ትማሊ ዝርስዕ፡ ሎምን ጽባሕን’ውን ኣየድምዕን

2017-04-24 19:41:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4808 times

ንሓደ ጉዳይ ወይ ተመኩሮ፡ ካለኦት ከዘንትዉልካን ባዕልኻ ተሳታፊኡ ክትነብርን ይፈላለ እዩ። እንተኾነ ንሓደ ተመኩሮ ወይ ፍጻመ ኣብኡ ኮይነ ስለ ዘይረኣኹዎን ዘይተሳተፍኩዎን ኣይቅበሎን ኣይፈልጦን ምባል ጠቓሚ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ዘይነበርካሉ ግዜ ዝተፈጸመ እሞ ክትመሃረሉ ዝግበኣካ፡ ብመጀመርያ በቲ ሎሚ ዝረአ ውጽኢቱ ምምዛን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ተመኩሮ ዝነበሩ ንዘዘንትዉዎ እውን ዋኒነይ ኢልካ ምስትብሃሉ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ብዛዕባቲ ፍጻሜ ዝጸሓፍ ሰነዳት ከም መወከሲኻ ምውሳድ ከኣ ካልእ ትማልን ሎምን ናይ ምትሕሓዝ መንገዲ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ ሽዑ ዝነበረ ንሃብታም ተመኩሮኡ ሒዝዎ ክሓልፍ፡ እቲ ተካኢ ከኣ ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢሉ ክጅምር እንተኾይኑ እቲ ናይ ምቅጽጻል ሰንሰለት ይብተኽ። ምብታኸ ከኣ ሳዕቤኑ ብርሰት እዩ።

ነዚ ኣበሃህላ ከም ኤርትራውያን ናብ ተመኩሮና ክንቃንዮ እንከለና፡ ቃልስና ብዙሕ ግና ከኣ ኣብ ሕድሕዱ ዝተሓሓዝ ምዕራፋት ኣለዎ። ርሑቕ ከይከድና ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና ንሕና ዋናታቱ ጥራይ ዘይኮና፥ ካለኦት ወገናት እውን ነዚ ብኹሉ መዳያት ሃብታም ዝኾነ ተመክሮና ክመሃርሉ ዝግበኦም እዩ። ብፍትሓውነት ቃልሲ፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ተቓለስቱን ዘይስልኪ ደገፍን ተሳተፍነትን ህዝብን ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ። ኣብቲ ማዕበል ቃልሲ ዘይነበረ ሎሚ ግና ተዋሳኢ ዘሎ መንእሰይ ነዚ ተመኩሮ እዚ ከም መንጠርን መበገስን ንናይ ሎምን ጽባሕን ቃልሱ፡ ክመሃሮ፡ ክመራመረሉን ክኽብሮን ናይ ግድን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚ ትማሊ ስለ ዘይኮነ፡ ንናይ ሽዑ ድኽመት “ከምዚ ክግበር ኣይነበሮን” ኢሉ ፍትሓዊ ነቐፈታ ተንበረሉ ዝጽላእ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ካብቲ ጌጋ ዝመሃር ነቲ ዝነቐፎ ጌጋ እንተደጊምዎ ግና ፋይዳ የብሉን። ሕሉፍ ሓሊፉ ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ምኽሓድን ምጽላሙን ግና ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣብ ዕንክሊል ምንባር ምዃኑ ግንዛበ ክውሰደሉ ዝግበኦ እዩ።

ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከተገናዝብ ክትክእል፡ ኣርሒቑ ዝርኢ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ምውናን ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ፍትሓውነትን ደሞክራስያውነትን ከከም ኩነታትካ ብዝምድናዊ ዓይኒ ክረኣዩ ምዕዛብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ብውሑዱ ግና ኣብ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ግዝኣተ ሕግን ዝኣምኑ ኣካላት ክሰግርዎም ዘይግበኦም መሰረታዊ መትከላት ኣለዉ። ካብዚኣቶም ትካላዊ ኣሰራርሓን ግዝኣት ኣብዘሓን ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኮኑ ውድባዊ ኣካላት እንታይ ክገብሩ ከም ዝፍቀደሎም እንታይ ከይገብሩ ከም ዘይፍቀደሎም ዝድረትን ነናትካ ሓላፍነት ዘነጽርን መርሆ እዩ። ነዚኣቶም ኣትሪርካ ከይሓዝካ ብዛዕባ ደሞክራሲ ጠጥዕሙ ምምዳር ፍረ ኣይህልዎን።

ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ደሞክራስያዊ መትከላት ቅዩድ ዘይምዃን ጸገም ይፈጥር ከም ዘሎ ብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ይከኣል። ንኣብነት በዚ መንጽር ናብ ጉጅለ ህግደፍ እንተማዕደና፡ ናይቲ ግንባር ኣቦመንበር ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣየኽብርን ጥራይ ዘይኮነ ከም ኣሰራርሓ’ውን ኣይቅበልን። ብመንጽር እዚ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ሞያዊ መዳያትን ኢዱ ከእቱ ንዕዘቦ። ብዓብይኡ ድማ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ዝኾነ ስኑድ ናይ ኣሰራርሓን ዝምድናን ቅዲ የብሉን። ኣዝዩ ውሱን እንተለዎ ከኣ ይጥሕሶ። እዚ ኩሉ ደሚርካ ክረአ እንከሎ ጉጅለ ህግደፍ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መላኺ መራሒኡ፡ ነዚ ኣገባብ ዝመርጽ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ተመለስ ዝብሎ ዘየብሉ፡ ከም ድላዩ ክዕንድር ስለ ዝደለየ እዩ። ክቐትል፡ ክኣስር፡ ውግእ ክኸፍት፡ ንብረት ህዝቢ ክምንዝዕ ኩሉ ዓይነት መሰላት ክግህስ እንከሎ መኒኻ ዝብሎ የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ሕጊ ጥሒስካ” ከይበሃል ብዘይ ቅዋምን ሕግን ክመርሕ ወሲኑ። ንሱስ ድሕሪ ሕጂ ናብ ሕግን ስርዓትን ከምዘይምለስ ነፊጹ እዩ። ንሕናኸ ካብዚ ግናይ ተመኩሮኡ እንታይ ንመሃር እዩ እምበኣር እቲ ከነቕልበሉ ዝግበኣና ቁምነገር።

መስርሕ ደሞክራሲ ብባህሪኡ ብዙሓት ዘሳትፍ እዩ። እዞም ብዙሓት ክንድቲ ብዝሖም ከድምዑ፡ ናተይ ኢሎም ከስርጽዎን ክምርሕሉን ዝኣምንዎ ኣተሓሳስባታት ኣለዎም። ብሓባር ክሳብ እተሰለፍካ ዝፈላሊ ጉዳያት ከፍጠር እንከሎ ከም ሓደ ብሃንደበት ዘጋጠም ሓደጋ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ከም ውሁብ እትጽበዮ እዩ። ምስ ኣጋጠመ ድማ ንናይ ኩልኻ ኣተሓሳስባ ዕድል ብዝህብ ብናይ እንካን ሃባን መርሆ ምፍታሑ መለለይ ደሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ እዩ። ኣብ ንኩልኻ ዘማእክል ጭብጢ ክትበጽሕ ከኣ “ኣነ ቅኑዕ እየ፡ ካለኦት ግና ግጉያት” ካብ ዝብል ስስዐ ክትላቐቕ ዘይስገር እዩ። ካብ ጸቢብነትን ትምክሕትን ርሒቕካ፡ ተጸዋርነትን ሕድገትን ዕጥቅኻ ክኾኑ ከኣ መተካእታ የብሉን።

ከምቲ ዝተጠቕሰ ብዙሓት ኮይንካ ሓደ ዕላማ ከተዕውት ክትቃለስ እንከለኻ ኣብ ሓደ ጉዳይ ብዙሓት መማረጺ ሓሳባት ክቐርቡ እትጽበዮ እዩ። ነዚ ሓሳባት ኣቀራሪብካ ኣብ ሓደ ንኹልኻ ዘሰማምዕ መማረጺ ሓሳብ ክትበጽሕ ምኽኣል ቀዳምነት ዝወሃቦ ምርጫ እዩ። እዚ ኣብ ዘይኮነሉ ከኣ ካብቲ መማረጽታት እቲ ብዙሓት ዝደገፍዎ ሓሳብ ንኹልኻ ዝገዝእን ዝትግበርን ውሳነ ክኸውን ኣብ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ መባእታዊ እዩ። ድሕሪ ኣብ ውሳነ ምብጻሕ ኣብቲ ናብ ውሳነ ንምብጻሕ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሓሳባት ቅድሚት ኣይመጹን እዮም። ንርኢቶ ውሑዳት ኣብቲ ቅድሚ ውሳነ ዝካየድ ክትዕ ማዕረ ዕድል ይወሃቦ። ድሕሪ ውሳነ ድማ ክትግር ዘይኮነስ ንክስማዕ መሰል ምሃብ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሕዛ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ውሳነ ዘይተጠቕሱ ግና ድማ ኣብ ግዜ ክትዕ ዝለዓሉ ዝነበሩ ነጥብታት ንቕድሚት ኣምጺእካ ከተተግብር ምፍታን ሳዕቤኑ ጸገም ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 24 April 2017 21:50