ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ ቃልሲ

2017-08-31 20:15:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2829 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

እቲ ነዊሕ ተጓዒዙ ቀዳማይ ዕማሙ ነጻነት ዘረጋገጸን ጌና ሕጂ እውን ቀጻሊ ዕማሙ ንምርግጋጽ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ካብ ዝጅመር እነሆ መበል 56 ዓመት ኣብ ምዝካር በጺሕና። ቃልስና ክጅምር እንከሎ ዝነበሮ ዕማምን ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ስለ ዘየሳኒ’ኳ ቅር ዘብል እንተኾነ፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ነጻነት፡ ቀጻሊ ዓወት ንምምዝጋብ መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንካ እንኳዕ ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ምብህሃል ዘምሕረልና እምበር ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ስለዚ እንኳዕ ናብ መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ ቃልሲ ኣብጸሓኩም ንብል።

እዚ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልስና ነዊሕ ተጓዒዙ፡ ብዙሕ ማሕለኻታት ሰጊሩን ክቡር ዋጋ ከፊሉን ኣብ ነጽነት ዝበጸሐ ስለ ዝኾነ፡ ብብዙሕ መሰጥቲ ሓረጋት ዝነኣድ እዩ እሞ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ኣኽኢሉ፡ ንብዙሓት ምእንቲ ነጻነትን መሰልን ዝቃለሱ ወገናት ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ተመኩሮ ነይሩን እዩን” እንተበልናዮ ተዘይንኢስዎ ኣይዓብዮን እዩ። ነቲ ቃልሲ ዘይከኣል ዘምስሎ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ዓይነትን ዓቐንን ዘይምምጥጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝነበሮ ተፈልጥነትን ተቐባልነትን ድሩት እዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ንቕሎ ቅኑዕን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል፡ ኩሉቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ሕጽረታት ብኤርትራዊ ኒሕን ጽንዓትን ተመክቱ ብዓወት ከኣ ተደምዲሙ።

እዚ ቅድሚ 56 ዓመታት ዝጀመረ ገድሊ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝቕጽል ዘሎ ዘይዛረየ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ኣይኮነን ኣውሒሱ። ምትራር ኤርትራዊ ሃገርንትን ሓድነትን ከምኡ እውን ህዝባዊ ሓድነትን ምክብባርን ውጽኢት ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልሲ እዮም። ስለዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ናይቲ ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ቃልሲ “ናጽነት እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡ መስዋእቲ ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተኸፍለሉ ኩለ መዳያዊ ዓሚቝን ረቂቕን ትርጉም ዘለዎ መስተንክር ቅያ እዩ። እቲ ጉዕዙ ብግዳማውን ውሽጣውን ቅልውላዋትን ነውጽታትን ክሓልፍ ዝጸንሐ መረርቲ ምዕራፍት ዝነበርዎ ምዃኑ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ናይቲ ምረት ሃፈጽታ ሕጂ’ውን መሊኡ ዘይሓወየ በሰላ ስለ ዝኾነ።

“ነጻነት ኤርትራ መንዩ ኣምጺእዎ?” ዝብል ሕቶ መልሱ “መላእ ህዝቢኤርትራ’ዩ” ዝብል ክነሱ፡ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ እንተኽኢሎም ናቶም ጥራይ ክገብርዎ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ሰብ ፍሉይ እጃም ምንባርም ንምርኣይ ዝደናደኑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ንቕድሚት ምምዕዳው ስኢኖም፡ የማነጸጋም ቀልባዕባዕ ዝብሉን ንጉዕዞ ቃልሲ ነጻነትን ተዋሳእቱን ከራኽሱ ውጥም ቅልቅል ዝብሉን ወገናት’ውን ንዕዘብ ኣለና። ኣብዚ ታሪኽ ጠምዚዝካ ናይ ምዕማጽ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ከይሓተትካዮ ባዕሉ ዝምልስ እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝያዳ ንምብርሁ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ’ቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብህግደፍ ተጠሊሙ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ምስ ተጠለመ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ብዝወለዖ ባሕቲ ቃልሲ ዝተዓወተ፡ ሎሚ እውን ኩሉ ዝተገፈ መሰላቱ ንምምላስ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ የብሉን። ከምኡ ከኣ ይገብር ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ዝጀምርናዮ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነትን ኩሉ መሰላትን ከነሕይል ቃል ንኣትወሉ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ነቲ “ከይረገምካዮ ዝተረግመ” ጉጅለ ህግደፍ መመሊስካ ምርጋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩልና ኣብቲ ንብህጎ ለውጢ ረብሓ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነነብስና መርሚርና ንቕድሚት እንዳማዕደና ንቃልሲ ቃል ንኣትወሉ እምበር፡ ንድሕሪት እንዳተመለስና፡ ብዝሓለፈ ነስተንትነሉን ንካሰሰሉን ክኸውን ኣይግበኦን።

ዓመት፡ መጸት ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ ቃልሲ ክንዝክር እንከለና ኣብ ክሊ በብዓይነቶም ምዕብልናታት ኮይና ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረቱ ኣብ ደንበ ህግደፍ ኮነ ኣብ ደንበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ ናይ ዓሚ ክወዳደር እንከሎ መሰረታዊ ለውጢ የብሉን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ጭቆና ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ንሕና ደለይቲ ለውጢ እውን ዝሓዝናዮ ዕማምን ኣቕጣጫን ህዝባዊ፡ ወድዓውን ርትዓውን ክነሱ፡ ብሰንኪ ጉዳይና ብግቡእ ከነመሓደርን ፋሕ ዝበለ ዓቕምና ክንእክብን ዘይምብቃዕና ብመንጽር ትጽቢትና ንቕድሚት ክንስጉም ኣብ ዘይክኣልናሉ ህሞት ኢና ዘለና። ነዚ  ንዝክሮ ዘለና ኣጋጣሚ ከኣ ካብ ደውታ ንምውጻእ ከም መንጠሪ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓቢርካ ንምስራሕ መዋጸኦ ይኸውን ዝበሎ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብዚ መዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣውጺኡ ኣሎ። ናይ ክሳብ ሕጂ ነቲ እማመ ዝትዋህበ ግብረመልሲ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ኣብ ውጽኢት ንክበጽሕ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ሓቢርካ ስራሕ ከም ዘድልዮ ዘመልክት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ሰዲህኤ ምስ ኩሎም ኣሓት ውድባት ኮይኑ ኣብ ውጽኢት ክሳብ ዝበጽሕ እጃሙ ከበርክት ምዃኑ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃል ይኣቱ።

ክብሪ ንባሕቲ መስከረምን ሰማእታት ኤርትራ

1 መስከረም 2017

Last modified on Thursday, 31 August 2017 22:23