እቲ እማመ ምእንቲ ክዕወት

2017-06-10 22:54:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4038 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ” ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ እማመ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ መሪሕነት ሰልፊ በብግዜኡ ካብ ኣባላቱን ዝተፈላለዩ ወገናትን ክቐርብ ዝጸንሐ ለበዋታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ክሓስበሉን ከጽነዖን ዝጸንሐ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን በቲ ሓደ ወገን ስርዓት ህግደፍ ኣርዑት ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ዘትረረሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ተቓውሞ ብናይ ሓባር ቃልሲ ከናግፍዎ ጻዋዒቱ መመሊሱ ዘስመዓሉ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ተቓውሞና’ውን በበይኑ ቀያርን ተካእን ሓይሊ ክኸውን ከምዘይክእል ተገንዚቡ ከብቅዕ፡ ዓቕሙ ኣወሃሂዱን ሰፊሕ ጽላል ፈጢሩን ብሓባር ክሰርሕ ኣብ ዘይበቐዓሉ መድረኽ ኢና እንርከብ። ብመንጽር እዚ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ሰዲህኤ እዋኑ ሓልዩ ዝመጸ እዩ ምባል ካብ መስመር ሓቂ ዝወጸ ኣይኮነን።

ናይዚ እማመ ትሕዝቶ ማእከሉ .ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን” ኮይኑ ኣብ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘትከለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ማእከሎም “ ምቛም ህዝባዊ ስርሓት ዝከተተልን ዘካይድን ኣካል” ዝብል ሓሳብ ዝማእከሎም ብሓባር ዝስረሓሎም ኣገደስቲ መዳያት እውን ኣለልዩ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ እማመ ክሳብ ሕጂ ዝተፈተኑ ናይ ሓባር ጽላላት ከምቲ ትጽቢትና ስለ ዘይተዓወቱ እንኹንኖም ዘይኮኑስ ክንመሃረሎም ዝግበኣና ምዃኖም ኣነጺሩ ኣሎ። እዞም ሰዲህኤ ኣብ እማመኡ ጠቒስዎም ዘሎ ነጥብታት፡ ዝተፈላለዩ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከቃልሕዎም ምስ ዝጸንሑ ናይ “ሓቢርና ንስራሕ” ጭርሖታት ዝመሳሰሉ ስለ ዝኾኑ እቲ እማመ ባይታን እዋናውነትን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ሰልፍና ነዚ እማመዚ ከውጽእ እንከሎ ናይ ቅድሚ ሕጂ ድኸምታት ኣብ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ዳህሲሱ ክኸውን እንከሎ ንገዛእ ርእሱ ካብዚ ድኽመት ብምግላል ኣይኮነን። ብኻልእ ወገን ነዚ እማመ እዚ ከቕርብ እንከሎ ኣብ ምምዕባሉን ምንጻሩን ብመትከል እንካን ሃባን ናይ ዘተን እሂንምሂንን ኣፍደገኡ ብምኽፋት እምበር ናተይ ጥራይ ተቐበሉለይ ብዝብል ዓጋቲ መንፈስ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ እዞም ብሓባር ክንሰርሕ ንጥለብ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነናትና ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለና። መደብ ዕዮታትና ናብ ቅድምን ድሕርን ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝዓለሙ እዮም። እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ከኣ ኣብ ክንዲ በቲ ሓደ ወገን  ዘመሳስለናን ዝፈላልየናን ካብ ምድውዋስ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ በበይኑ ስፍሓትን ዕምቆትን ዘለዎ ምዕራፋት ምድብላቕ፡ ብንጹር ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብቲ ውሱን ዘሰማምዓና ነጥብታት ተጊህካ ምስራሕ እዩ።

እቲ ካልእ መልእኽቲ ናይዚ እማመ ክሳብ ሕጂ ተጀሚሮም ኣብ መስርሕ ዘለዉ ንኡሳን ውዳበታትን ተበግሶታትን ነቲ ዝሰፈሐ ጽላል ብዘይጻባእ፡ ከም ዘለዉዎ ኮይኖም ንዓኣቶምን ኣብኣቶም ንዘየለዉን ዝሓቁፍ ዝሰፈሐ ጽላል ምፍጣር እዩ። ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዓይነት እማመ ከቕርብ እንከሎ እንታይ ሓድሽ ነገር ሒዙ ስለ ዝመጸ እዩ? ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት ወገናት ከኣ ነዚ ነናቶም መልሲ ክህልዎም ይኽእል። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ፡ ናብ  ቅድሚ ሕጂ ምስኣተን ዘይሰርሐ ሓደስቲ ውድባትን ሰልፍታትን እማመ የቕርብ ከም ዘየለ ይርዳእ። ኣብቲ እማመ ጠቒስዎም ዘሎ ነጥብታት’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቻርተራትን መሰል ናይ ሓባር ሰነዳትን ዘይተጠቕሱ ከምዘይኮኑ ይግንዘብ። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ሎሚ ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ተማሂርካ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ከተጥሪ ከኣ ዘይተርፍ መስርሕ እዩ። ስለዚ ሓድሽ እንብሎ እቲ ኣብ ኩልና ተፈጢሩ ክህሉ ተስፋ እነንብረሉ፡ ጸዋር፡ ሓላዪ፡ ሓላፍነታውን ርትዓውን ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ሓቢርካ ምስራሕን ዘይምስራሕን ብመንጽር ሃገርና ኮነ ደንበ ተቓውሞና ናይ ምሕያልን ምድካምን ዘይኮነ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ።

እማመ ስሙ ከም ዝሕብሮ ኣብ መስርሕ ዘተ ናብ ናይ ሓባር መሰማምዒ ተረድኦ ዝምዕብል ኣፈናዊ ተበግሶ እዩ። ስለ ዝተኣመመ ጥራይ ይዕወት ማለት እውን ኣይኮነን። ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ጻዕርን ቅሩብነትን የድልዮ እዩ። ብመንጽር እዚ መንፈስን ትሕዝቶን ናይዚ እማመ ናብቶም ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ብግቡእ ከም ዝበጽሕ ኣብ ምግባር ኣካላት ሰዲህኤ ዓብይ ዕዮን ወፍርን ይጽበዮም ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዕዞ ናብ ናይ ሓባር ጽላል ምብጻሕ ካብ ኮነ፡ ነዚ እማመ ናብ ርትዓዊ መረዳድኢ ሰነድ ንምምዕባሉ ካልኦት ውድባትን ሰልፍታትን እውን፡ ውልቀሰባት ወይ ውድባት ዘይኮነ “ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ይቕናዕ” ከም ማእከላይ ነጥቢ ወሲዶም ክዓምዎ ዝግበኦም  ዕማም ኣሎ ዝብል እምነት ኣለና::

Last modified on Sunday, 11 June 2017 00:57