EPDP News

ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ((FAO)፡ ኣብ 2026 ኣብ 41 ሃገራት ሓያል ዋሕዲ መግቢ ከም ዘጋጥም ዝሓደሮ ስኽፍታ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ። እተን 41 ሃገራት 31 ካብ ኣፍሪቃ፡ 8 ካብ ኤስያ፡ ካብ  ላቲን ኣሚሪካን ካርቢያንን ከኣ ሓሓደ ምዃነን ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ካብተን ካብ ኣፍሪቃ  ኣብቲ ጸብጻቡ ዝጠቐሰን ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን ቡርንዲ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ረፑብሊክ፡ ጅቡቲ፡ ማላዊ፡ ማውሪታንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኒጀርን ናጀርያን ይርከበአን። ካብኣተን ኣብ ኣዝየን ጽንኩር ኩነታት ክወድቃ እየን ካብ ዝበለን ከኣ፡ ንኤንያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከም ኣብነት ጠቒስወን። ካብ ኤስያ ከኣ ህንዲ፡ ኢንደኖሲያ፡ ማልዲቭ፡ ሚያማር፡ ስሪላንካ፡ ታይላንድን ባንግላደሽን ኣብቲ ዝርዝር ናይ ጽጉማት ተቒሰን

ናይተን ሃገራት ኣብቲ ጸገም ምውዳቐ ምኽንያታት ከከም ኩነታተን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር፡ ዝለዓለ ክብሪ ዋጋ መግብን ብሰንኪ ውግእ ዘጋጥም ምምዝባልን ከኣ ካብቶም ቀንዲ ሕርሻዊ እቶትን ማሕበራዊ ምሕስነትን ከንቆልቁል ዝጸልዉ ምዃኖም ኣብቲ ጸብጻብ ዝሰፈሩ እዮም።

ደርቂ፡ ዘይስሩዕ ዝናብ፡ ብጐንጽታት ዝዝረግ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን፡ ድማ ከም ፍሉያት ሃሰይቲ ምኽንያታት ኣቕሪብዎም። በዚ ጠንቂ ኣብ 2025  ኣብ ኬንያ 2.1፡ ኣብ ሶማሊያ 6.5 ሚልዮን ሰባት ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ምንባሮም ሓቢሩ፡ እዚ ኣሃዝ ኣብ 2026 ከኣ ክዛይድ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ጠቒሱ።

ጸብጻባት ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)ን ዓለምለኸ ገንዘባዊ ሕርሻዊ ትካል (IFAD)ን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ከምዘይኮነ ተሓቢሩ።  

መንግስቲ እስራኤል ካብ 17 ሚያዝያ 2026  ጀሚሩ ኣስታት 8 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ መደብ ከም ዘለዎ፡ ሚድል ኢስት ኣይ (middle east eye)፡ ዝተባህለት ትካል ዜና፡ ጋዜጣ እስራኤል ሃረተዝ ብምጥቃስ  ሓቢራ።

እዚ ዜና ዝተዘርግሐ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ባሕበራት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነዚ ብ2024 እውን ተወሲኑ ዝነበረ ምስጓግ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንከቋርጾ መጸዋዕታ ድሕሪ ምቕራበን እዩ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፈርዲ ናይ እስራኤል ሚኒስትሪ ኢሚግረሽንን ህዝባዊ ጉዳያት ንዘውጸኦ መደብ ምስጓግ እዩ ደጊፉ።

ካብዞም ናይ መንበሪ ፈቓድ ሕቶኦም ተነጺጉ ዝስጐጉ፡ ኣባላት ሕብረተሰብ ፍላሻ ዘይኮኑ 8,000 ኢትዮጵያውያን እቶም ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ተጋሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። እዞም ተጋሩ መብዛሕተኦም ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ናብ እስራኤል ዝኣተዉ እዮም ተባሂሉ።

ፓሎምቦ ዝተባህለ ብሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ እስራኤላዊ ኣካል ብወገኑ፡  ኣብ ጉዳይ ህዝብን ኢሚግረሽንን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳርን ምትሓዝ ስራሕን ወጻእተኛታት ዝግደስ በዓል መዚ መንግስቲ እስራኤል ፡ ድሮ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ኣትዮም ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሕጊ ፈጺሞም ዝበሎም ኢትዮጵያውያን ምእሳር ጀሚሩ ኣሎ ከም ዝበለ፡ ጋዜጣ ሚድል ኢስት ኣይ ብተወሳኺ ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ገለ ሰብኣዊ ትካላት ከም ሓድሽ፡ ኣንጻር እቲ ናይ ምስጓግ መደብ ናይ ምቅዋም ተበገሶ ክወስዳ ይዳለዋ ከም ዘለዋ’ውን ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ድሕረ ባይታ ከም ዝጠቐሶ፡ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ 2024 መሰረት፡ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ኢትዮጵያውን ብሰንክቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ንመላእ ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንቋዕ ጾመ-ልጋም  ፈትሓልኩም እንዳበልና ናይ ሓጎስኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ። ኣብዚ ዓመትዚ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ሃገርና ኣብ ሓደ እዋን ጾም ዝጀመረሉ ስለ ዝኾነ፣ ናይ መላእ ህዝብና ጾምን ጸሎትን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ  ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ  ምሕደራ: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ።

ሓጎስ፡  ቅሳነት፡ ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ 

ኣቦመንበር ፖሓኤ 

    

ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ክልል ሶማሊያ መስጦፌ ኣሕመድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ሓያል ምስሕሓብ ይፍጠር ከም ዘሎ፡ “ግሎባል ሳት (Global SAT)” ዝተባህለ ትካል ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እቲ ወጥሪ ዝተፈጥረ ኣብይ ኣሕመድ ንሙስጦፌ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት መዝነቱ ከውርዶ እዩ ዝብል ሓበሬታ ምስተሰምዐ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

እዚ ሓበሬታ ዝበጽሖ ሙስጦፌ ኣሕመድ፡ ምስ ናይ ክልሉ ካቢነ ኣብ ዘካየዶ ዕጽዊ ኣኼባ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡  “ኣብይ ነዓይ ካብ መዝነት ንምውራድ ዝሓስቦ ዘሎ ሓደገኛን ንኢትዮጵያ ዘፍርስን ክኸውን እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ንሱ ኣብ ልዕለይ ስጉምቲ ምውሳዱ ነዛ ሃገር ከፍርሳ እዩ። ንሕና ክልል ሶማሊያ ከኣ ክሳብ ትፈርስ ንዕጸው ዘይኮና ምርጫና ክንወስድ ኢና” ዝበሎ ብድምጺ መሊቑ ከም ዝወጸን ኢትዮፎረም ብዝተባህለ ዩቱብ  ከም ዝተቓለሐን ትካል ግሎባል ሳት ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

 ፕረሲደንት መስጦፌ ኣብይ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ተወሳኺ ቃል፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መስርሕ ዲሞክራስን ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ንተቓወምቲ ዘግለለ ዘይግሉጽን ዘይፍትሓውን መስርሕ ምርጫን   እምነትን ዕግበትን ከምዘየብሉ ምጥቃሱን እውን ተሓቢሩ። ህዝቢ ክልል ሶማሊያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር ብሰላማዊ ቃልሱ ከም ዘረጋገጾ ብምጥቃስ፡ ሶማሊያ ናታ ናጻ መንግስቲ እንተመስሪታ፡ ኣብ ዞባ ደገሃቡር ከም ዝምረጽ ርግጸኛ ምዃኑ ከኣ ኣፍሊጡ።

ናይዚ ምስሕሓቦም ጠንቂ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ናብዚ ደረጃ’ዚ ዝበጸሐ ግና ኣብይ ኣሕመድ ንሙስጦፌ ኣብ ናይ ሸውዓተ ዓመት ዕድመ ፕረሲደንትነቱ ካብቲ ኣብቲ ክልል ክዕመም  ዝነበሮ ስራሓት 2% ጥራይ እዩ ኣሳሊጡ ስለ ዝበሎ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነቲ ፕረሲደንት ብከምዚ ዝገለጾ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ከተማ  ጅጅጋ ምስ መራሕቲ ጅቡትን ሶማሊያን ኣብ  ዘካየዶ ኣኼባ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ18 መጋቢት 2026 ስሩዕ ኣኼባኣ ከም ዘካየደት ካብ ምምሕዳር ናይታ ጨንፈር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣባላት ኣኼባ ኣብ መእተዊ ብዛዕባ ብደረጅ ዞባ ይኹን ኣህጉር ዝረኣዩ ዘለዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብዝምልከት ሓበሬታ ከም ዝተለዋወጡ ተሓቢሩ።

 ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ኣኼባኣ፡ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝተመያየጠትሉ ዝሓላፉ ስረሓታ ምግምጋም ከም ዝነበረ እውን ኣብቲ  ዜና ተጠቒሱ። ኣብዚ ዛዕባ ኣኼባ ጨንፈር  በቲ ገምጋማ መሰረት ነቲ ሓያል ጐድና ዝያዳ ንምሕያልን ሕጽረታታ ድማ ንምዕራይ ተሳተፍቲ  ከም ዝተረዳድኡ እውን ተገሊጹ።

እቲ ካልእ ኣኼባ ዝተገደሰሉ ጉዳይ ብደረጃ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣብ መጻኢ ንክዕመሙ ዝተተለሙ መደባት ብምርዳእን  ብዛዕባ ዝትግበርሉ መደባት ምስራዕን ነይሩ። በዚ መሰረት ተሳተፍቲ እቲ መደባት ዘስርሕ ምዃኑ ብምግንዛብ ንምትግባሩ ድልውነቶም ከም ዘርኣዩ እውን ተሓቢሑ። ብዘይካዚ መጻኢ ስረሓት ጨንፈር ምስላጥ ብዘኽእል ኣገባብ ኣብ መሪሕነት ዳግመ-ስርርዕ ከም ዝገበረ ካብቶም ተሳተፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝለዓለ መዝነት ተዋሂብዎ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣሜሪካዊ፡ ነቲ ብሃገሩ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምቅዋም ሃንደበት ካብ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ።  እቲ ጆሴፍ ካንት ዝተባህለ፡ ኣብ ጸጥታ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸረ ራዕዲ ኮይኑ  ክሰርሕ ዝጸንሓ፡ ብ17 መጋቢት 2026 ኣብ ናይ X ገጹ ከም ዘስፈሮ ነቲ ውግእ ክዕዘቦ ከም ዝጸንሐን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ምስ ተረደአ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከም ዝወሰነን ምሕባሩ እታ ማዕከን ዜና ኣረዲኣ።

እቲ  ኣሜሪካዊ በዓል መዚ፡ ኢራን ንኣሜሪካ ስግኣት ኣይነበረትን ኢሉ ስለ ዝኣምን ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዝኸፈተቶ ውግእ ዝድግፍ ሕልና ከም ዘየብሉ ምስተገንዘብ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣሜሪካ ብሓያል ጐስጓስ እስራኤል ናብቲ ውግእ ተደፊኣ ከም ዝኣተወት ኣብቲ መሰናበቲ ደብዳበኡ ኣመልኪቱ።

ካንት ኣቐዲሙ’ውን ነቲ ኣሜሪካ እንደጋና ዓባይ ምግባራ (MAGA-Make America Great Again)” ዝብል፡ ፖሊሲ ትራምፕ ዘይድግፍ  ኮይኑ፡ ትራም ንካለይ ዙር ናብ ፕረሲደንትነት ኣሜሪካ ካብ ዝመጽእ ካብ መዝነቱ ዝለቅቕ ዘሎ ቀዳማይ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኑ ኣሎ። ምስዚ ከኣ ብዙሓት ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ኣሚሪካ’ውን ኣብቲ ናብ ውግእ  ኢራን ኣእትዩ ኣናተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ መርተዖታትን ኣሰራርሓ ምምሕዳር ስለያን  ዘይዕጉባት ምዃኖም ክጠቕሱ ጸኒሖም እዮም። ጆ ኬነት ኣባል ፍሉይ ሰራዊት ኣሜሪካ ኮይኑ 11 ግዜ ኣብ ውግእ ዝተሳተፈን በዓልቲ ቤቱ ኣብ ውግእ ዝሞተቶን ምዃኑ ድማ ድሕረ-ባይትኡ የመልክት።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ንስንብታ ጆ ኬንት ጽቡቕ እዩ” ድሕሪ ብምባል፡ ኣብ ስለያ ድኹም ምንባሩ ዘመልክት እዩ ኢሉዎ። ምሳና እናሰርሑ ኢራን ስግኣት ኣሜሪካ ኣይነበረት ዝብሉ ዘይብቑዓትን ኣርሒቖም ዘይርእዩን ብምዃኖም ኣየድልዩናን እዮም ከም ዝበለ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ብሰንኪ ውግእ ኣብ ግዝኣት ኒያላ ዝሰዓበ ዕንወት ካብ ዘርእዩ

ዓለም ለኻዊ ተሓላቒ መዲያን ሰዳናዊ ሕጋዊ ሓጋዚኡን ብጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን፡ ኣብ ደቡብ ዳርፎር ኣሲርወን ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጣኛታትን ነጠፍትን ንክፈትሐን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። እዚ መጸዋዕታ ዝቐረበ ኣብቲ ከባቢ ጃምላዊ ማእሰርትን ምስዋርን ኣብ ዝሓየለሉ እዋን እዩ።

ዓለምለኸ ኮሚቲ ምክልኻል መሰል ፕረስ (CPJ)  ብወገኑ ካብ ኒውዮርክ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ሪፖርተራት ሬድዮ ግዝኣት ኒያላ ዝተፈጸመ  ኮይኑ፡ እተን ግዳያት ሪፖርተራት ማዋህብ ኢብራሂምን ዛህራ መሓመድ ኣል ሓሰንን ዝተባህላ እየን። ከምኡ እውን ኣቕራቢት መደብ ኢሽራቕ ዓብደራሕማን ምስኣተን ዝተኣስረት ምዃና ተጠቒሱ። እተን ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጋዜጠኝነት ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ኒያላ ድሕሪ ምስታፈን ከም ዝተኣስራ’ውን እቲ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ትካል ፕረስ ኣፍሊጡ።

ሳራህ ኳዳ ዝተባህለት ናይቲ ተጣባቒ ትካል ዳይረክተር፡ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ስጉምቲ ምውሳድ ከቋርጽ ጸዊዓ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ሓበሬታ መጋደዲ ህውከት ከይከውን ኣብ ምግዳብ ግደ ከም ዘለወን ኣፍሊጣ። በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነበርቲ እቲ ከባቢ እተን ግዳያት ኣብ ከተማ ኒያላ ኮርያ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ሕጊ እየን ተዳጒነን።

ነቲ ጸብጻብ ማእሰርቲ ዝመዝገበ ጉጅለ ጠበቓታት ሱዳን ብወገኑ ብዘይካ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ሪፖርተራት ማእሰርቲ፡ ዶር ማናሀል ሙስጡፋ ኣል ሳነውሲን ኢዝደሃር ዓብደል ሞነዕምን ዝተባህሉ ፍሉጣት ሰባት ዝርከብዎም ካለኦት እሱራት ከም ዘለዉ’ውን ኣቃሊዑ። እቲ ጉጅለ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ  ዝቆጻጸሮ ከባብታት መስርሕ ፍትሒ ስለ ዘየለ እቶም እሱራት ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ ስግኣቱ ኣስፊሩ።

እቲ ዜና፡ ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝተኣስሩ’ሞ ፍትሒ ዘይረኸቡ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሱዳን ብድሕሪ እቲ 2023 ዝጀመረ ውግእ ሕድሕድ ብደረጃ ዓለም ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ካብ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ ኮይና ዘላ እያ።

  • ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሰርዖ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ14 መጋቢት 2026 ምስ ኣባላት ሰልፊ ተኸታታሊ ኣኼባታት ኣካይዱ። ኣብዚ ንተሳተፍቲ ዝጥዕም ሰዓታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተኻየደ ኣኼባታት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ፡ ኤርትራን ዞባን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
  • ኣብ መግለጺኡ ዝያዳ ካብ ዘተኮረሎም ዛዕባታት፡ ክልተ ዓመቱ ዘሕለፈ ፈኸራ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዝምልከት ህዝቢ ግቡእ ግንዛበ ንክረክብ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣዝዩ ድኹም ምህላዉን ሰዲህኤን ካለኦት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ውግእ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምርዳእ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርህታት ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ኩነታት ሱዳንን ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ተለዋዋጥን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን’ውን ኣረዲኡ። ኣብዚ እዋንዚ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሕግታትን ውዕላትን እናተጣሕሱ፡ ሓይልን ዓመጽን ልዕልና ይሕዝ ምህላዉ ዘሻቕል ዘሎ ተርእዮታት ምዃኑ’ውን ኣገንዚቡ።
  • ብፍላይ ንምንቅስቓስ ሰዲህኤ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ዝያዳ ቆላሕታን ኣተኩሮን ብምሃብ ኣብ ዝጠቐሶ ከኣ፡ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝግበኦም ተግብራት መጽናዕቲ ክካየድ ከም ዝጸንሐን ናብ ምትግባሩ ንምእታው ወጺኡ ብዛዕባ ዘሎ ትልምታትን ኣብሪሁ። ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ትልሚ ብምትግባር ዝሓሸ መጻኢ ንምርኣይ ድሉዋት ንክኾኑ ጸዊዑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝዳለው መደብ ባህግና፡ ብመንገዲ ኤሪሳት ናብ ኤርትራ ይበጽሕ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ቀጻልን ኣድማዕን ንክኽውን ከኣ ኣተባቢዑ።
  • ከምኡ ከኣ ከም ኣካል ምድላው ን5ይ ጉባአ ሰዲህኤ፡ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘት፡ ሓጻይት ሽማግለ መደባታት ሰሪዓ ስረሓ ጀሚራ ከምዘላ ጠቒሱ ኣባላት ንክተሓባበርዋ ኣተሓሳሲቡ። ንጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዝምልከት ከኣ ነቲ ጉዕዞ ንምብራኽን ምስፋሕን ብመጽናዕቲ ናይ ምስናዩ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይ ኣበርክቶኡ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ መብርሂ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣቦመንበር ዝጠቐሶ ዛዕባታትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ንዘቕረብዎም ሕቶታት መልስን መብርህን ተዋሂቡ። ዝቐረቡ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ከኣ ተመዝጊቦም። ድሕርዚ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባታት፡ ኣብዚ ቅልጡፍ ምቅይያራት ዝረአየሉ ዘሎ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሰሰለስተ ኣዋርሕ ዝጋባእ መደብ ርክብ ኣባላት ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ቀጻሊ ክኸውን ከኣ ተላብዮም።  

ኣቦመንበር ኣኼባታት ኣብ ዝደምደመሉ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ኮይኑ ምጽንሑ ደጊሙ ብምምጓስ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝተፈላለየ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ንምብዳህ  ኣበርክቶኦም ኣሕይሎም ክቕጽሉ ኣዘኻኺሩ።

ከጀቲል ትሮንቮል ዝተባህለ ተመራማሪ ጐንጽን ሰላምን ኣብ ሓድሽ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ፡ ኣናዶሉ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ እንተዓሪጉ ካብ 10 ክሳብ 15 ሃገራት ኢደን ዘእትዋሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ተመራማሪ፡ ኤርትራ ዝሓለፈቶም ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ምዕራፋት ብምድህሳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ 30 ዓመታት ከም ዝተቓለሰት ጠቒሱ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብወደብ ዓሰብ ምጥቃም ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998-2000 ዝተኻየደን ህይወት ኣሸሓት ዝሃለቕሉን ውግእ ከም ዝተቋረጸ ኣስፊሩ። ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2018 ንቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክተግብሮ እየ ብምባሉ፡ ንሽልማት ኖበል ሰላም ዘብቀዖ ሰላም ተፈጢሩ ነይሩ ኢሉ። ደሓር ግና ውግእ ትግራይ 2020-2022 ተኸቲሉ እቲ ሃዋህው ሰላም ከም ዝተዘርገን ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ከተቕርብ ብምጅማራ መሊሱ ከም ዝተጋደደ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ብዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ውግእ እንተጀሚሩ፡ ካብ 3 ኣህጉራት ካብ 10-15 ሃገራት ዝሳተፋሉ ኢድ ኣእታውነት ክፍጠር ይኽእል እዩ  ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ኩነታት ምስ ተመኩሮ ውግእ ኮንጎ ብምዝማድ “2ይ ውግእ  ዓለም ኣፍሪቃ” ዝብል ስያመ ብምሃብ፡ ኣብቲ ጽሑፉ ገሊጽዎ’ሎ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዝጀመረ ድሕሪ ውግእ 1998-2000 እኳ እንተኾነ፡ እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ዝተጋደደ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ  እዩ ከኣ ኢሉ።

እቲ ወጥሪ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ዝበጸሐ፡ ኢትዮጵያ ብ2024 ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ሕቶ ምስ ኣልዓለት እዩ ዝበለ እቲ ፕሮፌሶር፡ ናብዚ ዝደፈኦ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝስለፉ ክሕግዝ ምስ ጀመረ እዩ ይብል። እቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2025ን መጀመርታ 2026ን  ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፈቶ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት፡ ኤርትራ በዓል ፋኖ ኣምሓራን ህወሓትን ብምዕጣቕን ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዘይምውጸኣን ከም ዘሻቕሎ ዘመልክት’ዩ ክብል’ውን ገሊጹ።

ፕሮፌሶር ትሮንቮል፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝኽፈት ውግእ፡ ካብኣተን ሓሊፉ ንዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠንቂ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ። ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይን ዶብ ኤርትራን ብብዝሒ ሰራዊት ምእካብ ሓደገኛ ምልክት ብምዃኑ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት፡ ውግእ ንከይክፈት፡ ኤርትራ ካብቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ባሕሪ ንከተልዕል ከም ምኽንያት ተቕርቦ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ክትቁጠብ፡  ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ተርእዮ ዘላ ወተሃደራዊ ምልዕዓላት ንከተቋርጽ ዲፕሎማሲያዊ  ተጽዕኖኦም ንከሕይሉ ጸዊዑ።

ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ ቦታታት ሓደ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡  ጋሞ ኣብ ዝተባህለ ዞን፡ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ዘኸተሎ ምህማም መሬትን ሕያል ውሕጅን፡ 5 ኣባላት ሓደ ስድራቤት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ እቲ ሓዳጋ ናይ ዘጋጠመላ ወረዳ ጋጫ ባባ ኣመሓዳሪ ኣቶ ብሩክ ቡጻ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ 11ን 12ን መጋቢት 2026 ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ 70 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 120 ዝኾኑ ከኣ ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ እታ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሎጣ።

ናይቲ ዞና ኣመሓዳሪ በቲ ምህማም መሬት ካብ 4 ወረዳታት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 3 480 ግዳያት ብመንግስቲ ናይቲ ክልል መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረብን ዝምልከት ዝተወሰነ ህጹጽ ረዲአት’ኳ እንተተዋህበ፡ ናይቶም ዝሙቱ ግዳያት ኣስከሬን ንምውጻእን ናይቶም ሃለዋቶም ዝጠፈአ ኩነታት ንምጽራይን ዘኽእል ናይ መሳርሒ ሓገዝ ግና ከምዘይረኸቡ ጠቒሱ።

ናይቲ ዞና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓደጋት ስግኣትን ኣቶ መስፍን ብወገኑ፡ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ሰፊሕን ንመራኸቢ ዘይምችእን ብምዃኑን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ግቡእ ጸብጻብ ስለ ዘይቀረበ ናይ ዝሞቱ፡ ደሃዮም ዝጠፈአን ዝተመዛበሉን ሰባት ቁጽሪ ካብቲ ዝተጠቕሰ ክዛይድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ክልል ደቡብ አቶ ጥላሁን ከበደን ዶር ደምሴ ኣድማሱ ዝተባህለ ኣመሓዳሪ ዞና ጋሞን ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብኣካል  በጺሖም ነቲ ኩነታት ከም ዝተዓዘብዎን ንቤተሰብ ግዳያት ከም ዘጸናንዑን እውን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ከም ዝኣወጀ ከኣ ተፈሊጡ።