EPDP News

ስእሊ፡ ተመሃሮን ኣባላት ኣካለ ጽጉማንን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር፡  ጓል 26 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ራሄል ኣርኣያ፡  ንመኽባር ዕለተ-ልደታ ኣብ ዝጸወዓቶ ኣጋጣሚ፡ ናብ መእከቢ ልግሲ (fund raising) ንጽጉማን ብምቕያር፡ ካብ ዝኣከበቶ ህያብ ገንዘብ፡  40%  ኣብ ሱዳን ከሰላ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን 60% ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋዲ ሸሪፎይ ከም ዝለገሰትን ድሮ ናብ ባንክ ሕሳብ ናይቲ ትካላት ምእታዉን  ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ ዝተገብር ሰናይ ተግባራ ድማ፡  ንራሄል ኣርኣያ ኣዝዩ ዕዙዝ ምስግና ይግበኣ።

 ራሄል ነዚ ዝለገሰት ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ሓገዝ ኩሉ ኤርትራዊ ዘድልዮም ጽጉማት ኣካላት፡ ብዝነበራ ግንዛበን ብቤተሰባ ብዝተዋህባ ሓበሬታን ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኩነታት ብተንቀሳቐሲ ምስሊ (vedio) ብዝተስነየ  ምስ ገለጸትሎም ዝለገሱ ናይቲ ኣጋጣሚ ዕዱማትን ማሓዙትን ከኣ፡ በቲ ሓላፍነታዊ ተበግሶን ተርግባርን ራሄል፡ ብዘርኣይዎ ልግስን ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጸሙላ።  

እቲ በዚ ሰናይ ግብራ ዝተዋህበ ልግሲ፡ ዝህልዎ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡  ናብ ካለኦት ከም ራሄል ዝኣመሰሉን ዝኣመሰላን ኤርትራውያን መንእሰያትን ስድራቤቶምን ዘመሓላልፎ ናይ ሰናይ ተግባር መልእኽቲ’ውን ዕዙዝን ኣብነታውን እዩ።

ንጽጉማት ወገናትካ ዝግበር ልግሲ፡ ዓቐኑ ወይ ዋሕድን ብዝሕን ናይቲ ዝልገስ ዓይነት ዘይኮነ ተገንዚብና፡ እቲ ኣገዳሲ ቁም ነገሩ፡ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ዝፈጥሮ ቅሳነትን ሞራልን እዩ እሞ፡ ኩልና ሓገዝና ዝደልዩ ጽጉማት ወገናት ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣብ ሕልናና ቦታ ክንህቦን ንራሄል ክንስዕባን በዚ ኣጋጣሚ ክንጠቕስ ንደሊ።   

ስርዓት ህግደፍ፡  ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንምጽራይን ምምርማርን ጥሕሰታትን ብመንገዲ ፍሉይ ተልእኮ ራፖርተር ክቋረጽ ዘቕረቦ ጠለብ ብ4 ሓምለ 2025 ከም ዝተነጽገ ካብ ጀነቫ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ምምሕዳር ህግደፍ ከም ድላዩ  ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ንክጥሕስን ዜጋታት ከሳቕይን ንከኽእሎ ናብ መበል 59 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት  ዘቕረቦ  ውሳነ ሓሳብ፡ ብ25 ኣባል ሃገራት ተነጺጉ ብ4 ጥራይ ተደጊፉ 18 ሃገራት ድማ ናይ ተዓቅቦ መርገጽ ከም ዝወሰዳ እቲ ዜናዊ ሓቢሩ። እተን ንርኢቶ ህግደፍ ዝደገፋ ሃገራት ብሩንዲ፡ ቻይና፡ ኩባን ሱዳንን እየን።.

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ባብከር ዓብዱሰላም፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ጃማላዊ ማእሰርትን  ግዱዱ ውትህድርና ብጻዕቂ ዝረኣየሉ ዘሎን ምዃኑ ብዝርዝርር ኣረዲኡ።

ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ጠለብ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ፡ “እቲ ተመዚዙ  ዘሎ ፍሉይ ራፖርተር ንጥሕሰት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ምእንቲ ሰብኣውነት ዝግበር ቃልሲ እውን ሓጋዚ እዩ” ብዝብል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ  ብኤርትራ ዝቐረበ ሓሳብ ምቕባል፡ ኣብታ ሃገር ጥሕሰትን ግህሰትን ከም ድላዩ ንክፍጸም ዘፍቅደሉ እዩ ነይሩ ብምባሉ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ግዱሳት ኤርትራውያን በብውልቂ ኮነ ብደረጃ መርበባት ሓበሬታ እውን ጠለብ ህግደፍ ተቐባልነት ንከይረክብ ክጽዕቱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር’ዩ እሞ ምስጋና ይግበኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ3 ሓምለ 2025 ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝቐረብሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ፡ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ እንተኾነ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ኢሉ።

ዶር ኣብይ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘሃቦ መብርሂ፡ “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ እዚ ድማ መሰላ እዩ፡ ነዚ ምቅዋም ኣየድልየናን” እውን ኢሉ። እዚ ልኡላዊ ሃገራውነት ብተመሳሳሊ ናይ ጅቡትን ሶማልያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ መሰል ከምዝኾነ ድማ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት እዘን ሃገራት ኣፍልጦ እትህቦ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እውን ከገድሰን ይግባእ ክብል  ጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናብ ትግራይ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብ ትግራይ እቲ ህዝቢ ውግእ ከይካየድ ዝሰግእ ክነሱ፡ እንተኾነ ውግእ ዝሃርፉ ወገናት ከም ዘለዉ ንምብራህ ክብል፡  ብትግርኛ “ንድሙ ጸወተኣ ንእንጭዋ ከኣ ጻዕረ-ሞታ” ብዝብል ኣገባብ ጠቒስዎ። ሓያልነቱ ንምርኣይን ንምፍርራሕን ከኣ ሎሚ ጠባይ ናይቲ ውግእ ዝተቐየረሉ ግዜ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ውግእ እንተተኸፊቱ ቆላሕታ ዝህብዎ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣይክህልዉን እዮም’ ውን ኢሉ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝደኸመ ደረጃ እዩ ዘሎ” ብዝብል፡ ከይዕሸዉ ድሕሪ ምዝኽኻሩ ከኣ፡ እቶም ንክሕግዝዎም ዝጽበይዎም፡ ወገናት “ንገዛእ ርእሶም ዘይኮኑ እዮም” ብዝብል ኣነኣኢሱ ጠቒስዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ ማሕብረ-ሰብ ትግራይን ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን ውግእ ከይተኸፍተ ሰላማዊ መፍተሒ ንክርከብ ንክጽዕቱ ተማሕጺኑ፡ ጉዳይ ተበላሽዩ ድሕሪ ውግእ ምጅማሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ጠቕሚ ኣይክህልዎን እዩ ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበሉ ናይ ዝሓለፈ ዓመት በጀት ኣፈጻጽማ ጸብጻብ ሰሚዑ ናይ ዝመጽእ ዓመት በጀት እውን ኣጽዲቑ።   

 

ህልዊ ኩነታት ከትማ ካርቱም ካብ ዘርእዩ ምስልታት

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ቁጽሮም ካብ 270 ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 5 ሓለም ምድላው ገይሮም 7 ሓምለ 2025 ድማ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከብ መድበር ስደተኛታት ኡምገርጉም-ሸገራብ ክኣትዉ ከም ዘገደዶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ምንጭታት ሓቢሮም። ዋላ’ኳ ድሌት ዘለዎም ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ እንተተሓበረ፡ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሃገሮም ነዚ ዝጸውር  ሓላፍነታዊ መንግስቲ ስለ ዘየብሎም ናብቲ መደበር ካብ ምእታው ካልእ ምርጫ የብሎምን።

ኢትዮጵያውያን ነበርቲ’ታ ብውግእ ዝዓነወት ከተማ ካርቱም ብወገኖም፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፈቓደኛታት እንተዘይኮይኖም፡ በቲ ሓድሽ ውሳነ መሰረት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ናብ ዝርከብ መደበር ኡምጉልጃ-ኡምራኩባ ክኣትዉ ተኣዚዞም ኣለዉ። ኣብዚ መስርሕ ናይ ስደተኛ ወረቐት መንነት ዘይጸንሖም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣስታት 700  ሺሕ ጅነ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ።

ምስዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ካርቱም ዝጸንሑ 6 ሺሕ ደቡብ ሱድናውያን ድማ ብዘይድሌቶም በመንግዲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል  ናብ ሃገሮም  ከም ዝተመልሱ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብኻእል ወገን ከኣ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ቀቢላዊ ጉጅለታት ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ብህግደፍ  8 ዙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝወሰዱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ሕጂ እውን ሓደ ብስም ምብራቕ ሱዳን ብዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ብደገፍ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንክወስዱ ኣስታትን 50 ሺሕ መንእሰያት  ይዳለዉ ምህላዎም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዉ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ይሕበር ኣሎ። ስለዚ ብሰንክዚ እዚ ናይ ህግደፍ ቐጻሊ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ኢድ ምእታዉ ኣብ መጻኢ መስርሕ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን  ስግኣት እዩ።

ሰብኣዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (Amnesty International)፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻልነት ናይቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ራፖርተር፡ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ ተቐባልነት ንከይረክብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ካብ 4 ክሳ 7 ሓምለ 2025 ክካይዶ ተመዲብዎ ዘሎ መበል 59 ጉባአኡ ኣንጻር ሕቶ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ንከድምጽ ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲገረ ቻጉታህ ጸዊዑ።

ኣምነስቲ ኣብዚ ናብ ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ መስርሕ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣይተዛዘመን ድሕሪ ምባል፡ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓታትነት እውን ኣይተረጋገጸን ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ምቕጻል እቲ ፍሉይ ራፖርተር መሪሕ ግደ ዘለዎ ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ተሓታትነት ንክትግበር ክሕግዝ ከም ዝግበኦ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣስፊሩ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ምምዛዝ ናይቲ ራፖርተር 10 ዓመት ኣብ ዝመለኣሉ’ውን ቀጻሊ ምህላዉ’ውን ኣቃሊዑ።

ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገን ኤርትራ ኣድላይነት ናይቲ ራፖርተር ንከቋርጽ ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳ ክዕወት ዘይግበኦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዓብይ ሓላፍነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘስተናዕቕ ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። እዚ ምምዛዝ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ካብ 2012 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ኹሉ እቶም ዝምዘዙ ራፖርተራት ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዕድል ስለ ዝተነፍጎም ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከድምዑ ኣይጸንሑን።

ኢትዮጵያ ብ20 ሰነ 2025 ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራ ኣቢላ ናብ ዝተፈላለዩ ይምልከቶም ዝበለቶም ኣካላት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ  ጸጥታ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትዘርግ ኣላ ክትብል  ብትሪ ከሲሳታ። ኣብቲ ደብዳበ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ጸጥታና ንምዝራግ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተካይድ  ስለ ዘላ ነቲ ተግባር ብትሪ ንኹንኖ” ዝብል መልእኽቲ ሰፊሩ። ኣተሓሒዛ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ተግባር ኤርትራ ዘብቅዓሉ ኩነታት ንክፈጥር  መጸዋዕታ ቀሪባ።  

ኣብዚ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ብዙሓት ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራትን ዝተጻሕፈ ናይ ስምዕታ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጋና ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘይወጸ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ብምዕጣቕን ምስናቕን ሰላም ኢትዮጵያ ትዘርግ ኣላ ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።

ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ዘራጊ ተግባራት ኤርትራ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝመጸ ምዃኑ ብምጥቃስ፡  ኢትዮጵያ ንተግባራት ኤርትራ ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይትጻወሮን ነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋን ኣስፊሩ። ቅድሚ ኩሉ ግና ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብዚ ቀረባ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝፍጠር ዘሎ ምቅርራብ “ኣንጻር ሕገመንግስታዊ ኣካይዳ ልምምዳት ንዕዘብ ኣለና” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ሰፊሕ ናይ ክሲ ዝርዝር ዘለዎ ደብዳበ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዓዘቡ ኣካላት፡ እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድመ-ውግእ ስምዕታ ከይከውን ስግኣታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

 

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡  ብ21ሰነ 2025 ምዱብ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዝፍጠር ዘሎ ስግኣታትን ከምኡ እውን ብደረጃ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዑ።

ብምቕጻል ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ሰሪዑ፡ ኣብ ምምይያጥ ጸብጻባት ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ ኣትዩ፡  ግቡእ ሚዛናት ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእ’ዩ ሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት ዳህሲሱ። ኣብ ሚዛኑ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓት ሰልፊ ኣብ ቋንቋ ዓረብ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ሕጽረት ንምምላእ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ወሲኽካ ይረአ ንዘሎ ንጥፈታት ንኢዱን ኣተባቢዑን፡ እቲ መደባት  ብስፍሓት ናብ ህዝብና ዝበጽሓሉ ሜላታት’ውን ዳህሲሱ።

ብዘይካዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝረኣዩ ዘለዉ ኣውንታታት ክቕጽል ኣተባቢዑ፡ ዝረኣዩ ድኽመታት ዝእረምሉ ኣንፈታት ከኣ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ዘርእርይዎ ዘለዉ ትግሃት ኣመጒሱ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ሃገርና፡ ጐረባብትናን ዞባናን ዝረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ  ምዕባለታት ግዜ ሂቡ ብሰፊሑ ኣብ ዝዳህሰሰሉ ከኣ፡ እዞም ዝስዕቡ ሚዝናት ኣንቢሩ።

1) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡“ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ብዝብል ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ የለዓዕል ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ከይገሃሱ’ውን ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩ።

2) እቲ ድሕሪ ምኽታሙ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣኸቲሉ፡ መተሃላለኽን መፈላለይን ኮይኑ ዘሎ ውዕል ፕሪቶርያ ምፍራሱ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ዘይተደልየ ህልቂትን ብርሰትን ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሎም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ውዕል ምእዙዛት ኮይኖም ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ጸዊዑ።

3) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእን፡ ነቲ ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ኣብ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከል ምርኩስ ብምግባር፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ምስቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥቡቕ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝ ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ መዚኑ።

እዚ ዝምድናኡ ኣድማዒ ንክኸውን ብተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ዝተደኮነ፡ ትካላዊ መልክዕ ዝሓዘን ብጸቢብ ድሌት ውሱናት ጉጅለታት ዘይጭወን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ  ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ  ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ።

4) ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለምናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍጠር ኣብ ዘሎ ምትፍናን፡ ዝምልከቶም ናይ ቀረባ ይኹኑ ናይ ርሑቕ ሓይልታት፡ ኣብ ክንዲ ኢዶም ኣእትዮም ብዝኾነ መልክዕ ነቲ ወጥሪ ዘጋድዱ፡ ብውግእ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ዝፍተሓሉ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ክሕግዙ ጸዊዑ።

5) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኩሉ ዝከኣለን ዘበለ ንክገብራ ሰብኣዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

6) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንልዕሊ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስ፡ ተነሓናሕቲ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ባዕላቶም ክፈትሕዎ ጸዊዑ።

7) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ይስጉም ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ነዚ ኣብ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብዝምጥን ንክስጉም ዘለዎ ትጽቢት ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ዝስማዕ ድምጺ ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምውናን ስጉምቱ ንከቀላጥፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ከካይድዎ ዝጸንሑ፡  ዘይሕለል ቃልሲ ደጊሙ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ  መጸዋዕታኡ ብምቕራብ  ተዛዚሙ።

  ዶክተር መሓመድ ዓብዳልሰላም ባብከር ናይቲ ባይቶ ፕረሲደንት (ቢቢሲ)ለመብት,UN TV

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወዲቕ ኣብ ዘላ ኤርትራ ዘሎ ክቱር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ሎሚ’ውን ቀጻሊ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ዝተገለጸ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመዙ ሱዳናዊ ፍሉይ ራፖርተር ዶክተር መሓመድ ዓብዳልሰላም ባብከር ብዘቕረቦ እዋናዊ  ጸብጻብ ምዃኑ ቢቢሲ ሓቢራ።

ናይ ዶክተር ጸብጻብ፡ ናይታ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝህዝባ ኤርትራ ጸብጻብ ሰብኣዊ መስል ሎሚ’ውን ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ዘቃለዐ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ትባሃል ከም ዘላ ጠቒሱ። ከም ናይዚ ኣብነት ከኣ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ብዝቐርቡ ቀጸልቲ ጸብጻባት፡ ብመንጽር ነጻ ፕረስ ኣብ መጠረስታ ትስራዕ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸሞም መዳያት፡ ብሕጊ መፈጸምታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን፡ ብኩራት ነጻነት እምነት፡ ምንፋግ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉዳይ ሰደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ከምኡ ከኣ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣብ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ይርከቡ።

ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ብ11 ሰነ 2025 “ጁየነ ኣፍሪቃ (Juene Afrique)  ምስ ዝተባህለት መጺሐት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ነቲ ኣብ 2024 ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝያዳ ኣጠቓቕማ ወደብ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድድዳእ ፈቲሕኩምዎዶ?” ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቡ። ኣብ መልሱ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ከባቢ ዝደለኻዮ ብሓይሊ ምርግጋጽ ከምዘይከኣል ዝተረደአ ይመስለኒ። ኢትዮጵያ ወደባት ዓሰብ፡ ጅቡቲ፡ በርበራ ወይ ሶማሊያ ክትጥቀም ትኽእል እያ።” ድሕሪ ምባሉ ድማ “እዚ ግና ንጐረባብትኻ ግቡእ ትርጉም ብዘይምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ሽምግልና ሃገረ ቱርኪ ሓጋዚ እዩ ምስ በለ ከኣ፡ “ንሕና እንተኮይና ንኢትዮጵያውያን ጅቡቲ ክረሚያ ከምዘይኮነት ነጊርናዮም ኢና” ክብል ኣስዒቡ።

ነቲ “ኣብ ወደብ ታጁራ ናይ ሓባር ምምሕዳር (Joint Management) ክህልወኩም ዘቕረብኩምዎ ሓሳብከ ብወገን ኢትዮጵያ እንታይ መልሲ ተዋሂብኩም?” ንዝብል ሕቶ እውን መልሲ ሂቡ። ኣብቲ መልሱ፡ “ኢትዮጵያ ንሕና ዘይቕበሎ እማመ ዝሓዘ ልኡኽ ሰዲዳ ነይራ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሓሊፎም ወተሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝምስርትሉ መተሓላለፊ ክንህቦም ስለ ዝሓተቱና። ስለዚ እማመኦም ስለ ዘይንቕበሎ  እዚ ዛዕባዚ ድሕሪ ሕጂ ተዓጽዩ እዩ” ኢሉ።

“ብዛዕባቲ ንዓኻትኩም ሃሳይ ዝኾነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሱዳን ክሳብ ሶማሊያ ዝዝርጋሕ መደባት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ከመይ ትርእይዎ?” ንዝብል ድማ “ንመደባት ዲፒ ዎልድ (DP world) ተቓዊምናዮ ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን ናብኡ ኣይክንንብርከኽን ኢና። ብዓብይኡ ፖሊሲ ኢማራት ኣብዚ ዞባ ኣፍራሲ እዩ። ኣብዚ ርኢቶዚ ከኣ በይንና ኣይኮናን” ኢሉ።

እምበኣር እዚ ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝገለባበጥ  ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ምስ መን ከምዘላ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ምስቲ ብጉዳይ ኣገልግሎት ወደብ ኣብ ጅቡቲ ዝተንጠጠለት ምዃ ንኢትዮጵያ ዘቕስና ኣይመስልን።

ናይዚ ዘለናዮ እዋን ዘመናውነት ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸብታት (social medias) እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዕቤት ብዝፈጠሮ ቅልጡፍ ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ዓለምና “ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራ” እናተባህለት ትግለጽ ኣላ። ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብግቡእ ንከድምዕ  ነቲ ተሃዋስነቱ ዝምጥን ጥንቁቑን ሓላፍነታውን ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ወሳኒ እዩ።

ኣብዚ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዓብይ ግደ ካብ ዘለዎም ኣገልግሎታት፡ ኢ-መይል፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ዋትስኣፕ፡ ዩቱብ፡ ዙም፡ ቲክቶክ፡ ቴለግራምን ፌስቡክን ንኣብነት ካብ ዝጥቀሱ እዮም። እዚኣቶም ምስቶም ነዊሕ ዝዕድሚኦም መራኸብታት ደብዳበ፡ ተለፎን፡ ጋዚጣን ሬድዮን ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ኣብ ቅልጣፈን ተኣማንነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ዝርጋሐ ስፍሓት  እውን ብልጫ ኣለዎም። ዝህብዎ ኣገልግሎት ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎም ኮይኑ፡ ኣጣቓሊልካ ክረአ እንከሎ፡ ሓባሪ፡ መሃሪ፡ ኣገልግሎት መውሃብን መዘናግዕን ኢልካ ምቕራቦም ይከኣል። ነፍሲ ወከፍ  መልክዕ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሰፋሕቲ ዝርዝራት ኣተገባብራ ኣለዉዎም። ብፍላይ በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ጽፍሕን ትካላት ትምህርቲ፡ ምስ ኮምፒተርን ተንቀሳቓሲ ተለፎንን ብምንባብ ኣገደስቲ መወከሲ ሰነዳት ንምርካብ ዘኽእሉ ምዃኖም ርኡይ እዩ።

ሎሚ ብኣንጻር’ቲ ቅድም ብመልክዕ ጽሑፍ ዝካየድ ዝነበረ ዘይቅልጡፍ ኣገባብ ምልውዋጥ መልእኽቲ፡ ሳላ እዞም ዘመናዊ ምህዞታት ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ብምስልን ድምጽን ብዝተፈላለዩ መልክዓት ብቕጽበት  ምትሕልላፍ  ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ  ተበጺሑ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ተረሓሒቕካ ክነስኻ፡ እናተረኣኣኻን እናተሰማማዕካን ክሳብ ሰፋሕቲ ጉባአታት፡ ኮንፈረንሳት፡ ኣስተምህሮታትን ቃለመጠይቓትን ኣብ ዝካየድሉ ደረጃ ተበጺሑ  ስለ ዘሎ፡ በዚ ዕቤት ዘይጽለው፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መነባብሮ ወዲ ሰብ የለን።

ብዘመናዊ መራኸቢ ብግቡእ ንምጥቃም፡ ዝሓቶ ወጻኢ ርትዓዊ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ንክጥቀምሉ ዘተባብዕ እዩ። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም 5.56 ቢልዮን ማለት 67,9%  ተጠቀምቲ  ኢንተርኔት ክኾኑ እነከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 5.24 ቢልዮን ማለት 63.9% ተጠቀምቲ  ማሕበራዊ መዲያ እዮም። እቲ ዝገርም ከኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀም 0.4% ጥራይ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 2024፡ 1.58 ሚልዮን ኤርትራውያን ወነንቲ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ምንባሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ዝተኻየደ’ሞ ኣብ ጉግል ዝሰፈረ መጽናዕቲ  ይምስክር።

ኣብዚ እዋንዚ ሰባት ብደረጃ ዓለም ንማሕበራዊ መራኸቢ ከከም ዝንባለኦም፡ ንሓበሬታ፡ ንንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ንትምህርቲ፡ ንምርምርን ንመዘናግዒ፡ ደሃይ ንምፍልላጥ፡ ብዓብይኡ ድማ ንፖለቲካዊ ተልእኮ ዝጥቀሙ ዘለዉ ሳላ ዘመናዊ ዕቤት ዝተረኽበ ስልጡን ህያብ እዩ። በዚ መሰረት መንግስታት ኣብ ምሕላቕ ንዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብን  ዘለዎም ቅሩብነት ንምምዛን ከም ናይ ፖለቲካዊ ባህሪ መዕቀኒ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ እዩ። እዚ ዘመናዊ መራኽቢ ናብ ኩሉ ዜጋ ከም ዝባጻሕን ብዘይመንግስታዊ ኣካላት’ውን  ክውነንን ዝፈቕዱን ንዕቤቶም ዝጽዕሩን ምምሕዳራት ዝነኣዱ እዮም።   እቶም ህዝቢ ናይዚ ዘመናዊ ዕቤት ተጠቃምን ወናንን ከይከውን ዝዕንቅፉን ዝእግዱን ድማ ኣብ ምምሕዳሮም ናይ ዝሰግኡን ጸረ ህዝብነቶምን መርኣያ ኮይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ዘበን ኢና ንርከብ ዘለና።

ህግደፍ ብመንጽር ኣጠቓቕማ ኮነ ዋንነት ማሕበራዊ መራኸብታት ክምዘን እንከሎ፡ ካብቶም ጸረ ህዝቢ ባህሪኦም ንምሕባእ፡ ህዝብን ማሕበራዊ መራኸብን ከምዘይራኸቡ ብምግባር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም  ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምጥቃም ዕድል ዘየብሎም።

እዚ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዕቤትን ዘመናውነትን ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ስልጡን መሳርሒ  ርክብ፡ ዝያዳ ኩሉ ሓላፍነታዊ ምምሕዳርን ተሓታትነትን ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ክንድቲ ብሓላፍነትን ልቦናን ክተሓዝ እንከሎ ዘለዎ ሃናጺ ብልሒ፡ ኣብ ኢድ ዘይሓላፍነታውያንን ዘይርትዓውያንን ክወድቕ እንከሎ፡ ናብ ኣፍራስን መጻልእን ብልሒ ስለ ዝቕየር። ሎሚ ከምቲ በቲ ሃናጺ ብልሑ እንሕበኖ፡ በቲ ኣዕናዊ ብልሑ ዘሰክፍ ሓደገኛ ተርእዮ ከየስዕብን ዝሰግኡ ክስተታት ብዙሓት እዮም። ስለዚ ነዚ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓድሩን ብእኡ ዝግልገሉን ወገናት ነቲ ዝብልዎን ዝሰምዕዎን ኣዕሚቖም ኣመሳኺሮም ጥራይ ክርድእዎ ይገበኦም።

ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝንጸባረቐሉ ሜዳ ዝዋስኡ ወነንቲ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣዝዮም ጥንቁቓትን ናይቲ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ ዝቕበል ወገን ኩለ-መዳያዊ ስምዒት ኣብ ግምት ኣእትዮምን ክዝርግሑ ግድን እዩ። “ንሃንጽ ኣለና” ኢሎም፡ ነቲ ኣፍራሲ ብልሒ ናይቲ መራኸቢ ከይመዙ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ሰማዕትን ተዓዘብትን ናይቲ ዝዝርጋሕ መልእኽቲ’ውን፡ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኢሎም ብቲ ተሃዋሲ በዓል ክልተ ብልሒ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ቅድሚ ከምዘለዎ  ምውሳዶም ተጠንቂቖም ክመምዩን ከጻርዩን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጐኒ ሓቂ ዝስለፉ ፍትሓውያንን ዘይሻራውያንን ክኾኑ ከኣ ኣድላይ እዩ። ነዚ በዓል ክልተ ብልሒ መሳርሒ ተጠቒሞም፡ ግጉይ መንገዲ  እንተ ሒዞም ግና፡  ብዘይካቲ ዘይጥሉል ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ዝኾንዎ፡ ኣብ ሕልናኦም ዘሕድሮ ተጣዒስካ ዘይወጽእ ሃስያ ከም ዘለዎ’ውን ክግንዘቡ ይግበኦም።

ኣብዚ መድያ 4ይ ኣካል መንግስቲ እዩ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘመን፡ ማሕበራዊ መራኽብታት ኣዝዮም ጸለውቲ ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተጠቃምነትን ተመኩሮን እንርደኦ እዩ። ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስታትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ተላኢኾም ናብ ጐስጓስ  ክዋፈሩ ልሙድ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና ተመኩሮ እዩ። በዚ መሰረት ከምቲ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ስምዒት ናይቶም  መስነቕቶምን ለኣኽቶምን ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ዝበልናኩም ግበሩ” ክብሉ ዝደናደኑ ዘወርቲ ማሕበራዊ መዲያታት ከም ዘለዉ’ውን ጸሓይ ዝወቐዖ ኣቂ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ፡ ወነንቲ፡ ኣመሓደርትን ተኸተልትን መዲያታት፡ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም፡ ብናይ ስምዒት ውሕጅ ተወሲዶም ኣፍረስቲ ካብ ምዃን ክዕቀቡ  እነዘኻኽሮም ዘለና።