ከይንምናዕ ንጽናዕ

2017-09-21 18:43:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3337 times

እሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) 8ይ ምዱብ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ ብዙሓት ጉዳያት ዳህሲሱ፡ ኣገደስቲ መድረኻውያን ውሳነታት ከም ዝወሰነ ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺኡ ኣነጺሩ ኣሎ። እዚ  ምዱብ ኣኼባ ባይቶ ዝተኻየደሉ ግዜ ብዙሓት ግዜ ዘይህቡ ውሽጣውን ግዳማውን ምዕባለታት ኣብ ዝተራእይሉ ግዜ እዩ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብ ሰልፊ ካብ ነዊሕ ግዜ ክቕልቀሉን ክሕቆኑን ዝጸንሑ’ሞ በቲ ክግበረሎም ዝጸንሐ ሓላፍነታዊ መሪሕነታዊ ኣተሓሕዛ ከምቲ ዝድለ ዘይሓወዩ ጉዳያት ነይረምዎ። እቲ ቀንዲ ከኣ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክረአ ዝጸንሐ ምዕብልና እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣብቲ ኣኼባ ብኣዝዩ ዓሚቕን ሓላፍነታውን ኣተሓሕዛ  ምስተገምገመ፡ ደጊም ከም መቐጸልታ ናይቲ ብህድኣት ንምእላዩ ብመሪሕነት ክዝውተር ዝጸንሐ ኣተሓሕዛን ጻዕርን ብመሪሕነታዊ  ውሳነታት ተዛዚሙ እዩ።

እዚ ብኣኼባ ባይቶ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ፡ እቲ ቁስሊ መሊኡ ክሓውን ጉዳያት ግቡእ መስርሑ ሒዙ ክቕጽልን ግና ናይ ኩሉ ኣባል ሰልፍን፡ ንልዕልና ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ዝሕለቑ ወገናትን ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ብሩህ እዩ። ሓደ ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ’ሞ ከነዕውቶ ዝግበኣና ዕማም ህጹጽ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እዩ። እዚ ብቐንዱ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ከናዳን ናይ ዘለዉ ኣብ ጐኒ ሰልፋዊ ቅዋሞምን ሕጋዊ ትካላቱን ቀጥ ዝበሉ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከብ ኣካላት ሰልፊ’ውን ምእንቲዚ ክጽዕት ግድን እዩ። ኣብ ጐኒ ቅዋም ሰልፊ ቀጥ ምባልን ሓቀኛ ሓይሊ ሓድነት ምዃንን፡ ዘዘድልየካ ዓንቀጻት እንዳቖንጠርካ ብምጉላህ፡ ነቲ ባህ ዘይብለካ እንዳሰገርካ ሚዛንካ ምዝንባዕ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንብምልኡ እቲ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝጸደቐ ሕጋዊ ሰነድ፡ እንተላይ ነቲ ምስ ውልቃዊ ድሌትካ ዘይቃዶ ዓንቀጻት ኣኽቢርካን ተማእዚዝካን ምቕባል ምልክት ምልክን ተንበርካኽነትን ዘይኮነ፡ ሓደ  ካብቶም  ዲሞክራሲ ዝሰርሓሎም ኣዕኑድ እዩ።

ካብቲ ዝጸናሕናዮ ቀጨውጨው ወጺእና ንቕድሚት ክንስጉም ቅሩበነትናን ተወፋይነትናን መተካእታ ዘይበሉ ኮይኑ፡ ነዚ ዝምጥን ንህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ንቕድሚት ጠማቲ ኣሰራርሓ ምትእትታው ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ኣኼባ ባይቶ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዝእምት ኣቐዲሙ ሽማግለ መዚዙ ከጽነዖ ንዝጸንሐ ሰነድ ኣጽዲቑ፡ ንኣፈጻጽምኡ ዝምልከት ኣካል መዚዙ፡ መተግበሪ ሜላታት ቀይሱ ብስሩዕ ኣገባብ ክከታተሎ ከኣ ወሲኑ ኣሎ። እዚ መስርሕ ምሕዳስ ንውሽጣዊ ሰልፋዊ ሃለዋት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ምስ ካልኦት ውድባት ዘስረሓና ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ናብ ዘኽእል ዘተ ዝእምት እማመና’ውን ሓይልን ጉልበትን ዝህቦ እዩ።

ኩልና ከምዘይንዝገዖ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ካብ ዘሎ ዓንቃፊ ጸገማት፡ እቲ ቀንዲ ፋሕ ዝበለ ኩለ-መዳያዊ ዓቕምና ኣወሃሂድና ኣብቲ ዘሰማምዓና ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተገልጸን ኩልና እናምነሉን እዩ። ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ነዚ ተገንዚቡ ኣቐዲሙ እማመ ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣውጺኡ እዩ። ኣብዚ 8ይ ኣኼባኡ እውን ካብቶም መጸዋዕታ ዝተገብረሎም ወገናት ንዝተረኽበ ግብረ-መልሲ ዘተባብዕ ምዃኑ ምስ መዘነ፡ ካብዚ ንድሕሪ ነዚ ዛዕባዚ ኣብ ዝምልከት ክኽተሎ ዝግበኦ መንገድን ዝጽበዮ ቀጻሊ ርክባትን ዝምልከት ተሊሙ ኣሎ። ገለ ወገናት ንውሻጣዊ ሰልፋዊ ጉዳያት ካብ ምስ ካለኦት ወገናት ሓቢርካ ምስራሕ ነጺሎም ብምርኣይ፡ ኣብቲ ውሽጣዊ ጉዳይና ጥራይ ተኣሲርና ካብ ጉዳይ ሓድነት ውድባት ክንበኩር ዘይቅዱስ ነቐፈታ ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ ዝያዳ ኣቓልቦ ሂብካ ምውጋን ውሽጣዊ ጉዳያትን ንሓባራዊ ስራሕ ቆላሕታ ምሃብን ነናይ ገዛእ ርእሶም ባህሪ ዘለዎም፡ ዝጸላለዉን ሓቢሮም ዝዕመሙን እዮም። እቲ ውሽጣዊ ሓድነት ንምድልዳል ዝግበር ቃልሲ ነቲ ምስ ካለኦት እትሰርሖ ዘሕይሎ እምበር፡ ዝጻበኦ ኣይኮነን። እቲ ሓባራዊ ስራሕ እውን ነቲ ውሽጣዊ ሓድነት ከምኡ። ሰለ’ዚ ከምቲ ኣብቲ መግለጺ ባይቶ ተጠቒሱ ዘሎ ኣካላት ደንበ ተቕውሞና ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተበታቲንካ ናይ ምውፋር ኣሉታዊ ተመኩሮ ተማሂርና ብሓባር ንምስራሕ ክንግደሰሉ ይግበኣና።

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ዕድመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ መደብ ሰሪዑ፡ ነዚ ንምትግባር ይሕግዘኒ ዝበሎ ኢደወነናዊ ስጉምትታት ይወስድ ምህላዉ ንልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ጥራይ ዘይኮነ ንህልውናኦም’ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣኼባ ባይቶ ዝመዘኖ ካልእ ዕዙዝ ጉዳይ እዩ። ነዚ ከይሲ መደባቱ ንምዕዋት ንምድኻምን ምፍራስን ሓይሊ ተቓውሞ ከም ዝጽዕትን ነዚ ንምትግባር ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ከዋፍርን ከኣ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ህግደፍ ናይ ምዕጋት ሓላፍነት ናብ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ዘገድሶ ኣካል ሓላፍነት እዩ። ኣኼባ ባይቶ “ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!” ዝብል ጭረሖ ከጉልሕ እንከሎ ከኣ ሓቢርካ ምስራሕ ድሕነት ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ እጃም ንምብራኽ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብዚ ሓቢርካ ምስራሕ ወሳኒ  ዝኾነሉ ግዜ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ስምዒት ቅድሚት ሰሪዕካ ቀይዲበተኻዊ መንገዲ ምምራጽ ክሳብ ክንደይ ግዳይ ህግደፍ ንምዃን ዘቃልዕ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦን እዩ። ካብዚ ንምድሓን ከኣ “ከይንምናዕ ንጽናዕ።”

Last modified on Thursday, 21 September 2017 20:48