ሓደራ፡ ንሓድነት ህዝብን ሃገርን

2017-09-29 09:01:51 Written by  ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3098 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ከነልዕል እንከለና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ በደል “ኢዚ ይሓይሽ” ዘይትብለሉ ኣዝዩ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ሕማቕ ኩነታት እዩ። እዚ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ግዳይ ንኸውን ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ መድረኻትን ኣደባባያትን ዓለም እውን ኣሻቓልን ኣዛራብን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኤርትራ ኣብ ሐሕማቑ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ ከኣ የሕዝን። ናብቲ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ሕማቕ ኩነታት ቀይሩ ብዝሓሽ ንምትካእ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ደንበ እንተመጻእና እውን ዘየሻቕል ኣይኮነን። እዚ ደንበ’ዚ ኣይኮነንዶ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ናይ ጭቆና መሳርዑን ተጽዕኖ ክፈጥርን ከድምዕን ንገዛእ ርእሱ ግቡእ ተቓዋሚ መልክዕ ክሕዝ ዘይከኣለን ኣብ ሰንከልከል ዘሎ እዩ። ናብ ብቕዓት ንምምጻእ ካብ ምጽዓት ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ክሳብ ሕጂ ስለ ዘየድመዐ ንመጻኢ’ውን ኣይከድምዕን እዩ ኢልካ ምድምዳም ግና ናይ ተቓለስቲ ቋንቋ ክኸውን የብሉን። እቲ ጻዕርን ቃልስን ከኣ ሕጂ’ውን ክቕጽል እዩ።

እዚ ኩነታት ኣብ ኤርትራውያን ሻቕሎት ካብ ዘሕድር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ምሽቓል ሓሊፎም ኤርትራውያን ካብዚ ዘለናዮ ዘይስጉም ኩነታት ኣብ ምውጻእ ይሕግዝ’ዩ ዝበልዎ መፍትሒ ሃሰው ካብ ምባል እውን ዓዲ ኣይወዓሉን። ገሊኦም ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኮይኖም እቲ ውዳበታት ዝፈላልይዎ ኣወንዚፉ ኣብቲ ዘሰማምዕዎ ኣትኪሉን ቀዳምነት ሂቡን ክሰርሓሉ ዝኽእል ኩነታት ንምፍጣር ሃሰው ይብሉ ኣለዉ። እንተኾነ ካብቲ ከም ሓቢርካ መቃለሲ ዝቐርብ እማመታት ኣብ ሓዲኡ ንምርዓም ዘብጽሕ ምትእምማን ስለ ዘይበጽሑ ክሳብ ሕጂ ኣየድመዐን። እቲ ፈተነ ግና በቲ ክሳብ ሕጂ ዘይምዕዋት ከይተኾልፈ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ይቕጽል ኣሎ። ወጽዓ ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ ክኸውን ከኣ ናይ ግድን እዩ። ድሕሪ ምውዳቕን ምትንሳእን ቀጥ ኢልካ ምቛም ከም ዝመጽእ ከኣ ናይ ግድን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ዝረአ ዘሎ ዘይምኽኑይ ምድንጓያት ኣሉታዊ ሳዕቤን የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ካብዚ ሓሊፎም ንዓኣቶም ንሱ ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም፡ ንፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከም ሕሱም እንዳነቐፉን ህላወአን እንዳኸሓዱን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊአን ዘሕደርዎ ጽልኢ ነቲ “ብዘይውዳበ ሓይሊ የለን” ዝብል ዘንጊዕም ክሳብ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ናብ ምባል ተገማጊሞም ብዘይ ውዳበ ንተኣኻኸብ ኣብ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። እቲ ዝጠልብዎ ዘለዉ ምትእኽኻብ ንገዛእ ርእሱ ውዳበ ምዃኑ ብዘይምስትብሃል። ንዝኾነ ኣካል ኣገባብ  ውዳበን ቃልስን ዝመርጸሉ  ባዕሉ’ምበር ካልእ ኣይኮነን ዝብል’ኳ ብዓይኒ መሰል ምውዳብን ሓሳባካ ምግላጽን እንተዘይተጻረርናዮ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ግና ኣለዉ። ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ንጭነቕን ንቃለስን ስለ ዘለና፡ ከም መማረጺ ኮንደኾን ለውጢ የምጽእ ኢልና እንሕዞ መንገዲ ነቲ ናይ ኩሉ ዓቕምናን ህልውናናን መሰረት ዝኾነ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ  ክንህድዶ ዘይኮነስ ኣጽኒዕና ክንሕዞ ንምርጫ ዝቐርብ ዘይኮነስ ግድነት እዩ።

ንኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ዓዘቕቲ ከውጸኣ ዝቐርብ ሓሳብ፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህለለ ዓወትን ህልውነኣን ዝያዳ ዝድርዕ እምበር፡ ተመሊሱ ንቑልቁል ዝነቁትን ነካይዶ ንዘለና ቃልሲ መሊሱ ዝሓላልኽን ክኸውን ይግባእን። ኤርትራ ቅድሚ ኩሉ ብኩለ-መዳያዊ ብዝሑነታ ዝወቀበትን ሳላኡ ህልውነኣ ዘረጋገጽትን ሃገር እያ። ናይ ክሳብ ሕጂ ዓወታ ከኣ ውጽኢት ውህደት ናይዚ ብዙሕነታ እዩ። ሎሚ ኣብኣ ዘሎ ሕሰምን ንመጻኢ እንጽበዮ ራህዋን ንኹልና ደቃ ብማዕረ ዝብጸሓና እዩ። እቲ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ደቃ ወሪዱ ዘሎ ብምዃኑ፡ እቲ ራህዋ ከኣ ብናይ ኩሎም ደቃ ጻዕሪ፡ ረብሓ ኩሎም ብዘንጸባርቕ ቃልሲ እዩ ዝረጋገጽ። ዝተወሰና ካብ ህዝባ ሸሊግና እንኸዶ መንገዲ ብቓጥታ ንሓድነታ ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ ከነስተብህል ይግበኣና። ሓደ ኣካል ካብዚ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክወጽእ ክህቅን እንከሎ ከኣ ንዓኡ ኢና ናብቲ ግቡእ መስመር ንክምለስ፡ ክንምዕዶን ክንሕግዞን ዝገበኣና እምበር ሕነ መፍዳይ ብዝመስል መልክዕ ካልእ ናይ ንበይነይ ኣቕጣጫ መሪጽና ከነሰንዮ ኣይግበኣናን። ኣብዚ እዋንዚ ካብ “ኣግእዝያን” ጀሚርካ ክሳብ “መዝሙር ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን” ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣካላት ከኣ ምርጨኦም ብመንጽርዚ ክቓንይዎ ነዘኻኽሮም። ኮታ ካብ “ከኸስብ’የ በሃላይ ከሳሪ” ምዃን ክዕቀቡ ከም ዝግበኦም ኣብ ርእሲ ልቦም ክንውስኸሎም ንደሊ። ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣየድመዐን እትብሎ መንገዲ ክትሃድም ክትብል፡ ናብ ካብኡ ዝያዳ ዝኸፈአ ሰልሚ ከይትሽከል ምጥንቃቕ ውሕልነት እዩ። እቲ ህቡብ ኤርትራዊ ደራፊ ነፍሰሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ ምስትብሃል እዋኑ እዩ።

ካብዚ መንገዲ’ዚ እንተወጺእና ካብ ዘጋጥሙ ጸገማት ሓደ ሓድነትና ምድኻም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ክብሎ ዝደሊ ናይ ምባል ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ እዋን “ወጊድ ንዝፈላልየኒ” ከም ዝብል ከኣ ዘይምዝንጋዕ። ሓድነትና ምድኻሙ ናይ ለውጢ ዓቕምና መሊሱ ዘልምስን ግዳይ ናይቲ እንቃለሶ ዘለና ብምድኻምና ዝዓኩኽ ስርዓት ኢና እንኸውን። ዝጨራሕና እንተጨራሕና ከኣ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ብዘይካ ብመንገዲ ምውጋድ ህግደፍ ካልእ መንገዲ የለን። ስለዚ እንሕዞ መንገዲ ኣብ ውሽጡ ንምውዳቕ ህግደፍ ዝዕንቅፍ ኣበር ከይህልዎ ብኹሉ ኣቕጣጫ ክንመምዮ ይግበኣና።

Last modified on Friday, 29 September 2017 11:06