ስዉኣት ኣብ ልብና ሕዙእ ቦታ ኣለዎም

2017-06-19 14:34:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3412 times

ወትሩ 20 ሰነ ህዝቢ ኤርትራ ምእንትኡ ኢሎም በጃ ዝሓለፉ ስውኣት ዝዝክረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ በዚ ሕጂ ንኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዝተወሰነት ኮይና 1 ታሕሳስ ዝኽሪ ህልቂት ዖና እውን ከም መዓልቲ ስዉኣት እንዝክራ እያ። ስዉኣት ከምቲ ንገዛእ ርእሶም ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃን ብዙሓት ክኾኑ ዝተወፈይዎ በብመዓልቱ እንተዝዝከሩ እውን ኣይመበዝሖምን። ዕላዊ መልክዕ ንምትሓዙ ፍሉይ ወግዓዊ ዕለት ክህልዎም ከኣ ቅቡል እዩ። ስዉኣት ዝዝከርሉ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ ንህልዋት ዝገደፍዎ ሕድሮም ምእንቲ ከይርሳዕ።

ስዉኣት ናይ ወለዶምን ቀረባ ቤተሰቦምን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ናይ ኩሉ’ቲ ሳልኦም ኣብ ነጻ ኤርትራ ኣትሪሩ ክረግጽን ዓው ኢሉ ክዛረብን በጃ ዝሓለፍሉ ህዝቢ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾኑ እዮም ከኣ ኣብ ልቢ ኩሉ ደላይ ሰላም፡ ልምዓትን ፍትሕን ወርትግ ፍሉይ ቦታ ዝህልዎም። ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብመንጽር ሕድሮምከ ከመይ ኣሎ? ተተግቢሩዶ ተጠሉሙ? ዝብሉ ሕቶታት ከኣ ኣብዚ ኣጋጣሚ ክሕሰበሎም ዝግበኦም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምሉእ ብምሉእ ከይተገላገለ’ውን፡ ኣባይ ሕጊ ንምጽዓድ “ዝባን ስዉኣት” ኢሉ ክግዝዝ እንከሎ ፈለከት ዝብል ኣይነበረን። እዚ ሓደ ካብ መርኣያታት ንስዉኣቱ ዝህቦ ክብሪ ነይሩን ኣሎን።

እቲ ኣብዚ ዕለት ነዞም ስዉኣት ምዝካር ንቡር ኮይኑ፡ ንዝኽሮም መምስቲ ዘለናሉ ኩነታት ኣሳኒና ክንርእዮ ከኣ ግድነት እዩ። ሕድሮም ምኽባር፡ ደጋጊምካ ወርቃዊ ጭረሖ ብምቅላሕን ዘተክዝ ደርፊ ብምስማዕን ኣይኮነን ዝግለጽ። ሕድሮም ሽምዓ ብምብራህ፡ ኣግራብ ብምትካልን፡ ግኡዝ መዘከርታ ብምድኳንን ጥራይ እውን ኣይኮነን ዝረጋገጽ። ኩሎም እዚኣቶም መመላእታት እዮም። እቲ ቀንዲ ንሳቶም ክዝከርሉ ዝግባእ ሕድሮም ኣብ ሓፈሻዊ ህይወትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ ክንጸባረቕ እንከሎ እዩ። ዘየቕስኖም እንዳሰራሕካ “ስዉኣትና ቅሰኑ” ምባል ግና ዘቕስኖም ዘይኮነስ ብመስዋእትነቶም ዘሽካዕልልን መመሊሱ ዘቑስሎምን እዩ። እሞ ሎሚ ሕድሪ ስዉኣትና ብመንጽር’ቲ መሰረታዊ ሕመረቱ፡ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ። ኣብ ዘቕስኖምዶ ኣብ ዘሻቕሎም ከኣ እቲ ኩነታት’ኳ ባዕሉ ዝዛረብ እንተኾነ ምርኣዩ ኣገደሲ እዩ።

እቲ ንሳቶም ክቡር ዋጋ ዝኸፈልሉ፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ምኽባር ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ የለን። ተማሂሮም ንወለዶም ተኪኦም ሃገር ክመርሑን ከልምዑን ዝግበኦም ደቂ ስዉኣት፡ ኣብ ክንዲ ብመስዋእቲ ወለዶም ዝሕበኑ፡ ብኣኡ እንዳማረሩ፡ ኣብ ናብራ ስደት ከርፋሕ ህይወት ኣብ ዘሕልፍሉ ወይ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ኣብ  ምድረበዳን ባሕርን  ዝሃልቅሉ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘለና። ንኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ኣብቲ ስዉኣት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ዝተዘክርሉ ኣጋጣሚ  20 ሰነ  1991 “ደጊም ብዉድባት ሓሸውየ የለን” ኢሉ ኤርትራ ብድሌትን ውሳነን ናይቲ ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ዘይኮነስ ብትዕቢት ውሱን ጉጅለ ከም እትምራሕ ነጋሪት ምልኪ ምድሳቑ ሕድሪ ስዉኣት ናይ ምጥላሙ ምልክት ነይሩ። እነሆ ከኣ ብኣኡ ቀጺሉ። ስዉኣት ከኣ ኣብ ክንዲ ዝቐስኑ መመሊሶም ይቖስሉ ኣለዉ።

ስዉኣት ኤርትራ ናይቲ ዝተሰውእሉ ውድብ ወይ’ውን መንግስቲ ዘይኮኑ ናይ ህዝቢ እዮም። ናብ መስዋእቲ ዝወፈሩ ካብ ህዝቢ እዮም፡ ዝተሰዉኡ’ውን ምእንቲ ህዝቢ እዮም። ምዝካሮምን ሕድሮም ምኽባርን እውን፡ ግደ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል’ኳ ዘይስገር እንተኾነ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት እዩ። ህዝቢ ንጉጅለ ህግደፍ “መንገድኻ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን” ክብሎ እንከሎ ሕድሪ ስዉኣት ኣየኽበርካን ይብሎ ኣሎ ማለት እዩ። ነዚ ክቕጽሎ ከኣ ዘይጥለም ሕድሪ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እቶም ረቂቕ ሕድሮምን ለበዋኦምን እምበር ብኣካል ዘየለዉ ስዉኣት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብን ካብ ብሱል ጥረ ሰንኪሎም ዝተረፉ ሓርበኛታትን ዝኽተሎ ኣገባብ ክሳብ ክንደይ ጨካን ምዃኑ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተዘርበሉን እዩ። ብ11 ሓምለ 1994 ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ማይ ሓባር ዝተወስደ ጨካን ስጉምቲ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ ህግደፍ ንዋጋ ስዉኣት ክብሪ ምንፋጉን ቃሎም ምዕባሩን፡ ዝተደናጋሩን  ኣብ ክብሪ ሰማእትነት ኤርትራውያን ዝጠራጠሩን ወገናት ክቀላቐሉ ንዕዘብ ኣለና። ንመስዋእቶምን ዝተሰውእሉ ዕላማን ዝፈታተን ኣተሓሳስባ። ነቲ ዕላማ ሽፍትነት ነቲ ሰማእትነት ድማ ተራ ሞት ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ስዉኣት ወጊድ ክበሃል ዝግበኦ ዝንባለ እዩ።

እምበኣር ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ እንተ ብምንጻጉ ወይ ብምኽባሩ ምስ ሕድሪ ሰማእታት ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ግቡእ መልክዕ ናይ ምትሓዙ ዋኒን ከኣ ንጉጅለ ህግደፍ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ዋኒን ኩልና ደለይቲ ለውጥን በሃግቲ ፍትሕን እዩ። ብመንጽር እዚ ነቲ ኣዳዕዲዑ ሕድሮም ዝጠለመ ወጻዒ ኣካል ገዲፍና ሕድሪ ስዉኣትና ንዘይምዝንጋዕ ቃልና ነሕድስ።

Last modified on Monday, 19 June 2017 16:49