ጨንፈር ቁ.2 ሰ.ዲ. ህ.ኤ. ሃገረ ሽወደን ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ

2020-02-29 08:31:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2391 times

ዓመታዊ ጉባኤ 2019 / 2020 ጨንፈር ቁ.2 ሰ.ዲ. ህ.ኤ. ሃገረ ሽወደን ብዕለት 28/02/2020 ኣብ ትሕቲ   ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባሌን ንቃለስ !!!   ዝብል መትከላዊ ጭርሖ ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣካይዱ ። እዚ ጨንፈር እዚ ኣብ 11 ከተማታት ሃገር ሽወደንን ደንማርክን ዝርከቡ ኣባላት ዝቆመ ኮይኑ : ብምልኣተ ተሳታፍነት ብዓወት ተሳላሲሉ። ብሽማግለ ጨንፈር ዝቐረበ ስርዒታውን ፖለቲካውን ምጣኔ-ሃብታውን ጸብጻብ ቅድሚ 2ተ ሰሙን ናብ ኩሉ ኣባል ዝተላእከ ድሕሪ ምስማዕ ሰክረታርያ ጉባኤ መሪጹ ብልዙብ ኣገባብ ተማያይጡ ብምሉእ ድምጺ ኣርጊኡ ንዝነበረት ሽማግለ ብምምስጋን ነጻ ኢሉዋ። ቀጺሉ ብሓጻይት ሽማግለ ዝቀረቡ 3ተ ኣባላት ንዓመተ 2020/2021 እትመርሕ ሽማግለ ብምሉእ ድምጺ ኣርጊኦም ፡ ብተወሳኺ ከኣ ክልተ ዝኣባላታ ሓጻይት ሽማግለ መሪጾም። ብጾት ኣባላት ሰልፊ ናይ ሃገረ ደንማርክ ከኣ ድሮ ናይ ባዕሎም ጨንፈር ኣብ ምቋም ስለ ዝርከቡ ጉባኤ ዓወትን ሞጎስን እናተመነየ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ቃል ብምእታው ጽቡቕ ዕድል ብምምናይ ብደስታ ተፋንይዎም። ጉባኤ ንህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብምስትብሃል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝወሰዶ ጥንቁቕ ተረድኦን ሚዛንን ብምድጋፍ ብትዅረት ክቕጽሎ ተላብዩ ጉባኤ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ልዝብ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።

ደጊምና ንቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባሌን ንቃለስ !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!

ውድቀት ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ።

Last modified on Saturday, 29 February 2020 09:33