ኪኖ ሰልፍታትን ውድባትን እነማዕድዎ

2024-03-01 19:50:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 589 times

ኤርትራ ናይ ኩልና ደቃ እያ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሃለዋታን መጻኢኣን ከኣ ዝተፈላለዩ ኣተሓስሳባታት ኣለና። እቲ  ከም ዘይምለስ፡ ኣርሒቑ ናብ ጥፍኣት ዝጥሓለ ህግደፍ ገዲፍካ፡ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብዙሓት ምዃና ድማ ውጽኢት ናይቲ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እዩ። በበቲ ዝመረጽናዮ መልክዕን ተልእኮን ምውዳብና ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኮነ፡ ናብቲ ኣርሒቕና እንጥምቶ መዓርፎ  መብጽሒ ናይ ቃልሲ መሳርሒና እዩ።

ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ እውን ማሕበራት ኤርትራ፡ ናይቲ ዘሰለፈኦን ብውሽጣዊ ቅዋመን ክቕየድ ዝግደድን ክፋል ሕብረተሰብ እምበር፡ ናይ ህዝቢ ውክልና የብለንን። ብዛዕባ ኤርትራን መጻኢ ምሕደረኣን ክኾነለን ዝደልዮኦ ሓሳብ ብህዝቢ ተቐባልነት ንክረብ ናብ መድረኽ ናይ ምቕራብ መሰለን ግና ሕልው እዩ። እቲ ብዝተፈላለያ ተወዳደርቲ ውዳበታት ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝቐርበሉ ህዝቢ ከኣ፡  ናይ ምቕባልን  ዘይምቕባልን መሰል ኣለዎ። እተን ሓሳብ ዘለወን ውዳበታት ባህጊ ህዝቢ ናይ ምስማዕን ኣብ ግምት ናይ ምእታውን ግደታ ኣለወን። ህግደፍ ነቲ ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ ጀሆ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን እታ ጠፋጢፉ  ዝፈጠራ ጉሒላ ጉጅለን “ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ” ኣምሲሉ ከቕርቦም ዝፍትኖ ከኣ ናይቲ ዓመጸኛን ሸፋጥን ተግባራቱ መግለጺ እምበር፡ መርኣያ ብህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣይኮነን።  ብህዝቢ ብዝጸደቐ ሕገምንግስቲ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ ናይ ብዙሓት ደገፍ ዝረኸበ መንግስቲ ግና “ናይ ህዝቢ ውክልና ኣለኢ”  ክብል ሕጋዊ ተቐባልነት መሃለዎ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ህጹጽ ቀዳምነት ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ መሰረታዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። ውድባትና ይኹን ሰልፍታትና ከምኡ እውን ጽላላትና ኣሕይልና ነዚ ቀዳምነትና ከነሰላስል እንከለና፡ ኪንኡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ከነእቱ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሎሚ ካለኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ዕማምና ጽባሕ ቀዳማይ ዝስራዕ ክኸውን ስለ ዝኾነ። ብኻልእ ኣበሃህላ ናይ ሎሚ ኣተሓሕዛ ጉዳያትና ንናይ ጽባሕ ድልዱል ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ባይታ ዘንጽፍ ክኸውን ስለ ዝግበኦ።

ሎሚ ብዛዕባ  ሓድነትን ዕቤትን ውዳበታትና ክንሓስብ እንከለና፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ኤርትራውነትና፡ ብናይ ሓባር ቃልስናን ድምጽናን ዝተረጋገጸ፡  ንካለኦት ወገናት ኣብነት ዝኸውንን ረብሓኦም ዘይጻባእን ምዃኑ ምግንዛብ ድማ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኣስገዶም ተወልደ ዝተባህለ ትግራዋይ ምሁር፡ “ንብራኸ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንቕሎ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጋበአ ዋዕላ፡ “ኤርትራዊ ሃገራውነት ጸላኢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ክውገድ ኣለዎ” ኢሉ ዝመደሮ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ኤርትራውነትና ናይ ካለኦት ዕቤትን መሰልን ዝጻባእ ከምዘይኮነ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ከምዚ ዓይነት ሓውላል ኣረኣእያ ናይ ውሱናት ግጉያት እምበር፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ሓደግኡ ንዘይተገንዘቡ ከነገንዝብ ይግበኣና። ንሕመረት ኤርትራውነት እናተጻባእካ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ግና ጸገም የብልናን” ምባል ግና፡ “ዝኣኽለን ጥሒነንሲ ብዓለማርያም ይብላ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንበሃሊኡ እውን መኽሰብ የብሉን። ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝነበረን ዝነብርን እምበር፡ ምስ ህግደፍ ዝመጽእን ድሕሪኡ ዝሃስስን ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።

ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጭቆናን ዘይህዝባዊ ምምሕዳርን፡ ሃገር ናይ ምምራሕን ውድቀትን ዶባት ሰጊርካ ውግእ ምጽሕታርን ናይቲ ጉጅለ ህላን ዕንደራን እምበር፡ ናይ ልኡላዊት ኤርትራ ከም ሃገር ውድቀት  ከም ዘይኮነ፡ ምርዳእ የድሊ። ኤርትራ ብጨቋኒ ትገዛእ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ትመሓደር ልኡላውነታ ወትሩ ህያው እዩ። በዚታት ኣመኻኒኻ ኣንጻር ኤርትራን ክብራን ትንዕምንዕ ምባል ከኣ ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን።

ሎሚ ናይ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ካልእ ውዳበኻን ንከተዕቢ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ኪኖ’ቲ ከተዕብዮ ትደሊ ዘለኻ ውዳበ፡ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ዘይምግዳስ መርኣያ እዩ። ህግደፍ ዝፈጥሮ ዘሎ፡ ሓድነትን ምትእምማንን ህዝቢ ዘዳኽም ወስታታት ክትስዕር ሓሊንካ እንዳተቓለስካ፡ ካልእ መልክዕ ዝሓዘ ንሓድነት ዝጻባእ መንገዲ ከይትሕዝ ምስትውዓል የድሊ። ኣንጻርቲ ህግደፍ ዘስረጾ ጭቆና ከወግድ ይቃለስ ኣለኹ እናበልካ፡  መልክዑ ናይ ዝቐየረ ጭቆና ጠንቂ ከይትኸውን  ምጥንቃቕ  መሰረታዊ እዩ።

እዚ ሓላፍነት ብቐዳምነት ናይቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ሓይልታት ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ውድባት ክመዝንን ኣተሓሳስባ ክመርጽን እንከሎ፡ ከም መዕቀኒ ክወስዶ ዝግበኦ  እዩ።  መዲያ ወኒኖም ኣብ  ለውጢ ተሰሊፎም ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ንዘለዎም ሓላፍነት ኣዕሚቖም ክሓስብሉን ክጥንቀቕሉን ይግበኦም። ዝፍጠር ጉድለታት ከይሓብኡ  ናብቲ እናሓደረ ዝዓብን ረብሓ ህዝቢ ዘውሕስን ኣውንታዊ ኣቕጣጫ ዝያዳ ናይ ምትኳር ሓላፍነትን ሓልዮትን ክህልዎም ይግባእ። ኣብ ክንዲ ጸግዒ ፈሊኻ ፍልልያትን ምስሕሓባትን ምንብድባድን ንእሽቶይ ጌጋ ከተተዓባቢ ምሕላን፡ ጽባሕ ሓሊፉ ዝጸንሕ ቅኑዕ መንገዲ  ምጽራግ  ናይ መድያታት ሓልፍነትን ስነምግባርን እዩ።

“ናይ ሎሚ  ዳኣ ንግበር፡ እምበር ናይ ጽባሕስ ሽዑ ነርክበሉ” ዝብል “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ኣተሓሳስባ፡ ገለ ንኡስ ሓቅነት ይህልዎ ይኸውን። ዘይሩ፡ ዘይሩ ግና ሎሚ ብዝተፈላለየ መልክዕ ናይ እነካይዶ ቃልሲ ውጽኢት ብናይ ጽባሕ ሸቶኡ ዝዕቀን ክኸውን ይግበኦ። ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ናይ እነካይዶ ቁጠባዊ ሕውየትን ህንጸት ሃገረ-መንግስትን መቐጸልታ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እምበር፡ ሽዑ ከም ብሓድሽ ዝጅመር ኣይኮነን። ስለዚ ሎሚ ቅድሚት ንሰርዖ ተግባር ቀንዲ ብልሑ ምውጋድ ህግደፍ ኮይኑ’ ንጽባሕ እውን መንጸፍ እዩ። ሎሚ ንወስዶ ስጉምቲ ናብ ጽባሕ ዘየማዕዱ እንተ ኮይኑ፡ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን፡ ብሰንኪ ድሕሪ ናጽነት እንታይ ከምዝገጥመና ሚዚና ዘይምቕራብና ንሓልፎ ዘለና ህይወት መርተዖ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ “ኪኖ ሰልፍታትን ውድባትን እነማዕድዎ ዋኒን ከምዘለና ኣይንዘንግዕ” መልእኽትና እዩ።

Last modified on Friday, 01 March 2024 20:55