ህግደፍ፡ ምጥራር ዶብን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያን

2024-03-10 10:49:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 518 times

ኣብ 2018 መራሒ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን “ናብ ሓድሽ ሰላማዊ ምዕራፍ ዝምድና ኣቲና” ምስ በሉ፡ ምጥራር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር ብብዙሓት ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምእታዎም ቀንዲ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ንቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልናዮ ኣለና” ምባሉ ናይ ብሓቂ ጌርካ ስለ ዝተወስደ። ደሓር ግና እቲ ቀንዲ መሰማሚዖም ጉዳይ ብይን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምንባሩ ብግብሪ ተራእዩ። ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝኸተምዎ ስማዊ ስምምዕ እውን፡ ኣብ ዓንቀጽ 4ተ ካብ ምጥቃሱ ሓሊፎም፡ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ኣጀንዳኦም ከምዘይነበረ ኣረጋጊጸምዎ እዮም።

ኣንጻር ህወሓት ብሓባር ዝወፈርሉ ድሌቶም ኣብ መጀመርታኡ እኳ እንተዘይተጋህደ፡  በበይኑ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግምት ነይሩ። ኣንጻር ህወሓት  ዝነበሮም ኩለ-መዳያዊ ወፍሪ ከይደንጐየ ናብ ውግእ ማዕቢሉ። እቲ ውግእ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ በብደረጃኡ፡ ብርሰት፡ ምዝንባል፡ ህልቂትን ዕንወትን ምውራድ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይቶም ተዋግእቲ ዓቕሚ ተዳኺሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ተጽዕኖ ሕብረተሰብ ዓለም ውግእ ጠጠው ንክብል ምስ ሓየለ፡ ብሰላም ክግታእ ናይ ግድን ኮይኑ። ህግደፍ ነቲ ናይ ሰላም ሃዋህው ክነጽግ እንከሎ፡ ብልጽግና ግና “ደጊም ውግእ ይኣክል” ስለ ዝበለ፡ ህውከት ኣቋሪጹ ንቀጻሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ መሰረት ዘንበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ተኸቲሙ። ህግደፍ ኣብቲ ጠጠው ከብሎ ዘይከኣለ ውዕል ሰላም ዝነበሮን ዘለዎን ዘይዕግበት ንምግላጽ ከይሓፈረ “ብምዕራባውያን ተኾሊፍና” ብዝብል ደርጒሑ፡ ብዘይውግእ ክነብር ዘይክእል ምዃኑ ኣርእዩ።

ህግደፍ እቲ ጠጠው ከብሎ ዘይከኣለ ውዕል ሰላም ምስ ተኸተመ፡ ንከይትግበር ክኾልፎ ካብ ምጽዓር  ዓዲ ኣይወዓለን። ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጽእ” ዝብል ውሳነ ንከይትግባር ክሳብ ሎሚ ዕባራ ምኽንያታት ብምፍጣር፡ ዓንቂጹ ኣሎ። በዚ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ካብ ዝዕንቅፉ ቀንዲ ጠንቅታት ኣብያ ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ። ህግደፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ካብዚ ዓንቃፊ ተግባሩ ንክቑጠብ ንዘቕርብሉ መጸዋዕታታት ብኣሸካዕላል ክምልሰሉን ነቶም ዓገብ ዝበሉ ብዓይኒ ጽልኢ ክኸስስን ጸኒሑን ኣሎን። ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪታንያን ኣትይዎ ዘሎ ኩርባባ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እንተኾነ እዚ ሎሚ ዝሕሰሞ ዘሎ ምሕጽንታታት ጽባሕ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ናብ ዝሃሲ ኣስገዳድ ክምዕብል ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ህግደፍ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይምውጻእ የቕርቦም ካብ ዘሎ ምኽንያታት “ሰራዊተይ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እዩ ዘሎ” ዝብል እዩ። ምስዚ ዘለናዮ ምዕባለ እቶም “ውጻእ” ዝብልዎ ዘለዉ ኣካላት፡  ሰራዊት ኤርትራ ኣበይ ከምዘሎ ስለ ዝርድኡ ይጽውዕዎ ከም ዘለዉ ዘስትውዓለ ኣይመስልን። ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረታዊ ምኽንያት ኮይኑ ዘይኮነ፡ ከም መሸፈኒ ተወሲዱ ብዝተኸፍተ ንክልተ ዓምታት ዝኣክል (1998-2000) ዳማዊ ውግእ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብቲ ብውዕል ኣጀርስ ዝተመስረተ ኮሚሽን ዶብ ቀሪቡ ካልእ መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ። በቲ ኮሚሽን ድማ ኣብ ደንሃግ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ተዋሂብዎ።

እንተኾነ ብብዙሕ ደረጃታት ሓሊፉ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣብ መሬት ምምልካት ምስ በጸሐ  ኣይሰጐመን። ኣብ ከምዚ ኩነታታት “ከተማ ባድመ ንኤርትራ ተፈሪዳ” ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ካልእ ከባብታታት ብፍላይ ድማ ኣብቲ ማእከላይ ዞባ ዝበሃል፡ ኣፍካ መሊእካ “ኣየናይ ዓዲ ናብ ኤርትራ፡ ኣየናይከ ናብ ኢትዮጵያ” ከም ዝተፈርደ ምንጻር ኣጸጋሚ እዩ። መስርሕ ምጥራር ከምቲ ብሕጊ ዝጀመሮ፡ ብሕጊ ንከይውዳእ ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ዓንቃፊ ኣስተዋጸኦ ኣለዎም። ኢህወደግ “በዓል 5 ነጥብታት” ዝብል ምስቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዘይቃዶ ፖሊሲ ኣውጺኡ ንዝያዳ 20 ዓመታት ናብ ደውታ ኣእትይዎ። ህግደፍ ከኣ ብመሰረቱ ከምቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጋኣና ጉዳይ ዶብ ኣይነበረን፡ ጉዳይ ዶብ እንተዝነብር ብናይ ሕጊ መስርሕ መተፈትሐ” ዝብሎ ዝነበረ ከም መጻልኢ ምስ ህወሓትን  ኣውሓስትን ይጥቀመሉ ነይሩ እምበር ክጥረር ይደሊ ኣይነበርን። ብፍላይ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት ተፈጢርሉ ክነሱ፡ ኣይኮነንዶ ከተግብሮ ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ገይሩ’ውን ከምዘይወሰድ ባዕሉ ክገልጾ ዝጸንሐ እዩ።

ህግደፍ ቅድም ኮነ ሎሚ ዶብ ክጥረር ዘይደለየሉ ምክንያታት፡ ሓደ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምሕዋስ መንገዲ ክኾኖ ይደሊ ነይሩ። ሎሚ ድማ መፍረሲ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥቀመሉ ኣሎ። ብዓብይኡ ድማ “ጌና ልኡላዊ መሬትና ከየውሓስና”  እናበለ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ክሕበኣሉ ዝጸንሐን ዘሎን መኸወሊ እዩ። ሎሚ ግና እዚ ጉዳይ ዶብ ዝምዝምዝ ተገላባጢ ሸርሒ ኢሳያስ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ስለ ዝተኸሸሐ ዝሕበኣሉ ዘይኮነ ዝቃለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ገለ ኤርትራውያን ወገናት፡ “ምጥራር ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ዝብል ነቲ ናይ ኢሳያስ ዘዳምቕ ድምጺ ይስማዕ ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን ነቲ ዶብ ኣብ መሬት ኣብ ዘይተመልከተሉ፡ “ሰራዊትና ኣብ መሬት ኤርትራ እዩ ዘሎ” ዝብል ንህድማ ኢሳያስ እዝኒ ዝህብዎ ኤርትራውያን ይህልዉ ይኾኑ። ብሕጋዊ መንገዲ ምጥራር እናተኻእለ፡ ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዘንጊዖም፡ “ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊ ምምላሱ” ቅኑዕ እዩ ዝብሉ እውን፡  ይስምዑ እዮም።

እዚ ኩሉ ተደሚሩ ነቲ ኢሳያስ ምስምስ ዶብ ብምፍጣር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሕቶ ካብ ምምላስ እናሃደመ ዕድመኡ ንምንዋሕ ዝመሃዞ ተንኮል፡ ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ ክምከት ይግበኦ። ብኣንጻሩ ሎሚ እውን ዶብ ምጥራር ኢሳያስ ንዝብለጸሉ መሳኹቲ ዝዓጹን ንለውጢ እንገብሮ ቃልሲ ከም ዘይዕንቅፍ ብምርዳእን፡  ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ብሰንኪ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ከይነኣቱ ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፡ እቲ 1,033 ኪ/ሜ (641.9 ማይላት)  ዝንውሓቱ “ዶብና ኣብ መሬት ይመልከት” ዝብል ድምጽና ክብርኽ ይግበኦ።

Last modified on Sunday, 10 March 2024 11:52