ብሓባር ምቅላስ ሓደ ካብ ድኽመታትካ ምውጋድ’ዩ

2024-02-20 19:44:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 510 times

ብቐጻሊ “ሓቢርና ንቃለስ”፡ ኢልና እንጭረሓሉ ምኽንያት ዓሚቕ ትርጉም ኣለዎ። ማእከላይ ትሕዝቶኡ ከኣ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ፡ ተልእኮና ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምና ኣወሃሂድና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ምስላፍ እዩ። ናይ ኩልና ጭረሖ ዝኸነሉ ምኽንያት ድማ ሓቢርና ምስእንቃለስ ከም እንዕወት ስለ እንግንዘብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ምቅላስ ክንድቲ መሰረታዊ ናይ ዓወት ምስጢር ምዃኑ፡ ንምርግጋጹ ዝሓቶ ጻዕርን ዝወስዶ ግዜን ብቐሊሉ ዝዕቀን ከምዘይኮነ ካብ ተመኩሮና ንላዕሊ መስካሪ የለን።

ሓቢርካ ምቅላስ እቶም ኣብኡ ረብሓ ዘለዎም ውዳበታት ብሓንሳብ “ሆ” ኢሎም ዝጅምርዎ ኣይኮነን። ዝተወሰነ ኣካል የንቅዶ እሞ፡ እቶም ካለኦት ኣብኡ ረብሓ ዘለዎም ከኣ፡ ነቲ ተበግሶ እናመዘኑ ነቲ መስርሕ ይሳተፍዎን ዝያዳ የማዕብልዎን። እዚ መስርሕ ብመሰረቱ ከምቲ ናብ ሜዳ ቃልሲ ክንስለፍ እንከለከና ዝተራእየ ናይ ሓደ ደድሕሪ’ቲ ካልእ ምውሓዝ እዩ። እቲ ተበግሶ ዝወሰደ ኣካል ወይ ኣካላት ኣፍደገኦም ንኻለኦት ርሑውን ንናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ቅሩባትን ክኾኑ  ይግበኦም። እቲ ቅሩብነት ነቶም ተሳተፍቲ ናብ መኣዲ ሓቢርካ ምቅላስ ብኣካል ንምቕባሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ሒዘምዎ ንዝቐርቡ ኣተሓሳሳ ግቡእ ቦታ ክህብ ክዳሎ ናይ ግድን እዩ። ኣቓውማ መሪሕነት ድማ ብመንጽርቲ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ቃልሲ ንምውጋድ ህግደፍ እምበር፡  ከምቲ ሓሓሊፉ ኣብ ተመኩሮና ዘጋጠመ እሞ ዘሳቕየና፡ ምስ ሕቶ ስልጣን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ክቕየስ ኣይግባእን። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ናብ “ናተይ ሓሳብ  ጥራይ ተቐበል ወይ ብኣይ ተመራሕ” ዘየረዳድእ ሃዋህው ክፈጠር ይኽእል።

ክሳብ ሎሚ ብዘተኣማምን ኣገባብ ብሓባር ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ካብ ዝለዓሉ ነጥብታት ሓደ፡ “እምበርዶ ነቲ ዝሓለፍኩሞ መስርሕ ሓድነት ትግምግምዎ ኢኹም?” ዝብል ሕቶ እዩ። ምግምጋም ዝምድናዊ ስለ ዝኾነ፡ ንኹሉ ዘዕግብ ዘይክኸውን ይኽእል። ዘይሩ ዘይሩ ግና ናይቲ ሕቶ መልሲ “እወ ንግምግም”  እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውድባት ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ሂበን ብዘካየድኦ ገምጋም ልዕሊ 20 ሕጽረታት ኣመዝጊበን ከም ዝነበራ ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ብገምጋም ንዝተለለየ ድኽመታት ብቑዕ መፍትሒ ዘይምቕራብ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ብሳላ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮኻ ምምሃር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድ ሰልፍታት ኮነ ውድባት ኤርትራ ዝነበረ ምጽልላም፡ ኣፍልጦ ዘይምውህሃብን ነቲ ተሓታትነት ንካልእ ኣላጊብካ ምህዳምን ኣዝዩ ነኪዩ፡ ዝረአ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ምክብባር ኣተሓሳስባ ንዕዘብ ኣለና።  ካብዚ ሓሊፉ መብዛሕትኡ ብዝበሃል ቀዳምነቱ ኣለልዩ፡ ናይ ሓባር ቃልስና ከትክለሎም ኣብ ዝግብኡ ውሱናት ነጥብታት ዝሰማማዕ ምዃኑ’ውን ውጽኢት  ናይ ምግምጋምና እዩ። እዚ ንኡስ ዝመስል ነጥብታትን ናይ ውሱናት ተበግሶን ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ሓቢርካ ምቅላስ መንጠሪ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ጉዕዞና ኣዝዩ ዘገምታዊ ብምዃኑ ዘዛርብ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሓባር ቃልሲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ዓሚቕ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዝተበጽሐ እዩ። ዘትክለሎም ነጥብታት ከኣ፡ “ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽን ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን” ዘጠቓልሉ እዮም። ፖሓኤ ኣብዞም ነጥብታት ክሰማማዕ እንከሎ፡ ብሚዛኑ ንካለኦት ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን እውን ከሰማምዑ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እምንቶ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ናይ “ሓቢርና ንቃለስ” መጸዋዕታ ከቕርቡ እንከለዉ ዘንጸባቕወን ነጥብታት እውን እዘን ፖሓኤ ኣስፊርወን ዘሎ እየን።

ተበግሶ ፖሓኤ፡ ንምኽፋት መድረኽ ሓቢርካ ምቅላስ እምበር በይኑ ዝዓሞ ኣይኮነን። ካለኦት ጻዕሪ ዘካይዱ  ዘለዉ፡ ሰልፍታት፡ ውድባትን ምጥርናፋትን ደጊፈምዎ ግደኦም ከበርክቱ ዘለዎ ተስፋ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ተስፋ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ዝዛተ ፍሉይ ኣካል ምምዛዙ ከኣ ንዝሰፍሐ ተሳትፎ ዘለዎ ቅሩብነት ዘርኢ እዩ። ኣብ መስርሕ፡ ካለኦት ብዝያዳ ዝሳተፍሉ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ኮነ ኣብቶም ናይ ስራሕ ምክፍፋል ኣካይዱ፡ ጀሚርዎም ዘሎ ክፍልታት፡ ህዝባዊ ውደባ፡ ዲፕሎማሲ፡ መድያን ማሕበራውን ገንዘባውን ዓቕሙ ከማዕብል ድልውነቱ ዕዙዝ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ከምቶም ዘይተዓወቱ ናይ ሓባር መድረኻት ከይዕንቀፍ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ?” ዝብል ሕቶ ይቐርብ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ተመኩሮ ዓብይ መምህር እዩ። እዘን ፖሓኤ ኣቚመን ዘለዋ ውድባት ድማ በቲ ከጋጥመና ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ዝሓለፋ እየን። ስለዚ ነቲ ካብ ተመኩሮአን ዘጥረይኦ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ መሰረት ገይረን “ነቲ ዘየዕወተና ተመኩሮ ኣይክንደግሞን ኢና” ብዝብል እምንቶ ዘንቀልኦ ምዃኑ ሓደ ካብ ውሕስነታቱ እዩ። ግብራዊ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምስ ጀመራ  ብኻለኦት ሓይልታት ኤርትራ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮና፡ ንተበግሶአን  ዘነኣእስ ወይ ዝዕንቅፍ ዘይኮነ፡ እቲ ውሳኒ ውሻጣዊ መስርሑኳ እንተኾነ፡ ዘተባብዕ ድምጽታት ይቃላሕ ምህላዉ ድማ፡ ካልእ ናይ ምዕዋቱ ውሕስነት እዩ። ኣብ ሃገርና ኮነ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራ እውን ክንረሓሓቕ ዘይኮነ ዝኽፈል ከፊልና ክንቀራረብ እዩ ዝድርኽ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ መስርሕ ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ሓቶ ሓድነት ከኣ ውሕስነቱ ብግብራዊ ቃልሲ ዝውሰን እምበር፡ ኣቐዲምካ ብዝእቶ ቃል ጥራይ ዝዕቀብ ኣይኮነን። ኣብ ምዕቃብን ምትግባር ናይቲ ስምምዓት ግደን ተራን ናይቶም ሓባራዊ ጽምዶታት ንኽዓዝዝ ዝጽዕቱ  ግዱሳት ኤርትራውያን ከኣ ዓብዪ ቦታ ዝዋሃቦ እዩ።

ሓድነት ክንድቲ ወሳኒ ናይ ዓወት መሳርሒ ምዃኑ፡ ዋኒን ናይተን ብሓባር ክቃለሳ ዝወሰና ውዳበታት ጥራይ ኣይኮነን። ብዓብይኡ ጉዳይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን እዩ።  ግደ መሰረታት ናይተን ብሓባር ክቃለሳ ዝወሰና ውድባት ድማ ወሳኒ እዩ። ስለዚ ናይተን ኣብ ፖሓኤ ኣጽሊለን ዘለዋ ውድባት ኣባላት ብደረጃ ውድባቶም ኮነ ብድረጃቲ ናይ ሓባር መድረኾም ኣበርክቶኦም ዝያዳ ከዕዝዙ ይግበኦም። ብመንጽርዚ ኣብቲ ብ10  ለካቲት 2024 ዝተኻየደ ናይ ሰለስቲአን ኣባል ፖሓኤ ውድባት መሰረታት ኣኼባ ዝተንጸባረቐ ሓሳባት ሓላፍነታውን ዘተባብዕን ኮይኑ፡ ናህሩ ወሲኹ ቀጻልነቱ ክዕቀብ ዝግበኦ።

Last modified on Tuesday, 20 February 2024 20:49