዝቢ ኤርትራን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ሓያል ተጽዕኖን መኸተን ክገብሩ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!

18 ነሓሰ 2020

Last modified on Friday, 21 August 2020 22:02