ውጽኢት ብመስርሕ’ዩ ዝብጻሕ

2017-05-02 16:29:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3236 times

ሓደ ጉዕዞ መጀመርን መዕረፍን ኣለዎ። እቲ ኣብ መንጎ መበገስን መዕረፍን ዘሎ ርሕቀት ከከም ባህሪ ናይቲ ዕማም ቀሊል ወይ ከቢድ፥ ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣብ መንጎ’ዚ ኣገደስቲ ነጥብታት መበገስን መዕረፍን ዘሎ ጉዕዞ እቲ መስርሕ ንብሎ ዘለና እዩ። ነዚ መስርሕ ኣብ ምሕጻር ወይ ምንዋሕ ናይቶም ነቲ መስርሕ ዘካይድዎ ኣካላት ሓፈሻዊ ብቕዓት ዝመዝን እዩ። እዚ በዓልቤታዊ ኮይኑ ነቲ መስርሕ ዝቕልስ ወድዓዊ ምኽንያታትን እቶም ተዋሳእቲ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ዝግዘኣሉ ሕግን እውን ኣለዎ። ቀሊል ኣብነት ንምቕራብ፡ ካብ ሓደ ቦታ ብመኪና ነቒልካ ኣብቲ እትደልዮ መዓርፎ ንምብጻሕ ናይቲ ዘዋሪ ክእለትን ናይታ መኪና ብረታዐን ዓይነትን ዓብዪ ብጽሒት ኣለዎም። ግና ከኣ ባህሪ ናይቲ መንገድን መኪና ናይ ምምራሕ ሕግን እውን ብጽሒቶም ኣትሒትካ ዝረኣይ ኣይኮነን።

ካብ ምጅማር ክሳብ ምፍጻም ንምብጻሕ ዝኽየደ መንገዲ ከከም ባህሪ ናይቲ ከተዕውቶ እትቃለሰሉ ዕላማ ክፈኩስን ክኸብድን ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ዝኣመትካዮ መዓርፎ ምእንቲ ክትበጽሕ፡ ኪኖ ምጅማር ጉዕዞ፡ ነቲ መስርሕ ህይወት፡ ግዜ፡ ጉልበትን ዝተፈላለዩ ዓይነት ንዋትን ክትከፍለሉ ግድን እዩ። ነዚ ክትከፍል እንተዘይክኢልካ ግና እቲ ዕማም ህያው ኮይኑ፡ እቲ መስርሕ ግና ይዝሕትል። ኣብቲ ከም መዓርፎ ዝሓሰብካዮ ሸቶ ከኣ ኣይትበጽሕን።

ናይዚ ግብራዊ ኣብነት ንምጥቃስ ናብ ተመኩሮና ኢና እንመጽእ። ብዙሕ ንድሕሪት ከይተመለስና ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 እዩ ተጀሚሩ። ብ1991 ድማ ናጽነት ኤርትራ ብምርግጋጽ መዓርፎ ረኺቡ። ኣብ መንጎ እቲ መንቀልን መዕረፍን ናይ 30 ዓመታት መስርሕ ነይሩ። እዚ 30 ዓመታት ብደረጃ መዕቀኒ ግዜ ነዊሕ እዩ። ዕድመ ሓደ በጽሒ እዩ። ነዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዝያዳ ነዊሕ ዝገብሮ ከኣ 30 ዓመታት ምዃኑ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ዝሓለፎ ኣዝዩ ሓባጥጐባጥ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ ዝተኸፍሎ ሓፈሻዊ ዋጋ ብፍላይ ከኣ ናይ ህይወት ኣዝዩ ከቢድን ክቡርን ምንባሩን እዩ። ከም ድሌት ኤርትራውያን እቲ ቃልሲ 30 ዓመታት ዘይኮነ 30 ወርሓት ክወስድ’ውን ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሪ ስለ ዝነበሮ 30 ዓመታት ወሲዱ። ኤርትራውያን ተቓልስቲ ውጽኢት ብሃውሪ ኣብቲ ዝተመነኻዮ ግዜን ኣገባብን ዝሕፈስ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ነብሱ ዝኸኣለ ብዙሕ ባእታታት ዝዋስእሉ መስርሕ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ንምሉእ እቲ ካብ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ዝማዕበለ መስርሕ ቃልሲ ዘዝተሓተትዎ ዋጋ እንዳኸፈሉ ተጸብየምዎ። ከም ትጽቢቶም ድማ ተረጋጊጹ። ግና ምሉእ ኣይኮነን።

ምስዚ ዝሳነ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ መሪር ውግእ ሕድሕድ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ 80ታት ነፍሰሄር ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ራእሱ (ሓረስታይ) ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ገርጠጥቲ ኣብ እትበሃል ቁሸት ናይ ሓያሎ ተጋደልቲ ኣኼባ ኣካየደ። ካብቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ “ንሰውራ ብመሰረቱ ከመይ ኢኻ እትገልጾ?” ኢሉ ሓተቶ። ስዉእ ስዩም ኣብ ምግላጽ ህልዊ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ኣተኲሩ ስለ ዝነበረ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣይተጸበየን። እንተኾነ ነዚ ሕቶዚ ብኣብነት ኣሰንዩ ንምምላስ ከምዚ ዝስዕብ በለ። “ሰውራ ብመንደራጉሕ ይምሰል እዩ። መንደራጉሕ ክጅምር እንከሎ ብዙሕ እምኒ ኣንቀሳቒሱ ብናህሪ ይኸይድ። ኣብቲ መስርሕ ግና ገሊኡ ካብቲ ኣእማን የማነጸጋም እንዳተጸገዐ ካብቲ መስርሕ ይተርፍ። እቲ ዝቕጽል ድማ ካልእ እምኒ ፈናቒሉ እንዳሰለፈ፡ ክሳብቲ ቁልቁል ወዲኡ ጥጠው ዝብለሉ ጐልጎል ቦታ ይበጽሕ፡ ኣብዚ መስርሕ ካብቶም ጀመርቲ ክሳብቲ መወዳእታ መዕረፊ ሜዳ ኩሎም ዘይክበጽሑ ይኽእሉ። እቶም ክሳብ መወዳእታ ናይዚ መስርሕ ዝበጽሑ፡ ንባህርያት እቲ መስርሕ ተረዲኦም ብተጸዋርነት ኩሉ ዝተሓተትዎ ዋጋ ክኸፍሉ ዝኸኣሉ ጥራይ እዮም” በለ።

ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ግዜን ካልኦት ጸለውቲ ምዕባለታትን ነናቶም ተጽዕኖ ከም ዘለዎም ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኩሉ ውጽኢት ብመስርሕ እዩ ዝብጻሕ። መስርሕ ባዕሉ ለውጢ ከምጽእ እትጽበዮ ዘይኮነ፡ ሓያል ተዋሳኣይ ኮይንካ ብሓባር እትዋሰኣሉ ናይ ቃልሲ መድረኽ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን በሃግቲ ደሞክራሲ ሎሚ እውን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢና ዘለናዮ። እዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት መስርሕ ቃልስና ካብቲ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኸበደ እምበር ዝቐለለ ከምዘይኮነ ተረዲእና ኣለና። ምናልባት ደኣ ብዓይነቱ ይፍለ ይኸውን እምበር ብኽብደቱ ካብቲ ናይ ሽዑ ዘይንእስ ዋጋ ይሓተና ከም ዘሎ ከኣ ክንርደኦ ኣለና። እቲ ዋጋ ገሊኡ በዓል ቤታዊ እዩ። ገሊኡ ድማ ወድዓዊ። እቲ ወድዓውስ ኣብ ኢድና ኣይኮነን ዘሎ፡ እቲ ዘተሓሳስብ ግና ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ በዓልቤታዊ ዋጋ እውን ክንከፍሎ ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ በዓልቤታዊ እነረጋግጾ ድማዕ ከኣ ነቲ ወድዓዊ ተጽዕኖ ከም ዘፍኩሰልና ርዱእ እዩ። በዚ ድኽመትና ዝሻቐሉ ብዙሓት እዮም። ሻቕለቶም ከኣ ግቡእ ሻቕሎት እዩ። ግን ድማ እዚ ዘረደኣና እቲ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ ከቢድ ምዃኑ እምበር፡ በዚ ኣቢልካ ዝብጻሕ መዓርፎ ወይ ውጽኢት የለን ናብ ዝብል ምቑራጽ ተስፋ ዝወስድ ከምዘይኮነ እዩ። እቲ እንምነዮ ደሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓትን ቅሳነትን ኣብ ኤርትራ ክብጻሕ ዝከኣል እዩ። ብትምኒት ዘይኮነስ ዋጋ ብዝኽፈሎ መስርሕ።

ሕጂ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ብፍላይ ድማ ብሓባር ከስርሓካ ዝኽእል ጽላል ክትፈጥር ምኽኣል ዘይድፋእ ጎቦ ኮይኑና ከም ዘሎ ንርኢ ኣለና። እንተኾነ እዚ ጎቦ ካብቲ ኣብ መስርሕ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ሓደ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን። ደፊእካ ንሓዋሩ ዘይፈርስ ኣይኮነን። ከም ውጽኢት እኩብ ድምር ናይቲ ክሳብ ሕጂ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ እዚ መስርሕ ሓደ መዓልቲ ኣብ መዕረፊ ከም እነብጽሖ ብምሉእ ልቢ ኣሚንና ክንቃለሶ ከኣ መተካእታ የብልናን።

Last modified on Tuesday, 02 May 2017 18:37