እቲ ክኽሰስ ዝግበኦ ዘራጊ፡ እንክኸስስ!

2021-05-06 08:09:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1695 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐጻሊ ህውከት ካብ ዝሕመሱን ብቑጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ካብ ዝሳቐዩን ከባብታት ሓደ እዩ። ናይዚ ዞባዊ ጸገም ቀንዲ ጠንቂ ብፍላይ ካብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ባሕሪ መዲተራንያንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ሰለ ዘይርሕቕ ናይ ሓያላት መቆራቖሲ ብምዃኑ እዩ። ስለዚ  ዞባና ምስ ኩሉ እስትራተጅያዊ ተበሃግነቱን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታቱን ጌና ካብ ድኽነትን ህውከትን ኣይወጸን።  እንተስ  ብናይ ግዳም ሓይልታት ተላኢኹም ወይ ካብ ዓመጸኛ ባህሪኦም ነቒሎም እዚ ዞባ ከይሃድእ ዝሰርሑ ናይዚ ዞባ ኣካላት እውን ተሓታትነቶም ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናይዚ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘይምርግጋእን ህውከትን መሪሕ  ተዋሳኣይ እዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውዳበታትን ካብቲ ቀንዲ ዕማሞም ሰላምን ህድኣትን ዝፍጠረሉ ኩነታት ምጥጣሕ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ  ካብ ሰላም ዘይርብሑ ዝመስሎም ኣብ ኲናትን ህውከትን ዝሃጥሩ ናይ ኣባል ሃገራት  መራሕትን  ለኣኽቶምን እቲ ዝድለ ርግኣት ክረጋግጹ ኣይከኣሉን። ካብቶም ኣብ ክንዲ በዚ ዞባዊ ውዳበ ዝመጽእ ሰላምን ርግኣትን፡ ምስ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ተሻሪኾም ህውከትን ዕግርግርን ዝመርጹ ናይዚ ከባቢ ባእታታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዘራጊ እዩ። ኢሳያስ ነቶም ዓቢዶም ዘዕብድዎ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ይንእዶምን የመጉሶምን። ነቶም ጉዳያት ብሕግን ስርዓትን ንክተሓዝን  ድሌት ህዝቢ ግቡእ ቦታ ክረክብን ዝመኽሩን ዝግስጹን ከኣ ይጻበኦምን ጸለሎ ይቐብኦምን። ንኣብነት ነቲ ስርዓተ-ኣልቦነት ከተባብዕ ዝጸንሐ መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፕረሲደንት ነበር ዶናልድ ትራንፕ “ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ዘበላሸውዎ ከዕሪ ዝጽዕር” ብዝብል ይንእዶ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ነቲ ንናይ ዶናልድ ትራንፕን ከም  ኢሳያስ ናይ ዝኣመሰለ ሃላልን ኣተሓሳስባ ስዒሩ ስልጣን ተረኪቡ ንሃገሩ ናብ ንቡር ንምምላስን ንከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ መስመር ከትሕዝ  ዝሰርሕ ዘሎ ፕረሲደንት ጆን ባይደን ከኣ ክኸሶን ክራገሞን ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ  ኢሳያስ ክሳብ ክንደይ ኣንጻር ርግኣት ናይዚ ዞባ ተዓጢቑ  ከምዘሎ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡ በቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣንጻሩ ዝቀላቐል ዘሎ ቀጻዒ ምልክታት ሰንቢዱ፡ ኣብ ክስን ወቐሳን ምእታዉ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ስንባደኡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ “ግህሰት ልኡላውነት ሃገራትን ህዝብታትን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ምእታው፡ ምንጋስ መጐት ሓይልን ምጉጣጥን፡ ንካለኦት እናተፋነንካ ምምሕዳር” ብዝብሉ ሓረጋት ክኸስሳ ተዓዚብናዮ ኣለና። ጉጅለ ኢሳያስ በዞም ባዕሉ ዝብሎም ዘሎ  ጥሕሰታትን ኢድ ኣእታውነታትን ዝኽሰስ እምበር ንኻለኦት ከላግበሎም ሞራልን ተቐባልነትን የብሉን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዋላ ሓንቲ ከየድመዐ፡ ኣብ ዋናን ናይ ቀረባ ተሓታትነትን ዘይብሉ ባዶ ዞባዊ ማዕበል ዝሕንብስ ጐብለል ክኸውን  ፈቲኑ ነይሩ። እንተኾነ ብዘይካ  ንሓደ ክልተ ግሩሃት መራሕቲ ሃገራት ካብ ምዕሻው ሓሊፉ ሓሳቡ ዓዳጋይ ኣይረኸበን። ሓሳቡ ዘይምዕዳግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምዚ ዓይነት ዘይሓላፍነታዊ፡ ውዲታውን ዘራግን ተልእኮ ሒዙ ከይገሾም ገጽ ከሊኦም ዝመለስዎ እውን ኣለዉ። እቶም ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም ምኽሩ ተቐቢሎም ዝተንቀሳቐሱ መራሕቲ ሃገራት፡ ሎሚ ኣትየምዎ ዘለዉ ሃለዋት ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ዝወሰድዎ ምርጫ ብግብሪ ኣዕናዊ ምዃኑ ምስተረድኡ፡ ናብ ንቡር ክምለሱኳ ድሌት እንተለዎም፡ ሓደ መዋጽኢ ኢሎም ዝሓዝዎ ካልእ ጸገም እንዳመዘዘሎም፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተሸኺሎም ኣለዉ። ነዊሕ ከይከድና ናይ ኢሳያስ ምህዞን ምኽርን ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊ ምዃኑ  ንምርዳእ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ሶማልያን ምምዛን ጥራይ እኹል እዩ።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገዛእ ርእሱ እውን እቲ ኣጻዊዱ ዝዘርግሖ ናይ ህውከት መጻወድያ ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን። እቲ ዝመረጾ መንገዲ ክሳብ ክንደይ ዘራግን መዘዘኛን ምዃኑ፡ ብፍላይ ነቶም ንዓቕመ-ሄዋንን ኣዳምን ዘይበጽሑ ደቅናን ደቂደቅናን ካብ ኣብያተ-ትምህርትን ጉስነትን ዝግፈፉ ዘለዉ ብሩህ እዩ። ናይቲ ዝተሰከምዎ ዕጥቂ ኣጠቓቕማ ዝምልከት መባእታዊ ትምህርቲ’ኳ  ከይረኸቡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ  ውግእ ተጠቢሶም ይሞቱን ይማረኹን ምህላዎም ከኣ መዓንጣ ከብድኻ ዝቘርጽ እዩ። ጉጅለ ኢሳያስ እቲ ሕሳብ ካብቲ ዝገመቶ ወጻኢ ምስኮኖ ነቲ ገበን ናብ ካለኦት ከላግብ ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ጻዕሪ ከኣ ዝያዳ የገርም።

መራሒ  ህግደፍ ኢሳያስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብተን መርዙ ዝዘረኣለን ሃገራት ኣየድመዐን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ መዘዝ ከም ዘምጸኣሉ፡ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝውሰዶ ዘሎ ስጉምታት ክስቆሮ  ምተገብአ። እንተኾነ ተመሊስካ ጉዳይካ ናይ ምርኣይ ባህሪ ኣይተዓደለን። በቲ ብዝተፈላለዩ  ወገናት ዝቐርቦ  ዘሎ  ናይ “ሰራዊትካ ካብ ውግእ ትግራይ ኣውጽእ” መጠንቀቕታን “ሕብረት ኤውሮጳ ቅድም ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እገዳ ወሲኑ፡ ደሓር ከኣ ንኤርትራ መዲብዎ ዝነበረ  ከባቢ 120 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሰሪዝዎ” ዝብል ዜናታትን ከም ዝረበጾ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ካብዚ ንምህዳም ከኣ ዞባዊ ዛዕባ ኣጐልቢቡ፡ ተኸሳስን ተሓታትን ክነሱል፡ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ክስታት ዘቕርብ ዘሎ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ 30 ዓመታት ናበይ” ብዝብል ብናይ ዜና ማዕከናቱ ዝዘርገሖ ሰልበጣ ናይዚ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እንተኾነ ሎሚስ በቲ ዝለመዶ “ተኸሳሲ ክነስኻ  ተቐዳዲምካ ኽሰስ”  ዝብል ዝኣረገ ስልቱ ሃዲሙ ኣይክድሕንን እዩ።

Last modified on Thursday, 06 May 2021 10:15