ደጊም “ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ” ህግደፍ ኣየዋጽእን

2018-06-09 19:45:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3084 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ከረጋግጾን፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።

መንግስቲ ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላት፡ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕጊን፡ ማሕበራዊ ፍትሒን ርግኣትን ኣብ ኤርትራ ከይረጋገጽ፡ ንኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ከም ረቛሒ ጌሩ ዝህቦ ምስምስ ይዅንን። (ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣብ 2ይ ጉባአ ሰዲህኤርትራ ካብ ዝተወሰነ)

ኣብዚ ከባቢና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ዛዕባታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ናብ ደም ምፍሳስ ዝማዕበለ ፍልልይ እዩ። እቲ ደም ምፍሳስ ብናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ጠጠው ኢሉ። ቀጻልን ዘተኣማምንን ሕጋዊ ፍታሕ ንምምጻእ ከኣ ብመሰረት ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ናብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ተመሪሑ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ እቲ ሃዋህው ናብ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ተቐይሩ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሕጋዊ ህድኣት ኣይተረጋገጸን። እዚ ዘይቅሱን ኩነታት ንብዙሓት ወገናት ክሻቕል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ከምቲ “ንሕማቕ ዘበንሲ በዓል ጋዕሲ ኣለዋ” ዝበሃል፡ በዚ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ዝዕንገሉ ወገናት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ሓደ ካብኣቶም እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከምቲ ኣብ መእተዊ’ዚ ርእሰ-ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ናይ ጉባአኡ ውሳነን፡ ብ7 ሰነ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለኡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓማምን ትርጕም ዘይብሉን ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ይኹን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣካል ናይ’ቶም ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽግራቶም ብልዝብ ክፈትሑ፤ ሰራዊታት ክልቲኡ መንግስታት ናብ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ቦታታት ክምለሱ ዝጽውዑ ዝነበሩ ሃገራውያንን ኣህጕራውያን ሓይልታት ኢና ኔርና።” ኢስፊርዎ ዘሎን፡ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ንክልቲኡ ህዝብታት ብዘርብሕን ቀጻሊ ኩለመዳያዊ ሰላሙ ብዘድምቕን ንክፍታሕ ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን።

እዚ ጉዳይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ናይ ህዝቢ ድፍኢትን እነሆ እንደጋና እዋናዊ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ፈጻሚ ኮሚተ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ “ብምሉእ ተቐቢለ ክትግብሮ እየ” ዝብል መግለጺ ምስ ኣውጸአ ኣዛራራብነት ናይቲ ዛዕባ መሊሱ ጐሊሑ ወጺኡ እነሆ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነናቶም ሚዛን ይህብሉ ኣለዉ። እቲ ትማሊ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ከይተፈትሐ፡ ዝኾነ ነገር ክገብር ከም ዘይክኣለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ተጠሊዑ ዝምሕልን ዝጥሕልን ዝነበረ ጉጀለ ህግደፍ ግና ብዘይካ ወሰነወሰን ምኻድ ናብቲ ጉዳይ ዘቕነዐ ቃሉ ኣይሰማዕናን። ከምቲ ልማዱ ምጽቃጥን ካብ እዋናውነት ምህዳምን ዝመረጸ እዩ ዝመስል።

ሰዲህኤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ብመሰረት ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ክውዳእ ይግበኦ ክብለሉ ዝጸንሐ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘለዎ ዘይወላወል መርገጹ ርዱእ ኮይኑ፡ እዚ ኣተሓሕዛ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶር ንምውጋድን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ይሕግዝ እዩ ካብ ዝብል መሰረታዊ እምነቱ ብምንቃል እዩ። ሕጂ ምስቲ ደሃይ ህግደፍ ምጥፍኡ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ምውዳእ ንናይ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ሓደገኛ ምዃኑ ብምጥቃስ ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ። ናይቲ ምጽቃጡን ጐበጎቦ ምኻዱን ምስጢር እውን እዚ እዩ። ጉዳይ ዶብ ናይ መወዳእታ መልክዑ ምስ ሓዘ፡ እቲ ህግደፍ ተሓላቒ ልኡላውነት ብምምሳል ኣጎልቢብዎ ዝጸንሐ፡ ሕቶታት፡ ቅዋም፡ ሰላም፡ ልሞዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ስደትን ሳዕቤኑን፡ እሱራት፡ … ወዘተ ተቐሊዑ ከም ሕንጉጉ ክበልዖ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ህግደፍ ዘሎ ዕድላት ወይ ሕጂ እውን ገለ ንዘይምትግባር መመሳመሲ ጉድጓድ ምፍጣር ወይ ድማ ኣተግቢርካ ዕድልካ ምርኣይ እዩ ክኸውን።

ብዙሓት ወገናት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣንጻሩ ከይለዓል ኣርዒድዎን ኣደንዚዝዎን ስለ ዝኾነ ዋላ ጉዳይ ዶብ ምስ ተውደአ ካልእ ምስምስ እንተፈጠረ እውን “መኒኻ” ዝብሎ ኣካል ኣይክህሉን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። እንተኾነ ፍርሕን ምጽማምን ደረት ስለ ዘለዎ ንሓይሊ ህዝቢ ኣነኣኢስካ እቲ ጉጅለ ንሓዋሩ ከም ዝደለዮ ክኸውን እዩ ኢልካ ምድምዳም ዝከኣል ኣይኮነን። ሓደ እዋን ህግደፍ ደሓን ኣለኹ እንዳበለ ዝስገረሉ ዕድል ክፉት እዩ። ካብቲ ንህዝቢ ጸጊምዎ ዝጸነሐ ንህግደፍ ምስ ህልውናን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣጣቢቕካ ምርኣይ እዩ። ብግብሪ ፍልልይ ናይቲ ሓላፊ ጉጅለን ነባሪ ልኡላውነት ኤርትራን ኣብ ዝተረደኣሉ ግና ኣንጻርቲ ብኣንጻሩ ንኤርትራን ህዝባባን ሓደገኛ ዝኾነ ጉጅለ ምትንሳኡ ዘይተርፍ እዩ።

ከምቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት እንገልጾ ብዛዕባ ህግደፍ ክንዛረብኳ ባህርያዊ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ክንዛረበሉ ዝገበኣና ጉዳይስ ብዛዕባና እዩ። ንሕናን ህዝብናን ሃገርና ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ኩሉ ሕማቕ ነገራት ኣብነት ከመይ ጌርና ከም እነናግፋ ብህግደፍ ዝትኮበልና ዘይኮነስ ብቓልስና ዝረጋገጽ ከም ዝኾነ ከቶ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Saturday, 09 June 2018 21:53