ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን  ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2019-04-15 19:21:45 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2498 times

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብዕለት 14.04.2019 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጨንፈር ካብ ዘካይዶ ንጥፋታት ሓደ፡ ብዛዕባቲ  ኣብ ዝመጽእ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2019  ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ ዝግበር ሳልሳይን ሓድነታዊ ጉባኤ፡ ብሓባራዊት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቅዋም ተመያይጡ ርእይቶ ጨንፈር ኮነ ክማሓየሽ ኣለዎ ዝብሎ ዓንቀጻት ደምዲሙ ከምዘቕረበ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይቲ ዕለት ኣኼባ እውን ከም መቐጸልታ ናቱ ኮይኑ፡ ኣጀንዳ ኣኼባ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዝበጽሓና ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ምዝርራብ ምዃኑ ገሊጹ። በዚ መሰረት ልቢ ኣኢልና ክንከታተልን ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ነጥብታት  እናዳሓዝና ምዝርራብ ኣብ ንባብ ተኣትወ። በዚ መሰረት ድማ ግዜ ዝወሰደ ምይይት ተገይሩስ ጽቡቕ ምርድዳእን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ከምዝተገብረይለጥ።

 ኣብዚ እቲ ቀንድን ኣገዳሲ ናይቲ ኣኼባ፡  ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብቲ ዝቐረበ ንድፊ ቅዋምን ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ተሳታፊ ምዃኑ ከረጋገጽ ከሎ፡ ኣብ ጉባአ ዝጸድቕ ኩሉ መዳያዊ ውሳኔታትን ቅዋም ኮነ  ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ዝምልከቱ ሰነዳትን፡ ከምኡ‘ውን ምሕጻይ ኣባላት መሪሕነት፡ ነቶም ኣብቲ ጉባአ ብውክልና ዝሳተፉ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ኣባል ሰልፊ በብጨንፈሩ ተረዳዲኡሉን ርእይቶኡ ኣስፊሩሉን፡ ብኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻይት ኣካልን ኣቢሉ ናብ ጉባአ ክቐርብ ከሎ፡ ምሉእ ተሳታፍነት ኣባል ዘረጋግጽን፡ መርኣያ ናይ ግሉጽነት ሰልፋዊ ኣሰራርሓናን ከም ዝኾነ ዝሕብር‘ዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ  ኣገባብ ኣሰራርሓ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ዘረጋገጽ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ንመጻኢ እውን ምሉእ ዕግበትን ምትእምማንን ኣብ ሰልፋውን ሃገራውን መስርሕ ንምጥጣሕ  ዝሕግዝ‘ዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣብ ወውሽጡ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓታት እንተደኣ ኣርእዩ ድማዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ክፈጠርን ኣብ ሓድነት ክበጽሕን ዝኽእል። ከምዚ እንተደኣ ኮይኑ ድማዩ ነታ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሳያስ እትምስረት ኤርትራ፡ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክህልዋ መሰረት ዘንጽፍ።

ኣኼበኛ ድማ ናብ ዝመጽእ ኣኼባኡ ነቲ ካልኣይ ክፋል ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ምጽፋፍ ወዲኡ ናይ ምምሕያሽ ርእይቶታቱ ኣብዝተወሰነሉ ጌዜ ከቕርብ ምዃኑ ተረዳዲኡ፡  ኣኼባ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ  ብዝክረ ሰማእታት ተደምዲሙ።

    

Last modified on Tuesday, 16 April 2019 16:22