ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን

2024-03-07 08:34:38 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 549 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃነን  ብማሕበረሰብ ዓለም ክእመነሉ ኣገዳሲ እዩ።  ምኽንያቱ ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተ ሰብ  ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። በዚ መሰረት 8 መጋቢት ምልክት ናይ ቃልሲ ዓለምለኸዊት  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ክትክበር  ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ  ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ።  ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላቲ ቃልሰን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምብርባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር  ኣላ። ኣብ 1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ  ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ኣፍልጦ ረኺባ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ  ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ብምዃና  ዓወታ፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ”  ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ሕብረተ-ሰብ ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ  ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ  ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ  ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን  ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ኣብ መጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2024 ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና  ዘለና።  ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ኣትዮም ዝሃለቕሉ መርድእ ንምስማዕ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለዋሉ ኢና  8 መጋቢት 2024 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘቕርብ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶአንን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላን ዕለት ክትከውን ይግባእ።  ከምኡ’ውን ከም ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ጉዕዞ ናብ ብሩህ መጻኢ፡ ማዕረ ብጽሒትን  ተጠቃምነትን ናይ ዝመርሕ መንገዲ ኣካል ክኾና ይግበአን።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት መሪሕ ግደአን  ከበርክታ መሰረታዊ እዩ። ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ሓራ ክኾና  ደቂ ተባዕትዮ እውን ንይምሰል ዘይኮነስ፡ ወጽዓአን ኣለልዮም፡ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ክወስዱ ይግበኦም። ናብዚ ውሁድ ቃልሲ ንምብጻሕ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትመኩሮ ተማሂረን  ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተንን መወዳድርተንን ዘይኮኑ፡ ደገፍቲ ቃልሰን ምዃኖም ተገንዚበን ስልጡን ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዝን ክኽተላ ይግበአን።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ እነካይዶ ኣብ ዘለና ቃልሲ ክንድቲ ዝድለ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንኸይረአ ናቱ ምኽንያታት’ኳ እንተለዎ፡ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ሓደ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ እዩ ዝቃለሰሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ስለ ዝኾና፡ መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኩሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል   ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና

መጋቢት 2024

Last modified on Thursday, 07 March 2024 09:43