ሰዲህኤ፡ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ንቡር ኩነታት ንክህሉ ንእተቕርቦ ቀጻሊ ጸዋዒት ኣመጒሱ  

2019-01-28 20:01:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2741 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ፓርላማን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ጀርመን ኣብ ዘቕረቦ መዘክር፡ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስ ከተካይዶ ንዝጸንሐት ቅኑዕን ቀጻልን ጸዋዒት ዓሚቕ ምስጋናኡ ገሊጹ። ናይዚ መዘክር ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ጀርመን እውን  ተላኢኹ እዩ።

እዚ መዘክር ብ25 ጥሪ 2019 እዩ ናብ ፈደራላዊ ፓርላማ ጀርመን ብናይታ ሃገር ፕረሲደንት ሆን ዎልፍጋንግ ስቻውብለ፡ ናብቲ መንግስትቲ ድማ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሀይከን ማስ ኣቢሉ ተላኢኹ። ኩሎም ኣንጻር ወልቀ ዲክታተር ኣብ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት፡ በቲ ፓርላማ ጀርመን ብ17 ጥሪ 2019   ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ሓድሽ ዝምድና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስ  ዝጠልብ ዝወሰኖ ውሳነ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝተቐበልዎ እዚ መዘክር ኣስፊሩ።

እዚ “ኤርትራዊ መልእኽቲ ምስጋና” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መዘክር ሰዲህኤ ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ፓርላማን መንግስትን ጀርመን  ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ከጨንቕ ዝጸንሐ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ማሕበራዊ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኩነታት እንተዘይቀይርዎ፡ ምስ ኤርትራ ናይ ልምዓት ምትሕብባር ከምዘይቅጽል ብምግላጹ ተስፋ ከም ዝገበሪ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ናይ ጀርመን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሀይኮ ማስ ዝገለጽዎ ዝተቐየረ የብሉን። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ደጊፎም፡ (ተኣምራዊ) እውን ኢለምዎ ነይሮም። እዚ  ለውጢ ኣብዚ ዞባና ከም ዝሰፍሕ እውን ተስፋ ነይርዎም። እንተኾነ ብዛዕባዛ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ሓድሽ ናይ ለውጢ እስትራተጂ ዘየብላ  ኤትራ ሻቕሎት ነይርዎም እዩ።

እዚ መዘክር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2018 ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ኣቶ ገርድ ሙለር ሚኒስተር ዕቤት ጀርመን፡ ንኣካላት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከይተቐየረ ኤርትራ ካብ ጀርመን ሓገዝ ኣይክትረክብን እያ ንዝበልዎ እውን ኣዘኻኺሩ።

EPDP Pays Gratitude to Germany 2

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቲ መዘክር ናይ ጀርመን ወግዓዊ ምንጭታት፡ ጀርመናዊ በዓል መዚ ሚቻአለ ሙንተርፈሪንግ ኣብዚ ቀረባ እዋን  ናብ ኤርትራ ከም ዝገሻ ከም ዝሓበረ ብምጥቃስ፡ እተን ጀርመናዊት በዓልቲ መዚ ኤርትራ ናይዚ ከባብያዊ ናይ ዕቤት ዕድል ተጠቃሚት ክትከውን ንሓለፍቲ ኤርትራ ንክደፋፍእዎም ጸዊዑ።

.መንግስቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊቲ ዘየናሕሲ፡ ኩሉ ዝፈልጦን ቀጻልን ስቓይ ዝፍጽም ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እተካይዶ ዘላ ድፍኢት ኣብ ፍረ በጺሑ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ከብቅዕ ትስፍው ምዃኑ ገሊጹ።

Last modified on Monday, 28 January 2019 21:09