ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ደቡብ ጀርመን ኣኼባ ኣካይዱ

2019-04-08 19:19:35 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2381 times

ብዕለት 07 04 2019 ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ጨንፈር ሰዲህኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ መብዛሕተኦም ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ህሉዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ከባቢኣን ዝዳህሰሰ ስፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም

  1. ኣባላት ጨንፈር ነቲ ሰዲህኤን ሃድኤ ሕድር ኣብ ፍጹም ሕድነት ንምብጻሕ ዝካየድዎ ዘለዉ ሰፊሕ ዘተ ዘለዎም ናእዳ እንዳገለጹ ንምዕዋቱ ድማ፡ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ክገብሩ ምዃኖም ከረጋግጹ እንከለዉ፣ እቲ መስርሕ መታን ዕዉት ኮይኑ ኽወጽእን ብኡ ኣቢሉ’ውን ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምቕርራብን ሓቢርካ ንምስራዕን መንገዲ ክፈጥር ስለዝኽእል፡ ኩሎም እቶም ንፍትሒ ዝጽዕቱ ዜጋታትን ሃይልታትን ንምዕዋቱ ፖለቲካዊ ይኹን ንያታዊ ኮታስ ዝካኣሎም ምትሕብባር ክገብሩ ተደላይነቱ ብምግንዛብ ኣኼባ ጨንፈር ጸዋዒቱ ኣቅሪቡ።
  1. ነቲ ይኣክል ዝብል ኣንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ስፊሕን ሓያልን ሰላማዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ዘሎና ደገፍ እንዳገለጽና፡ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ተግባር ንምስግጋሩ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ስልፍታት ክውድቡን፡ ብምእኩልን ዝተወደበን ኣገባብ ብኪኢላታት ዝተመርሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዝተሰነየ ምስዝግበር፡ ህዝብና ናይ ዓወቱ ብስራት ኮይኑ ስለ ዝረኽቦ ክም ዝስዕቦን ከም ዝሕብሕቦን ኣይንጠራጠርን ኢና። ንሕና ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን እውን  ምስ ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ኩሉ ዓቕምና ዝፍቅዶ ክንፍጽም ክም አንኽእል ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብምርግጋጽ፡ ኣኼባ ጨንፈር ብዝላዓለ ናይ ቃልሲ ንያት ተደምዲሙ።

ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ።

Last modified on Monday, 08 April 2019 21:24