ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር፡ ብሓባር ምቅላስ፡

2021-05-02 14:50:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1976 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መስርሕ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ቀንዲ ዕላምኡ፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ እዩ። ሕቶ ህዝብና ብዘድምዕን ቀጻልነቱ ብዘተኣማምንን ንምምላስ ከኣ “መሰረታዊ ድሌት ህዝብና እንታይ እዩ”?  ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ  ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ብኹሉ መልከዓቱ ናይ ዘይተረዳእካዮ ሕቶ መልሲ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። ናይዚ ሕቶዚ መባእታዊ መልሲ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ህይወት ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ንምርካቡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ዓሚቕ ምምርማር ዘድልዮን ኣይኮነን። ዝርዝርኳ ዝህልዎ እንተኾነ፡ ብሓጺሩ ግና “ካብ ወጻዒ ኣተሓሳስባን፡  ናይ ወጽዓ ትካላትን ጉጅለ ህግደፍ ምንጋፍ”  እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ወጽዓ ከነናግፎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዕዉታት ምእንቲ ክንከውን ከነማልኦም ብዛዕባ ዝግበኣና ናይ ዓወት ቅደመ-ኩነታት እውን ደጋጊሙ ክነግረናን ክምሕጸነናን ጸኒሑ እዩ። ምሕጽንታኡ ሕጂ’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ ምሕጽንታታቱ፡ “መሰረታዊ ንዘይኮኑ ፍልልያት ኣተዓባቢኹም  ዘይምኽኑይ ውዳበታት ፈጢርኩም ዓቕምኹም ኣይትበትኑ፡ ንፍልልያት ከም ዘለዎ ምውሳዱ ዘይኮነ፡ ንምጽባቡ ጽዓሩን ባህሊ ምክእኣልን እሂንምሂንን ኣማዕብሉ፡ ብቅዋማዊ ኣገባብ ጥራይ ዝፍትሑ መሰረታዊ ፍልልያት  ሃልይኩም ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ወይ ሰልፍታት ካብ ኩንኩም ከኣ ኣብቲ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ዘብጽሕ ጉዕዞ ዘሰማምዓኩም ጨቢጥኩም፡ ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓሊስኩም ስገርዎ” ዝብሉ ይርከዎም።” እዚ ዘረደኣና ከኣ፡ እቲ ህዝብና ዘይደልዮ ውድባት ምብዛሕ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ኮይንካ ተኸኣኢልካ ክትቅጽል ዘይምብቃዕ እዩ።

ብዛዕባ ተኸኣኢልካ ብሓባር ምቅላስ፡ ኣብ ርእሲቲ ህዝብና ወገሐ ጸብሐ ዝምሕጸነናና ዝመኽረናን ምዃኑ፡ ኣብ ናይ ብዙሓት በዚ ንሕና ዘለናዮ ኩነታት ሓሊፎም ዝተዓወቱ ተመኩሮ እውን ስለ እንረኽቦ፡ ከም ሓሳብ ኣብ ምቕባሉን ነዓኡ ዝምልከት ኣብ ምውሳንን ምእዋጅን ጸገም ኣይጸነሓናን። ጸገምና ካብ ጨረሖ ሰጊርና ኣብ ተግባር ዘይምድማዕ እዩ። ብሓባር ተቓሊስና ከነድምዕ ከኣ እቲ ወሳኒ ተግባር እምበር ጭረሖ ኣይኮነን። ካብዚ ንሓቢርና ምስራሕ ብተግባር ዘይኮነ ብጭረሖ ናይ ምንጽብራቕ ዘይውጽኢታዊ መስርሕ ክንወጽእ ግድን እዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ኣብ ኣድላይነት ምጽውዋር፡ ናይ ዝሓለፈ ጸገማት ምጽብጻብ ዘይኮነ ዝያዳ ንቕድሚት ኣብ ምምዕዳው፡ ንዝፈላልየና ዘይኮነ ንዘቀራርበና ዝያዳ ቦታ ምሃብን ምሕብሓብን ንናይ ካለኦት ኣበርክቶ ግቡእ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብን ብቑዓትን ጸዋራትን ክንከውን ይግበኣና። ኣብዚ ጸኒዕና እንተተቓሊስና ንባህጊ ህዝብና ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር ካብ ምዕዋት ዝዓግተና ኣይህሉን።

ካብዚ ሓሊፉ ብስሰዐ ተዋሒጥካ፡ ብናተይ ርኢቶ ጥራይ እዩ ቅኑዕ ተሻቢብካ፡ ንናይ ካለኦት ህዝባውነት፡ ሃገራውነት፡ ልኡላዊ ተገዳስነትን ተበግሶታትን  ደፊንካ፡ ኣብ ባይታ ካብ ዘየለ ክውንነት ነቒልካ ጐብለል ክትከውን ምምናይ፡  ካብ ጭረሖ ሓሊፉ ዘዕውት ምርጫ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ዝሓለፍናዮ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዓመታት፡ ትጽቢትና ኮነ ትጽቢት ህዝብና ብዝምጥን ከም ዘይተዓወትናሉ ኣብ መዛግብትና ዘሎ ሚዛን እዩ። እንተኾነ ከምቲ ገለገለ ዘይወዓልሉ ወገናት ኣምሪሮም ዝረግምዎ፡ “ዋላ ሓንቲ ኣወንታ ዘይተመዝገበሉ መኻን ግዜ ነይሩ” ዝብልዎ ጌርካ ዝድምደሞ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ክቕጽል እሞ ዝሓሸ ዓቕምን ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባን ወኒንና ዘዋጽእ መንገዲ ክንመርጽ ዘኽኣለና እዩ። ዝሓሸ መዋጸኦ ኣለና ኢሎም ናብ መድረኽ ቃልሲ ዝመጹ ሓደስቲ ውዳበታትን ምልዕዓላትን መንጠሪ ክገብርዎ ምኽኣሎም’ውን። ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ክሕቆኑ ዝጸንሑን ካብቲ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝተመኮሩን ሓድነታትን ብሓባር ናይ ምስራሕ ጽላላትን ይዓኩ ምህላዎም እውን እቲ ቃልሲ ብድብድቡ መኻን ከምዘይነበረ ካብ ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ናይ  ኤርትራ ፖለቲካዊ ሓይልታት (ኤፖሓ) ምጥርናፍ ኣበጋግሳን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።  ነዚ ሓቂዚ ጓሲኻ ብፍላይ ኣብቲ ቃልሲ ብተግባር ዘይተፈተንካ ጀማሪ ክንስኻ፡ መድረኽ ኣብ ዘዝረኸብካሉ ምስቲ ክትመሃረሉ ዝግበኣካ ዝሓለፈ መስርሕ  ምርጻም ግና ብዝኾነ ኩርናዕ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ዓመታት ካብ ዝተመዝገቡ ንመጻኢ ቃልሲ መንጠሪ ዝኹኑ ባይታታት ሓደ፡ እቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ናይ ተሓኤ ነበርን ህግሓኤን ነብርን ድሕረ-ባይታታት ቀይሕ መስመር፡ ክስገር ምኽኣሉ እዩ። እዚ በቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልሲ፡ ናይ ምትእምማን ባይታ ምፍጣሩ ዘመልክት እዩ።  ኣብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ መድረኽ እውን ሓጋዚ ቅድመ ተደላይነት እዩ።  እዚ ማለት እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዘዳመየ ፍልልይ ኣናብባ ታሪኽ  ተሓኺኹ ማለት ዘይኮነ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ንዘሎ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ዲሞክራሲ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ዕንቅፋት ብዘይከውን ኣገባብ ተመሓዲሩ ማለት እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ምናልባት ደኣ መጽናዕቲ የድልዮ ይኸውን እምበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብተሓኤ ነበር ወይ ብህግሓኤ ነበር ጥራይ ዝቖመ ኤርትራዊ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ህዝባዊ ምልዕዓል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለዚ እዚ ኩቦዖ ዚዘለለ ለውጢ  ዝያዳ ክድልድል እምበር ፡ ነቲ ብግዜን ተመክሮን ወገኑ ዝሓዘ ፍልልይ ሎሚ ተመሊስና ህይወት ክንሶኽዓሉ ኣይግባእን። ኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝወለዶ ፍልልያትና ንምምሕዳርን ጸጋታትና  ንምምቕራሕን ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ዝሓሸን ዘሳንን ኣገባብ ምርካብ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እሞ ከኣ ዝከኣል ዕማም እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና ኤርትራዊ ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ሻቕሎት ናይ ኩልና እምበር ናይ ውሱናት ኣይኮነን። ዝተፈላለዩ ወገናት ካብዚ ሻቕሎትዚ ነቒሎም ዝተፈላለየ መዋጽኦ ይኸውን ዝብልዎ ሓሳባት ከቕርቡ ባህርያዊ እዩ። እቲ ዝውሰድ ተበግሶ ግና ነቲ ክሳብ ሕጂ ተሃኒጹ ዘሎ ኣውንታ መሊሱ ዘራጉድ እምበር ኣፍሪሱ ክሃንጽ ዝህንጠ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ ኩነታት ብሓደ ወገን ንዝረአ ተበግሶ፡ ናትካ ስለ ዘይኮነ ጥራይ ብማዕዶ ምኹናኑ ቅኑዕ ኣይኮነን። ትሕዝቶኡ ተገንዚብካ መሰልካ ተጠቒምካ መተካእታኻ ኣቕሪብካ ናብ ምትፍናን ብዘይወስድ መልክዕ፡ ነቲ ዝቐርብ ሓሳብ፡ ምቕባሉ ወይ ምንጻጉ ግቡእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ በብመዓልቱ ዝፍጠሩ ኤርትራዊ መዛተዪ መድረኻት ብዙሓት እዮም። ዓቕምን ዕድልን ክርከብ እንከሎ እዞም መድረኻት ኤርትራዊ ዛዕባታት ዝዝተየሎም ብምዃኖም ምክትታሎምን ምስታፎምን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪኡ ክትገዝኦ ናይ እትደልዮ ሓሳብ ናይ ምግዛእ  ነቲ ዘየድልየካ ከኣ ናይ ምንጻግ መሰል ናይቲ ተሳታፊ እዩ። እቲ ሓሳብ ሒዙ ክስመዓሉ ዝዕድም ኣካል ከኣ ሓሳቡ ዓዳጋይ ዝረኽበሉ ኩነታት ካብ ምጥጣሕ ሓሊፉ “ንምንታይ ዘይገዛእኩምለይ?” ብዝብል ናብ ዘየድሊ ኣሉታዊ መደምደምታ ክኸይድ ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ኩነታትዚ ኣብ ዝፍጠረሉ እዩ እምበኣር “ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር፡ ሓቢርካ ምቅላስ፡” ዝዕወት።

Last modified on Sunday, 02 May 2021 16:54