ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ይቕናዕ

2017-06-08 19:05:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2833 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዋኑ ኣብ ዝሰሓተ ውድድር ተኣሊኽና፡ ነቲ ቀንዲ ዕማም ዘመንና ዝኾነ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ዝግብኦ ትዅረትን ክብርን ከሊእናዮ ኢና። በዚ ዘየድማዒ ቀዳምነታት ዘመሳቕል፡ ዓቕምና ኣብ ካልኣዊ ጉዳያት ዘህልኽ ኣገባብ ኣቀላልሳ እንተቐጺልና ዕድመ መለኽቲ ክነውሕ ስቅያት ህዝብና ድማ መመሊሱ ክውስኽ እዩ። በዚ ምኽንያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓባራዊ ዕማም ዘደንፍዕ ንኹሉ ዓቕምና ኣብ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ዝሰርዕ ተበግሶ ክውሰድ ህጹጽ እዋንና ዝጠልቦ ዘሎ ጠለብ ምዃኑ ይርኢ ኣሎ።

ንታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምልስ ኢልና እንተርእናዮ ብመንፈስ ውድድር ዝቖሰለ መደባትን ምትእኽኻባትን ኢና እንርኢ። ውድድር ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራ፡ ውድድር ኣብ ሲቪክ ማሕበራት፡ ውድድር ኣብ ህዝባዊ ተበግሶታት፡ ውድድር ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ውድድር ኣብ ስርርዕ ደቂ ኣንስትዮ ወዘተ።  ኩሉ መንፈስና ኣብ ውድድር ተጸሚዱ ሓባራዊ ስራሕና ምስ ቆሰለ፡ ዕማም ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ተዓንቂፉ ዓቕምና ኣብ ካልኣዊ ጉዳያት ሃሊኹ እዩ። ጌና ውን ይሃልኽ’ዩ ዘሎ።

ዝፈጠርናዮም ውድባት፡ ጽላላትን ልፍንትታትን ንሓባራዊ ዕማም እዋንና ኣሳለጥቲ ክኾኑ ኣይከኣሉን። እንተወሓደ ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ኣብ ዜናዊ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ሓባራዊ ስራሕ ክህሉ ዝግብኦ ፍጹም ትኽረት ከሊእናዮም። ነቶም ሕጂ ብዓቕምና ከነሳልጦም እንኽእል ከየሳለጥና ብዛዕባ ዓብይ ዓቕሚ ዝሓቱ ጉዳያት ክንዛረብን ክንቋየቕን ክቡር ግዜና ኣጥፊእና ኢና። ካብ’ዚ ኣህላኺ መንገዲ ክንወጽእ እንተዘይክእልና ከኣ ኩሉ ንህዝብና እንህቦ ዘለና መብጽዓታት ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ እዩ።

 እንታይ እንተተገብረ ድኣ ይሓይሽ? 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ይቕናዕ” ዝብል ጭርሖ ሒዝና ንሓባራዊ ስራሕ ዘደንፍዕ ተበገሶ ክውሰድ እዋኑ ዝኣኸለ ምዃኑ ይርኢ ኣሎ። ኩሎም ዝፈጠርናዮም ውዳበታት ይኹኑ ጽላላት መሳለጥቲ እምበር ዓንቀፍቲ ሓባራዊ ስራሕ ክኾኑ የብሎምን ይብል ኣሎ። ነዚ መንፈስ’ዚ ዝሰማምዑ ኣካላት ከኣ ግዜ ከይወሰዱ ኣብ ልዝብ ክኣትው እዋኑ ከምዝኣኸለ ይርኢ ኣሎ። ንሓባራዊ ስራሕ ዝምልከት ሓዲሽ እማመ ድማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዕሊ ወጺኡ ኣሎ።

Last modified on Thursday, 08 June 2017 21:10