ኣብ ዓለምና ንዝጎደለ ዝምልእ፥ ንዝበለየ ዘሕድስ፥ ንዝተሰብረ ዝጽግን፥ ንዝፈረሰ ድማ ዝሃንጽ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ብዙሓት ኢዮም። በኣንጻሩ፥ ብእንጻር’ዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ዝሰርሕ ጥዑይ ዘይኮነ ኣእምሮ ዘለዎም’ውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። እዚ ጥዑይን ዘይጥዑይን ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ነናቶም ባህርን ጠባያትን ክህልዎም ድማ ናይ ግድን እዩ። ካብዚኦም ከኣ ንምዕብልናን ብልጽግናን ዝሓስቡን፥ ህውከትን ዕግርግርን ዝፈጥሩን ኣለውዎም።
እዞም ተጠቒሶም ዘለው ባህርያት ማለት፡ ዓለምና ብኽልተ ተጻረርቲ ዝቖመት ምዃና እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ ጻዕዳ እንተልዩ ጸሊም ይህሉ፥ ብርሃን እንተልዩ ጸልማት ይህሉ ማለት እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ክቐርብ እንከሎ፥ ናቱ ተጻራሪ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ከምዘሎ ክንርዳእ ኣሎና። ነዚ ተጻራሪ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ምስቶም ተጻራሪ ርእይቶ ዘለዎም ሰባት ኣብ እንረዳደኣሉን እንካን ሃባን ኣብ እንብለሉን ግዜ፥ ንናይ ሓሳብካ ምግላጽ ማዕርነትን፥ ናይ ምድምማጽን ኣገባብ ክንክተል ይግበኣና። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ነቲ ክልተ ዝተፈላለየ ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ብናተይ ይበልጽ፥ ወይ ንምክልኻል ኣብ ዝብል ሙጉት ዘይኮነስ፥ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ብፍልጠትን ኣእምሮኣዊ ብስለትን ቀሪብካ ነቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ናይ ኩልኻ ረብሓ ብዘውዕል እወንታዊ ፍታሕ ንምብጻሕን ክንዋሳእ ይግባእ። ብተወሳኺ እውን እቲ ኣቀራርባናን ርክባትናን ንሓዲሽ ሓሳባት ዝቕበል መንፈስ ክህሉን፡ ንዓኡ ንምህብታም ዝግበር ምጉትን ኣብ ግምት ብምእታው፥ “እዚዶ ንዝሓሰብክዎ ክኾልፈኒ ወይ ግጉይ ኰይነ ከቕርበኒ” ካብ ዝብል ብደዓዊን፥ መን ከማይን ናጻ ኮይና ኣብቲ ዝቐርብ ሓሳብ እምበር መን የቕርቦ ኣሎ ዝብል ገዲፍና ክንዋሳእ ከለና ናይ እወንታዊ ባህሪ፡ ቅኑዕ ልቦናን ብልህነትን ዘልዎም ሰባት ምልክት እዩ።
እቶም ንምፍራስ ዝተዓጥቁ ሰባት ነቲ ዝሓዝዎ ዕላማ ኣብ ተግባር ክቕይርዎ ከለዉ፡ ዘቕርብዎ ሓሳብ ነቲ ንሕናን ንሶምን ዝብል እዮም ብዝያዳ ንቕድሚት ዘምጽእዎ። እዚ ነቲ ናቶም ሓሳብ ወይ ርእይቶ ዝያዳ ትዂረት ብምሃብ ነቲ ናይ ካልእ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ክስዕርዎን ክጭፍልቕዎን እምበር፥ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ካብዚ ናተይ ይሓይሽ ይኸውን ኢሎም ንኽመራመሩሉ ዝብል ሕልና ፈጺሞም ኣየዘውትሩን። በዚ መሰረት ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይኹን ርእይቶታት ጥቕሙን ጉድኣቱን መምዮም፥ ንረብሓ ኩሉ ዝኸውን ናይ ሓሳብ ምቅርራብ ብዘተኣናግድ ኣገባብ ምጥቃም፡ ናይ ድሌትን ምትብባዕን ሸውሃት የብሎምን። እዚ ዘይምህላው ድማ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልያት ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣህሲሱ፥ ነቲ ክብርታት ዲሞክራሲ ንምግንዛብ ይኹን፥ ነቲ ዝግበር ምቅርራብን ልዝባትን’ውን እንተሃለወ፥ ሃናጽን ናይ ሓባር ዕላማታት ንምዕዋት ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ንምውናን ይዓግት። እዚ ባህሪ እዚ እዩ እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ይኹን ወይ እውን ንናይ ብዙሓት ሰልፍታት ኣብ ናይ ሓሳባትን ርእይቶታትን ድሌታትን ግቡእ ቆላሕታን ኣድህቦን ከይተዋህቦ ንምምሕዳሩ ዘሸግርን ናይ ሓሳባትን ርእይቶን ሓድነት ተሳኢኑ ኣብ ምፍንጫል ገጹ ዝምዕብልን።
በኣንጻሩ እቶም ንዝተፈላለዩ ርእይቶታት ተቐቢሎም ኣእምሮ ዝመልኦ ኣገባብ ተኸቲሎም፥ ኣብቲ ናይ ርእይቶታት ፍልልይ ተጻራሪ ክትዓት ወይ ምጉት ዕሙቕ ዝበለ ትኹረት ይገብሩ፡፥ ካብዚ ነቒሎም ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት ብኹሉ ጎድንታቱ ብርትዓዊ ኣገባብ ምርድዳእን፥ ሕድገታትን ብምግባር ንኹሉ ዓወት ዘጎናጽፍን ኣብ ማእከላይ ፍታሕ ዘብጽሕን መስርሕ ይኽተሉ። ስለዚ እዩ ድማ ምስቶም ብሓሳብን ብርእይቶን ዘይሰማምዕዎም ሰባት ብርትዓዊ ዝኾነ ኣቀራርባን ምድምማጽን ዝዓሰሎ ክትዓት የካይዱ። ከምዚ ዝዓይነቱ ክፉት ልቦና ዝመልኦ ክትዓት፡ ውጽኢት ብዝህብ ኣገባብ ንዝተፈላለዩ ርእይቶታት ካብ ፍልጠትን፥ ኣእምሮኣዊ ብስለትን ነቒሎም ኣብ ንኹሉ ዝዕግብ ፍታሕ ዝሰማምዑ። እዚ ድማ ከምቲ ስዋሚ ቪቨካናንዳ ዝበሎ፥ (ካብ ጉጉል) “ሓያልነት ናይ ኣእምሮ ልክዕ ከም ናይ ጸሓይ ጩራታት እዩ። ኣብ ሓደ ምስ ዝእከቡ ብርሃን ይህቡ ይብል።”
ብቕኑዕን ብሱልን ኣእምሮ ንዝኾነ ይኹን ኣትኩሮ ክትገብረሉ እንከሎኻ ኣብ ዘየድሊ ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ኣይትሕምብስን ኢኻ። እንታይ ደኣ ነቲ ብዝያዳ ንኹሉ በሪሁን ጎሊሁን ንኽረአ ዝኽእል ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣብ ምቕራብ ኢኻ ተድህብ። ከምዚ ዝዓይነቱ ቅኑዕን ኩሉ ክርደኦ ብዝኽእል እወንታዊ ሚዛንን ንምሃብ ኣብ ተድህበሉ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ሽግራት ወይ እውን ፍልልያት ብናይ ሓድሕድ ሰናይ ድሌታትን ዕጋበትን ንምምላእ ዘዕውት ይኸውን።
ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን፥ ብናይ ሓሳብ ወይ ርእይቶታት ፍልልይ ክንረሓሓቕ ንኽእል ኢና። ነዚ ናይ ሓሳብ ምርሕሓቕ ግና ከመይ ገርና ኣብ ናይ ሓባር ሓሳብ ከም ዝሰጥም ክንገብሮ እንተዘይክኢልና ናይ ውድቀት ምልክት እዩ ክኸውን። እዚ ምስቲ ናይ ሓደ ጥርሙዝ ነቲ ናይ ጸሓይ ጩራ ኣብ ሓደ ማእከል እንተምጺእካዮ ዘቀጻጽል ሓዊ ክፈጥር ዝኽእል ተምሳል ኢዩ። እዚ ጩራ ጸሓይ እዚ ካብቲ ማእከል ናይቲ ጠርሙዝ እንተኣርሒቕካዮ ወይ ኣዚኻ እንተቕሪብካዮ ነቲ ክፈጥረልካ እትደልዮ ሓዊ (ብርሃን) ኣይክትረኽቦን ኢኻ። እዚ እንታይ የመልክተልና፡ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ኩሉ ብዝሕነት ቋንቋ፥ ሃይማኖትን፥ ኣውራጃን ብሓንቲ ሃገረ ኤርትራ ኢና እንውከል። ነዚ ብዙሕነትና ካብቲ ማእከላዊ ሃገራዊ መለለይና ብዘውጽእ ኣጠቓቕማ ክንጥቀም እንተተበጊስና፥ ኣብ “ንሕናን ንሳቶምን ክንጽመድ ምዃንና ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ኣብነት ደገፍትን ተቓወምትን፥ ገዲምን ሓዲሽን፥ ዓበይትን መንእሰያትን፥ ወዘተ ብዝብል ምስ እንፈላለ፥ ልክዕ ከምቲ ጮራ ጸሓይ ካብቲ ማእከል ኣዚና እንተርሒቕናዮ ወይ እንተኣቕሪብናዮ ብርሃን እንስእን፥ ንሕና ውን ብሰንኪ እዚ “ንሕናን ንሳቶምን” ምብህሃል ባና ሓርነት ክሕርመና ኢዩ። ስለዚ ነዚ ንሕናን ንሳቶምን ዘብል ገዲፍና ኣብ ማእከል ኣምጺእና ምልኪ እንስዕረሉ ዓወት ንኽንጎናጸፍ ክንበቅዕ ይግበኣና።
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ወትሩ ኣዘራራቢ እዩ። ኣብ ኣርበዓታት ኣዘራራቢ ነይሩ። ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተጣሒሱ፡ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ምስተጠልመ ኣብ ግዜ ዘውዳዊ ስርዓት ኮነ ኣብ ግዜ ደርግ እውን ኣዘራራቢ ጥራይ ዘይኮነ ደም ዘፋሰሰ ነይሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርግን ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን እውን፡ ኣብ መስርሕ ረፈረንድም፡ ኣብ ግዜ ናቕፋዶ ብር ምጥቃም፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ከኣ ካብ ኣዘራራብነት ሓሊፉ ናብ ኣስካሕካሒ ምፍሳስ ደም ዓሪጉ፡ ህይወት ብዙሓት መላምል ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ቀዚፉ።
ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ዘይናይዶብ ክነሱ “ናይ ዶብ ዝተጠመቐ” ባእስን ምስሕሓብን ናብ ዓለም-ለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ተመሪሑ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ምስ ተዋህበሉ እውን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ምስ በኾረ፡ እቲ ኣዛራብነት መልክዕ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሒዙ ቀጺሉ። ሎሚ ድሕሪቲ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ምስተባህለ እውን፡ ካብ ኣዘራራብነት ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ኣይሰላም ኣይውግእ ዝተሰግረሉ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዝውሰድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ንቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ” ኢሎም ዝብል እዩ። ኣብዚ ናይ ኣፍ ምቕባል ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ትርጉም ከም ዘየብሉ ምስትብሃል የድሊ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምኡ ምስተባህለ ጭራኡ ሰልሰል እንዳበለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ “ንቕበሎ ኢና” ምባልን ኣብ መንጎ “ምትግባርን” ዘሎ ርሕቀት ጣፊእዎ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ ቃል ክዓጽፍ ቅሩብ ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ድሕሪኡ ዝተኸተሎ ካብቲ ንዶብ ዝምልከት ዛዕባ ናይ ምህዳም ተግባሩ ከኣ ነዚ እዩ ዘነጽር።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ተቐቢሎም። ካብቲ ነዚ ኣብቂዕዎም ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ተግባር ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክረጋገጽ ዝገበርዎ ኣበርክቶ እዩ። ካልእ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ምስፋሕን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምርግጋግ ክፍጠር ኣስተዋጸኦ ምብርካትን እውን ከም ተወሳኺ ምኽንያታት ነቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ክዝርዘሩ ተዓዚብና። ብዛዕባቲ ካልእ ምኽንያታት ከይሰፍሓና ኣብዚ ንዛረበሉ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ዝብል ግና ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ብርትዓዊ ዓይኒ ንዝርኢ፡ ሸፈጥ እምበር፡ ፈጺሙ ጠላሕ ዝብል ምኽንያት ኣይኮነን።
ምናልባት ዝያዳ ርትዓውያን ንምዃን፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መወዳእትኡ ዘይተፈልጠ መስርሕ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ፡” እንተዝበሃል’ኳ ዝሕሸሉ መተባህለ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብይን ኣብ ተግባር ከይወዓለን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ከይወጸን፡ ነቲ መስርሕ ሰላም በሲሉስ ንሽልማት ናይ ሰላም ኖበል ከም ዘብጸሐ ጌርካ ምቕራቡ፡ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ፍትሓውነት ናይቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዝህብ ገዚፍ ስም ዝተስከመ ነርወጃዊ ትካል’ውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ከም ዝተረጋገጸ ንምሕባር ከም ኣብነት ዝጥቀሱ፡ ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣፍልብኻ እንዳወቓዕካ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ናብ ኣስመራ ምጋሽ ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምምልላስን ተነፋፊቖም ዝነበሩ ምርኻብን እውን ከምኡ። እንተኾነ እዞም ዝተጠቑሱ ተርእዮታት ከም ዝተኸስቱ’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ውሕስነትን ትካላዊ መልክዕን ሒዙን ረብሓ ህዝቢ ዝማእከሉን ሰላም ከምዘየለ ኣፍካ መሊእካ ዝዝረበሉ እዩ። እቲ ኣብ ዶባት ዝረአ ዘሎ ሎሚ ከፊትካ ጽባሕ ናይ ምዕጻው ተግባር ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።
እቲ ናይ ቀደም ንታሪኽ ገዲፍና፡ ናይዚ ዳሕረዋይ ናብ ምዝራግ ሰላም ኣብጺሑ ዝተባህለ “ጉዳይ ዶብ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባእሲ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ከምቲ ግቡእ ከኣ ናብ ዘተኣማምንን ንምሽላም ዘብቅዕን ሰላም ንምብጻሕ ነዚ ብዙሕ ደም ዘፍሰሰ ዓብይ ዛዕባ ብምውጋን ክጅመር መተገበአ። ብግብሪ ግና ኣይኮነንዶ ክውገን ፈጺሙ ኣብ ዝተረሰዓሉን ብዛዕባኡ ምዝራብ ገበን ኣብ ዝኾነሉን እዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኣማምን ሰላም ተረጋጊጹ ዝበሃል ዘሎ። እቶም ከምስሉ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ዝበሉ መራሕሪ ኢትዮጵያ እውን ብድብድቡ ንዲክታተር ከመላኽዑ እምበር፡ ናይቲ ዝኣተውዎ ቃል ከተግብሩ ፍሑኽ ኣይበሉን።
ኣብዚ መስርሕ ሰላም፡ ዲክታቶር ኢሳይያስን መራሒ ኢትዮጵያን ነናቶም ሕሳባት ክነብሮም ይኽእል። እንተ ብሕሳብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ሰላም ኣይመጸን። ሎሚ እውን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብቲ ዶብ ካብ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ተሓቢኦም ብጸልማት እዮም ብትግራይ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለዉ። ብወገን ኢትዮጵያ እውን ኩሎም እቶም ምስ ኤርትራ ዝዳወቡ ኢትዮጵያውያን ስኽፍታኦም ኣብ ዘውድቕሉን ቀሲኖም ዝንቀሳቐስሉን ህይወት የለዉን። ስለዚ እታ ካብ ኩነታት ምህዳእ ሓሊፋ ክሳብ ምሽላም ኖበል ዘብጸሐት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም መርተዖ ምቕራብ ኣዛራቢ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ልቦም ድዮም ወይ ንምጥባርን ንምእዳብን፡ ነዚ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ንክረኽቡ ካብ ዝሓገዞም ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅሩብነት ምንባሩ ኣብ ኣደባባይ ክገልጹ ሰሚዕና። ኢሳያስ ግና ባዕልና ከም እንፈልጦ፡ ሰላም ዘይበቑሎ ምድረ-በዳ ሕልና ዝውንን ሰብ እዩ። ሓቀኛ ትርጉም ሰላም ዝርዳእ እንተዝኸውን ከኣ ቅድሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም መፈጠረ። ደሓር ነቲ ዲክታቶር በቲ ሓደ ወገን ከም ዘራግን ኮራይን ኣንዳሓመይዎስ፡ ከም ናይ ሰላም ሰባኺ ክጠቕስዎ ዘይመስል እዩ። ዘይሩዘይሩ ግና እዚ ተረኽቦ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ “ ነቲ ቀንዲ እትምዘነሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣበሳኻ ሓቢእካ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዘርኣኻዮ ወደኽደኽ ኣይኮነን” ዝብል’ዩ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ብኣበርክቶ ብክልተ መራሕቲ ዝመጸ ሰላም ንክልቲኦም ዘይሸለምሉ ምኽንያት ኣይመሃለወን።
ህጹጽ ጻውዒት ንመንግስቲ ሱዳንን ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን
Friday, 13 December 2019 12:11 Written by ብተቓወምቲ ውድባት ኤርትራዕለት፡ 13/12/2019
ናብ ዝኸበርኩም ወከልቲ፡
ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ሱዳን፡
ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሱዳን (COR)፡
ላዕለዋይ ባይቶ ንሰብኣዊ ዕብየት፡
ሚኒስተሪ ዕዮን ማሕበራዊ ዕቤትን ሱዳን፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ሰዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንጎ፡ የመንን ሱርያን ካብ ነፍስ ወከፎም ብሓደ ሰብ ተወኪሎም ዝተሳተፍዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ብ30 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኻርቱም፡ ሱዳን፡ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ሰበ-ስልጣን ሱዳንን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ስደተኛታት ብዘይካ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዳያት፡ ኣብ ካልእ ልክዕ ከም ዜጋታት ሱዳን ክሰርሑ ከምዝኽእሉን ናይ ስልጠናን ምልመላን ዕድል ክውሃቦምን ኣብ ስምምዕ በጽሑ። ነዚ ስምምዕ’ዚ ብወግዒ ናብ ዝምልከቶም ስደተኛታት ብዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ኣገባብ ከየብጽሑን፡ ዘድሊ ስልጠናታት ከይሃቡን፡ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ናይ ስራሕ ፍቓድ (ብጣቓት ኣልዓመል) የብልኩምን እናበሉ፡ ነቶም ካብ 2000 ዓ.ም ኣትሒዞም ናይ ኢሚግረሽን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ከይተረፉ፡ ካብ ጽርግያታትን ካብ ኣብያተ-ስርሓቶምን ክገፍዎምን ክኣስርዎምን ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ጥራሕ ከይኣክል፥ ነቶም ዝገፈፍዎም ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ካብ 50,000 ክሳብ 100,000 ጅኔ እናኽፈሉ ክወጹ የገድድዎም ኣለዉ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ፖለቲካውን ሲቪላውን ሓይልታት፣ ነዚ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ዝወስድዎ ዘለዉ፡ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ደው ከብልዎ፣ ነቶም ካብ ስርሖም ዝተወስዱ ስደተኛታት ናብ ስርሖም ክመልስዎም፣ ነቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ከለዎም ዝተገፉ ድማ ከም ስደተኛታት ክነብሩ ንዝተዋህቦም መሰል ብምኽባር፣ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፈትሕዎም፣ ነቶም ስልጠና ዝግብኦም ናብ ዝስልጥንሉ ትካላት ከዋፍርዎምን ካብ ማእሰርቲ ንመውጽኢ ተባሂሉ ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክመልስሎምን ኣትሪርና ንሓትት።
ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ነቲ ምስ ሰበ-ስልጣን ሱዳንን ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ዝፈጸሞ ስምምዓት ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉን ዘይምህላውን ክከታተልን ነቶም ዝግፍዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጣበቐሎምን ነማሕጽን።
ህዝቢ ሱዳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግዜ ሽግሮም ብዝፈጸምዎ ልግስን መስተንግዶን፡ ካብ ኣእሙሮናን ታሪኽናን ክሕከኽ ስለዘይኽእል፡ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ሕውነታዊ ዝምድና’ዚ ዘደልድል ፖሊሲታት ክኽተል እናጸዋዕና፣ ሱዳን ንኤርትራውያን ካልኣይቲ ሃገሮም ኰይና ከምእትስምዖም ከነረጋጸሎም ንፈቱ።
ምስ ዕዙዝ ኣኽብሮት !!
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)
ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓዲለ)
ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፥ ፖለቲካዊ ፍልጠትና ትሑት ካብ ብምዃኑ ዲዩ ወይ እቲ ኣተሃላልዋና ዓጊቱና እንታይ ገደሰኒ ዓብሊሉ። እቲ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ዘይምፍላጥን ኣግሂድና ዘይምዝራብን ዲዩ ነቲ ፍልልያት ከነጋፍሕ እምበር ከነጻብብ ዘይንሰርሕ ዘለና። ፖለቲካዊ ኣፍልጦ እንተዝህልወናኸ እንታይ ገደሰኒዶ ወይ እውን እቲ ፍልልያትና ዓጊቱና ክንብል ንኽእል። ሓውካን ሓብትኻን ብኽፉእ እናጠፍኡኸ ናባይ ጥራይ ኣይምጻእ እምበር እንታይ ገደሰኒኸ የብልዶ። ነዚ ኩሉ ዝኸይድ ዘሎ ክፉእ ተግባራትከ ብዓገብ ብምባል ጥራይ ይዕገትዶ።
ኩሉ እንተታት ኣኻኺብካ፡ ነቲ ዘሎ ጭካኔ ዝመልኦ ምሕደራ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ነዚ ካብ ፈለጥና ድኣ ስለምንታይ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ዘይከኣልና። ማለት ነዚ እናጸንሐ ኣደራዕ ዘውርድ ዘሎ ስርዓት ኣወጊድና ሰላም፡ ቅሳነት ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ክንምስርት ከምዘሎና ዘየሰማምዕ እንታይ ኣሎና። ዝጎደለና ነገር እንተልዩኸ ንኡኡ ፈሊጥና እንታይ ክነመሓይሽ ኣሎና ኢልና ከም ሰብ ክንሓስብ ዝዓግተና ጉዳይከ እንታይ ስለዘሎ ኢዩ። ብርግጽከ እቲ ናብ ቅኑዕ ጎደና ከኺደና ዝኽእል ሓባሪ ካርታ ፈጢርና ነቲ እንደልዮ ለውጢ ከይነረጋግጾ ዘስገኣና ነገር ኣሎ ዲዩ። ማለት ነፍሲ ወከፍና ድሕሪ ለውጢኸ እንታይ እዩ ውጽኢተይ ምስ ዝብል ውልቃዊ ረብሓ ዲና ነተእሳስሮ ዘሎና። ወይ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ተሸኺልና ብሕጂ ዝፍጸም ምንቅስቓሳትን ሓሳባትን ከኸትል ዝኽእል ስግኣታት’ዩ ክንድዚ ዘረሓሕቐና ዘሎ። ንሱ እንተኾይኑ ድኣ ስለምንታይ ብግልጺ ምግላጽን ካብኡ ንምድሓን ዘኽእል ውሕስነት ዘለዎ ኩነትን ስምምዓትን ክንፈጥርን ህርድግ ዘይንብል፡ ኣብ ክንዲ ጸጸኒሕና እነኮማስዖ።
ሎሚ፥ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ምእንቲ ሰላም፡ ቅሳነትን ምርግጋእን ሃገርናን ህዝብናን ዝተኣማምን ክኸውን፥ ካብ ንናይ ውልቀ ረብሓ ዝግበር ተግባራት ምቚጣብ የድሊ። እዚ ማለት ነቲ ምስ ኩሉ ፍልልያትና ሓቢርካ ናይ ምንባርን፥ መሰል ኩሉ ዜጋ ናይ ሓድሕድ ምኽባርን፥ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኽና ሓድነትና ዝድልድለሉ ጐደና ምኽታል ቀንዲ ጉዳይና እዩ። ቀጺሉ እውን ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ብትሕብባርን ዝጥጣዓሉ ኣገባብ ምእንቲ ክፍጠር፡ ኣብ ሓድሕድና ናይ ስኒትን፥ ነቲ ዓበይቲ ወይ ፍርዝን ፍርዝን ዝበሉ ሽግራት ብዘይንሓፍነት ክዝረበሎም ከም ዝግባእ ዝኣክል ጻዕሪ ምክያድ ግቡእን ተደላይን ኢዩ።
ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ምብትታንን ሓድነት ህዝብና ካብ ምልሕልሕን እነድሕነሉ ቀንዲ ሓይልና ሓድነትና ምዃኑ ኩሉ ደምበ ተቓውሞ ዝኣምነሉ ዝርድኦን እዩ። ይኹን እምበር ናብቲ መሰረት ከብጽሕ ዝኽእል መስመርን ናበይ መዕለቢናን ንኸይነንጽር እንትስ ብጉርሒ፥ እንተስ ብሽርሒ መደብ ዘይብሉ ሃንደበታዊ ንቕሎ ጥራይ ነብገስ ምህላውና እዩ እቲ ጸገም። ነታ ሓድነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ብሓቂ ድሌት እንተልዩ፥ ማለት፥ ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ብርግጽ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ክዕወት ዝኽእል ብሓድነትና ምዃኑ ንኣምን ኮይና፥ ሓዲሽ ውድብን ፥ ምፍንጫላትን ዘይኮነስ፡ ኣብ ትግባሬ ክንጸምድ ኢና ዝጥለብ ዘሎና። ተግባር ማለት እቲ ክውሰድ ዘለዎ ኣገባብ ክሳብ ዝውሰድ ሕድገታት ምግባር ዘድሊ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
ነቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎ ዓብይ ጸገም ክንፈትሕ እንተኮንና እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና ሽግራት ቅድም ቀዳድም ንምፍታሕ ብዘይተጉላባነት ለይቲ ምስ መዓልቲ ክንጽዕር ይግባኣና። እዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና ግና ኣብ ዘይተፈልጠ ሕቡእ ኣጀንዳ ንበሎ ወይ ንሕዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ጉዳያት ግዜናን ጉልበትናን ምጥፋእን ቃልስና ንኸንቱ ምዃኑን እዩ ዝሕብር። ንሕና ደምበ ተቓውሞ ነቲ ንኹልና ዘዕውት ጐደና ጠፊኡና ዘይኮነስ ክነተግብሮ ዘይምድላይና እዩ። ነዚ ዘመልክት ድማ እቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ቅሉዕ ይኹን ሽፉን ነፍሕታት ነቲ ጽባሕ ንገሆ ናብ በሪ ሰላም ዘብጽሕ መንግዲ ዝምልከት ንኸይንመያየጥን እንገብሮ መዕገቲ እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ብዕቱብነት ክንተሓሓዞ እንተዀይና፥ ነቲ ጉድለታትና ነቒስና ብምውጻእ ክመሓየሽ ዘለዎን ክድርበ ዝግበኦን ብክፉት ልቦና፡ ስሉጥን ዝኾነ ውጽኢት ክህብ ዝኽእል ንናይ ሓባር ዓወት ባይታ ጋሪዱና ኣሎ። ነዚ ባይታ እዚ እምበኣር ብብዝረኣየና መሳዂቲ ክንኣትዎ ስለእንደሊ ንሓድሕድና ብምትፍናን እነሆ ንህዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ይኹን፥ ፍቕሪ ሓድሕድ ውን ክነጥሪ ዘይከኣልናን።
ደጊም እቲ ናብ ሰላም ዘብጽሕን ንዓወትና ዘቀላጥፍን ስትራተጂ ንኹልና ዝጠምር ስምረት ምዃኑ በብውሽጥና ንኣምን ኢና። ይኹን እምበር ነዚ ኣምር እዚ ኣብ መፈጸምትኡ ንኸነብጽሖ፥ ክንሰምር ኢና፥ ተሰማሚዒና ኣሎና ዝብል ተግባር ዘይስነዮ ዘረባ፥ ውዑላትን፥ ኣኼባታትን፥ ወከልትና ውጽኢት ዘይብሉ ኮይኑ ይተርፍ ኣሎ። እዚ ካብ ዘይተዓወተ ደምበ ተቓውሞ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብትን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲታትን ገምጊሙ ምእንቲ ለውጢ ክርከብ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክሕዝ እዋኑ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ በበይንና እንተ ሃለኻ ውጽኢቱ እዚ ዘሎናዮ ሃለዋት እኹል ምስክር እዩ። ስለዚ ቅኑዕ ኣተሓሳስባን፥ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳን፥ ሰላምን ይቕረ ምባልን ብምዝውታር ነቲ ድሌታትን ረብሓታትን ናይ መላእ ህዝብና ዘገልግልን ዘርብሕን እዩ። እዚ ከኣ ሓድነትና ኣደልዲልና ክብጻሕ ይከኣል እዩ። ነዚ ክንገብር እንተዘይከኣልና ድማ ከይተረሓሓቕናን ከይተነፋፈግናን ሓባራዊ ስርሓት ክነካይድ ምስ እንበቅዕ፥ ንዜጋታትና ብኻራሩ ከም እንሳሳ ዝሓርዱን፥ በባትርን ኣእማንን ዝጭፍጭፉን ዘለዉ ጸይቅታት ክርዕዱን ኢዶም ክእክቡን እዮም።
እቲ ኣብ እትዮጵያ ለውጢ ዝተጸበየ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኣብይ ከም ውላድ ኣምላኽ’ዩ ሞጉስዎ። እቲ ግጭት ብምቕጻሉ ግን ኣብ ዙርያ´ቲ ተዓዋቲ ብልጫ ኖቤል ኣብይ ኣሕመድ ስቕታ ኮይኑ። እቲ ናይ ሕጽኖት ግዜ ኣብቂዑ ኢዩ ኢሎም ክኢልታት ብልጫ ኖቤል ቅድሚ ሰሙን ምቕባል ብልጫ ኣብይ ይዛረብሉ ኣለው።
ብብሩህ መጻኢ መብጽዓ ዝልለ ወዲ 42 ዓመት ኣብይ ኣሕመድ ኢሎም ቀረብኡ ዝዛረብሉ ዝነኣሰ ቀዳማይ ምኒስተር መራሒ ኣብ ኣፍሪቃ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኢዩ ሓላፍነት ተሰኪሙ። ቀልጢፉ ድማ ኢዩ ብዙሕ ለውጥታት ዝገበረ። ብፖለቲካ ዝተኣስሩ ተፈቲሖም: ማዕከናት ዜና ብዝያዳ ነጻነት ረኺቡ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ተመዚዘን። እቲ ንዕስራ ዓመት ኣብ መንጎ ኤርትራን እትዮጵያን ዝነበረ ጽንኩር ዝምድና ስለዝተፈትሐ ድማ´ዩ ምኽንያት ምሽላም ብልጫ ኖቤል ኮይኑስ ሽማገለ ኖቤል ብልጫ ሰላም ናይዚ ዓመት´ዚ ተዓዋቲ ዝገበሮ። ኣብ መጀመርያ ከም ህቡብ መራሒ ብኣወንታ ተራእዩስ ብዙሓት ከም መድሕን ርእይዎ። እዚ ሓድሽ ሃዋህው’ዚ፡ ስእሊ ቀዳማይ ምኒስተር ከም ሓደ ኣገዳሲ ምልክት ኣብ ፖስተራት፡ ኣፊሻትን ማልያታትን ኣብ ኲሉ ክልጠፍ ተራእዩ። ይኹን እምበር ዋላ’ኳ ብልጫ ስለማት ኖቤል ይቀበል ደኣ’ምበር: እቲ ፈንጠዝያስ በኒኑ ኣሎ።
መስርሕ ሰላም ምስ ኤርትራ ደው ኢሉ። ከም’ቲ ንፈልጦ ትካላዊ ተብግሶ ሰላም የለን። ብኣንጻሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክኢላ kjetil Tronvoll ( ሸትል ትሩንቮል) ከም ዝበሎ ንድሕሪት ኢዩ ተመሊሱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ተቐባል ብልጫ ምስ ተፈልጠ፣ ኣብዚ ዂሉ ክበጽሕሲ እንታይ ዝበቅዕ ደሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሐይል ዘርኣዮ ኣሎ´´ዩ ዝብል ነቔፈታ ክናፈስ ጀሚሩ ኣሎ። ሽማግለ ኖቤል ሰላም ንገዛእ ርእሱ፡ እቲ ሽልማት ኣካራኻሪ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ብዙሕ ስጒምትታት ተወሲዱስ ንቕድሚት ይደፍእ ኣሎ ክብል ኢዩ ጸኒሑ።
Tronvoll እውን ኣብይ ኣብ ግዜ ምርቁሑ ንብልጫ ኖቤል ብዙሕ ለውጥታት ኣርእዩ ምንባሩ ይቕበል ኢዩ። ኣብቲ መጀመርያ ወርሓት ስልጣኑ ብዘርኣዮ ውጽኢት ብልጫ ኖቤል ክወስድ ዘገበሮ ቅቡል ኲነት ነይሩ ኢዩ። ካብ ናቱ ዝውሕድ ዝገበሩ ዝቕበሉ ምህላዎም ድማ ይጠቕስ።
ናይ ኣብይ ዓቢ ሕማም ርእሲ መስርሕ ሰላም ዘይኮነስ ኣብ’ቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓልን እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናንን ዓመጽን ኢዩ። ጽገናዊ ለውጥታት ኣብ’ቶም 80% ብሄራትን ጉጅለታትን ናይታ ሃገር ተቐባልነት የብሉን። ዝጸንሑን ሓደስትን ግርጭታት ኣብ ባይታ ክንሳፈፉ ከለው፣ ብዙሓት ሓደስቲ ተዋሳእቲ ኸኣ ተቐልቂሎም ኢዮም። ኣብ ቀውዒ፡ ድሕሪ ሰሙን ብልጫ ኖቤል ምእዋጁ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ገለ ከባቢታት ኦርሚያን ቀዛፊ ተቛውሞ ኣንጻር ቀዳማይ ምኒስተር ተራእዮም ኢዮም። ኣብይ ካብ ህዝቢ ኦሮም ኢዩ። እቲ ናይቲ ህዝቢ መንእሰያት ምንቅስቓሳት ከኣ ኢዩ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝሓገዞ። ይኹን እምብር ኣብይ ብኣንጻሩ ሚዛን ብሄር ዕሽሽ ብምባል ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣርኣእያ ክብ ኣቢሉ። እዚ መልእኽት´ዚ ኣብ ቦትኡ ተቐባልነት ኣይረኸበን። መብዛሕትኦም ተዋሳእቲ ፖለቲካ ነቲ ናይ ብሄራት ፈደራላዊ ስርዓት ኢዮም ዝከላኸሉ። ኣብይ ግን ሃንደበት ንምቕያሩ ክዛረብ ጀሚሩ። በዚ,፡ ዝነበሮ ደገፍ ኣጥፊኡ መቓብር ፖለቲክኡ ባዕሉ ኲዒቱ ይብል Tornvoll። ኣብይ ዓቢ ጸወታ ይጻወት ኣሎ። እዚ ኸኣ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ። ኢትዮጵያ ካብ 1991 ንድሕሪት ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ብሄራዊ ግርጭታት ኣርእያ ኣይትፈልጥን።
ምናልባት´ውን ኮሙሽነር ኤውሮጳ Ursula Von der Leyen ኣብ ምብጽሓ ኣብታ ሃገር ነዚ እናሓመቐ ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ተልዕሎ ትኸውን። እቶም ኣብ ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ኦስሎ ምስ ምቕባል ብልጫ ኖቤል ጽቡቕ ዝተጸበዩ ሓዘን ወይ ፍሽለት ክስምዖም ኢዩ።
እቲ ልሙድ መደብ ዜናዊ መግለጺ ምስ ምቕባል ብልጫ ኖቤል ተሰሪዙ ኢዩ። ኣብይ እውን ምስ ተለቭጅን ኖርወይን ቢቢስን ከምኡውን ኣልጃዚራ ቃለ መሕትት ኣይገብርን´የ ኢሉ ኣሎ።
እቲ ንርእዮ ዘለና ኣብይ ሓይሊ ይስምዖ ኣሎ። ጋዜጣኛታትን ነጠፍትን (activists) ይኣስር ኢዩ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ዘተን ቃለ መሕትትን ዝገብር ኣብ ናይ ውልቁ ለኸፍከፍ ኣትዩ ኣሎ ይብል Tornvoll።
ብሓፈሽኡ እትዮጵያውያን ሓደ ካብኦም ናይ ሰላም ብልጫ ምሽላሙ ሕቡናት ኢዮም። ግን ብዙሓት ከኣ ስለምንታይ ኢሎም ዝሓቱ ኣለው። ስለምንታይሲ ከም ሎሚ ገይሩ ዘይርጉጹነት ተሰሚዕዎም ኣይፈልጥን ኢዩ።
ትርጉም ካብ ኣብ ሃገራዊ ጋዜጣ ሽወደን SVENSKADAGBLADET ታሕሳስ 7- 2019 ዝወጸ ዓንቀጽ።
ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣስፋሕፊሑ ንዘሎ መርዛም መግዛእታዊ ምምሕዳሩ ምኽኑይ ንምምሳል፡ ካብ ዘቕርቦም ምስምሳት ሓደ “ንናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣነ ስለ ዘምጻእኩዋ ከም ድላየይ እንተ ገብርኩዋ፡ መን ይእውደኒ” ዝብል ብደዐ ምዃኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንጹር እዩ። ህግዲፍ ከምዚ ክብል እንከሎ ኣጐሊሑ ካብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ንኹሉቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን መስዋእትነትን ምጥላሙን ምኽሓዱን እዩ።
ህግዲፍ ነዚ ጥልመቱ “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ብዝብል ውሽጡ ብዕረ ዝተላዕጠጠ ምቁር ዝመስል መዝሙር የስምዕ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ዘየለ ስኒት ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ከም ዘሎ ንምምሳል “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ዝብል ቅኒት እውን ኣለዎ። እዚ ኩሉ ንኤርትራዊ ብዙሕነትን ናይ ቃልሲ ኣበርክቶን ደምሲስካ ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ ሜዳ በይኑ ብሒቱ ከም ድላዩ ንከኹድደሉ ዝሃንደሶ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጋዜጠኛ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንዲክታቶር ኢሳያስ “ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ብነድሪ ዝሃቦ መልሲ “ንህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍንከ ሓደ ክንሶም መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ንሕቶኡ ብሕቶ ዝመለሰሉ ኢሳያስ ድምጽን ደሃይን ህዝቢ ኤርትራ ኣጥፊኡ ከም ድላዩ ንክገብር ዝነበሮን ዘለዎን መላኺ ህርፋን ዘርኢ እዩ።
እቲ ሓቂ እምበኣር፡ ከምቲ መራሒ ህግዲፍ ዝደባልቖ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ፡ ዘሎን ንዘለኣለም ዝህሉን እዩ። ህግደፍ ግና ትማሊ ዘይነበረ፡ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ዘይህሉ ኩንትራቱ ወዲኡ ከም ጽላሎት ዝሓልፍ ጉጅለ እዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ መግዛእታዊ ግፍዒ ከኣ፡ ጽባሕ ኣብ ጸሊም መዝግብ ታሪኽ ክምዝገብ እዩ። እዚ ዘይተርፍ መስርሕ ህግዲፍ ይድለዮ ኣይድለዮ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝግዛእ ተረኽቦ እዩ። ካብዚ ነቒልና ኢና ከኣ “ህዝቢ ኤርትራ ንህግዲፍ እምበር፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮን ዝወዳደሮን ኣይኮነን” እንብል።
“ጉጅለ ህግዲፍ ስለምንታይ ናይ ቀደም ኣበርክቶ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዕዳጋ ክሸይጥ ላሕ ዝብል፡ እዋናዊ ጠለብን ህዝባዊ ትሕዝቶን ዘለዎ ሓሳብ ሒዙ ናብ ዕዳጋ ዘይወርድ?” ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ወገናት ዝህብዎ ነናቶም ምኽንያታት ኣለዎም። ዝተወሰኑ ወገናት ህግዲፍ ክገብር እንዳኸኣለ፡ ዝሕንግድ ዘሎ ኣምሲሎም ዝስእልዎ ኣለዉ። ርግጽ እዩ ህግዲፍ ንህዝብና ብዓይኒ ጽልኢ ስለ ዝርእዮ፡ ንጽብቑ ከምዘይሓስብ ፍሉጥ እዩ። ንሱ ጥራይ ግና ኣይኮነን። ህግዲፍ ነዚ ንነብረሉ ዘለና መዋእል ዝምጥንን እዋናዊ ሕቶ ህዝብና ዝምልስን ኣተሓሳስባ ዘመንጩ ዓቕምን ዓቕልን እውን የብሉን። ንሱ ግና ሓቀኛ እንታይነቱ ንምሕባእ፡ እንተ ፈትዩን ደልዩን ሕቶ ህዝቢ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ከም ዘለዎ መሲሉ ክቐርብን ከጉባዕብዕን ይፍትን እዩ። ገለ ወገናት ከምቲ “ጨጓር ከልብስ ኣሎ እንዳበልካዮ ይመውት” ዝብልዎ ህግዲፍ ዘሎ መሲልዎም፡ ክገብር እንተደልዩ ተኣምራት ክሰርሕ ከም ዝኽእል ገይሮም ክገልጽዎ እንከለዉ ዘገርም እዩ።
እቲ ቀደምቀደም መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንጋፋ ተባራዒ ኣጀንዳ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ናይ ሎሚ ህግዲፍ ከም ኣካል ኤርትራዊ ሓርነታዊ ሓይሊ ኣበርክቶኡ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ግና ንኤርትራን ህዝባን ካብ ባዕዲ መንዚዕካ፡ ንኤርትራዊ ገዛኢ ብምርካባ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ክሳብ ፍጹም ሓርነት ቀጻሊ ነይሩን እዩን። ከምዚ ካብ ኮነ፡ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ምስተመለሰ ካለኦት ናይ ድሕሪ ናጽነት ሕቶታት ክቐርቡ ባህርያዊ ነይሩ። ቀሪቦም ከኣ። እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት እሞ ንምምላሱ ንቃለሰሉ ዘለና ሕቶ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ “ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ማዕርነታውን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል” ብዝብል ክጠቓለል ዝኽእል እዩ። እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ሕቶታት መልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነብሱ ዝኸኣለ ምስዚ ሓድሽ ምዕራፍ ዝሰማማዕ መልሲ ምሃብ ናይ ግድን እዩ። ህግዲፍ ግና ነዚ ሓድሽ ናይ ካለኣይ ምዕራፍ ሕቶታት፡ በቲ ነባር ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት መልስታት ክምልሶ እዩ ዝህቅን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብቲ ናይ ቀደም ቅያ ተሓቢኡ ክነብር ይህቅን። ካብዚ ነቒልና ኢና እምበኣር ንተግባራት ህግዲፍ ናይ ቀደም ፍርያት፡ ኣብ ዘመናዊ ዕዳጋ ኣውሪድካ ክትከስብ ከም ምህቃን እንወስዶ። እቲ ኩነታት ባዕሉ ግና ኣብ ሎሚ ኮይንካ ብናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ምንባር ከምዘይከኣል ሰማዒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር ንህግዲፍ ይነግሮ ኣሎ። መልሲ ህግዲፍ ምስ ምዕባለ ናይቲ ዝለዓል ህዝባዊ ሕቶ ዝምዕብል ዘይኮነ፡ ህግዲፍ እዩ ነቲ ህዝባዊ ሕቶ ምስቲ ዝኣረገን ተደጋጋምን መልሱ ኣመዓራርዩ ክቐርጾ ዝደሊ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግዲፍ ብተግባር ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ ዝምጥን ብቕዓት ኮነ ቅሩብነት ከምዘይብሉ ተረዲኡ እዩ። ነቲ ዘይብቕዓቱ ተንኮል ክውስኸሉ እንከሎ ከኣ፡ ሳዕቤኑ መሊሱ ከም ዝገድድ ብተግባር ዝረአ ዘሎ እዩ። ህግዲፍ ብኹሉ መለክዒ ሃገር ክመርሕን ህዝቢ ከመሓድርን ከምዘይደሊ ጥራይ ዘይኮነ ከምዘይበቅዕ ተነጺሩ እዩ። ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ዘይምድላዩን ዘይምኽኣሉን ደሚርካ ከኣ እቲ መፍትሒ ምስ ኩሉ ናይ ጭቆና መሳርዑ ምውጋዱ ምዃኑ መተካእታ የብሉን። እዚ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታቱን መሰረታዊ ሓላፍነት እዩ። ናይቶም ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ምውጋድ ክመሓዘዉ ዝዕደሙ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ብጽሒት ኣብ ልዕሊ ኣበርክቶ ህዝቢ ኤርትራ መመላእታ እምበር መተካእታ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ንህግዲፍ “ኣነ ነባሪ እየ፡ ንስኻ ግና ሓላፊ ኢኻ እሞ ተኣለ” ዝብል መልእኽቱ ክነግሮ እዋኑ እዩ።
ነዛ ከም ኣርእስቲ ኣስፊረያ ዘለኹ ሕቶ ቆሊቦም፡ ቅልጡፍ መልሲ ዝህቡ ብዙሓት ከምዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ንኹሉ መለክዕታት መዚኖም ግምታቶም ዘቕርቡ ልክዕ ክኾኑ ኢዮም። እቶም ብስምዒታት ዝምልሱ ግን ክጋገዩ ኢዮም።
መንግስቲ ኤርትር ኣሽንካይዶ ኣብ ቁጽሮም ንዝምልከት፡ ብዛዕባ ምብዛሕን ምውሓድን ተቓወምቲ ክዛረብ ንህላወኦም’ውን ዝእመን ኣይኮነን። ተቓውምቲ ድማ፡ ንዓቕሚ መንግስቲ ኤርትራ ብምግምጋም ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ከምዘሎ ኢዮም ዝመዝኑ። እቲ ሓቂ ግን ኣየናዩ ኢዩ?
ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ምርጫ ወይ ስርዓተ መገመቲ ድምጺ (Polling) ስለዘየለ፡ ደጋፊ መንግስቲ'ዶ ተቓዋሚ ይበዝሕ ብቁጽሪ ክፍለጥ ዝከኣለሉ ኩነታት የለን። እቲ ክዝረብ ዝከኣል ብዛዕባ ሚዛን ሓይልታት ስለዝኾነ ግን፡ ሚዛን ሓይሊ መንግስትን ተቓወምትን ከመይ ከምዘሎ ንምፍላጡ ዘጽግም ኣይኮነን።
ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ን29 ዓመታት ኣብ ምምራሕ ምጽንሑ ከም መዐቀኒ ናይ ዘለዎ ህዝባዊ ደገፉ ጌሮም ዝርእዩ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን፡ ብኣንጻሩ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ካብ ህዝቢ ከም ዝፈርሕን ዝሃድምን ኢዩ ከመስክር ጸኒሑ። ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ዲሞክራሲ ኣይፈርሕን ኢዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣይጸልእን ኢዩ። ኢስያስ ግን፡ ካልእ ይትረፍ ነቲ ባዕሉ ዝደኮኖ ማእከላይ ባይቶ ህግደፍ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ወዘተ እ ውን ክፈርሖም ኢዩ ጸኒሑ።
ህዝባዊ ግምባር ኣብ 1993 ንረፈረንደም ክሰማማዕ እንከሎ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ምትእምማን ስለዝነበሮ ኢዩ። ብህዝበ-ውሳነ ኣቢልካ ናጽነት ኤርትራ ምዝዛም ዝሓሸ መንገዲ ከምዝኾነ ስለዝኣመነ ኢዩ ኣትይዎ። ኣብ ህዝቢ እምነት ዘለዎ፡ ህዝቢ ንምስታፍ ኣይፈርሕን ኢዩ። ወለንታዊ ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ፡ ናብ ምልኪ ኣይሰግርን ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ዘለዎ ደገፍ፡ ወለንታዊ ደገፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ተገዲዱ ዝህቦ ደገፍ ኢዩ ኢስያስ ዘለዎ። ንህዝቢ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደጊፍዎ ከምዝነብር ክገብሮ ብዙሕ ጽዒሩ። እቶም ሆይ ሆይ እናበሉ ዝድግፍዎ፡ በብግዜኡ’ውን እናገደፍዎ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ብዙሓት ኢዮም። እቶም ብጥቕሞም ወይ ብድሑር ስምዒታት ተገዚኦም ዝድግፍዎ ክሳብ ናብ መቓብር ምስኡ ዝወርዱ ድማ ቁንጣሮ ኢዮም።
ኢስያስ ካብቲ ህዝባዊ ደገፍ ኣለኒ ንመበሊ ዝጥቀመሉ ሜላታት፡ ምድላው በዓላት፡ ፈስቲቫላትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ተጸዊዕም ዘይመጹ ከም ጸረ-ሃገር ተቖጺሮም፡ ዝወሃቦም ዝነበረ ኩፖን ናይ ኣስቤዛ ቀበሌ ስለዝኽልከሎም ናብ ሰልፊ ድዩ ኣኺባ ክመጹ ግዱዳት ኢዮም። በዚ ምፍርራሓት'ዚ ኣቢሉ ንዝተኣከበ ህዝቢ፡ እንሆለ! እዚ ኩሉ ህዝቢዚ ኢዩ ዝስዕበኒ ምባል ምትላል ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብር ኤርትራዊ’ውን ካብዚ ብዘይፍለ፡ ናብ ኣውያት ዘስምዓሉ ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይመጺኦም፡ ኣብ ዓዲ ዘጥረይዎ ንብረት ኣብ ሓደጋ ከምዝኣቱ እናፈራርሑ፡ ቤተ-ሰቦም ኣትዮም ክርእዩ ከምዘይክእሉ እናኣሰምዑ ኢዮም ነቲ ህዝቢ ዝእክብዎ። ስለዚ ብወለንታ ዘይኮነስ ብኣስገዳድ ብዝተኣኻኽብ ብዝሒ ጌሮም ኢዮም ንዓለም ዘታልሉ።
ሎሚ ግን እቲ ኣታሊልካን ኣፈራሪሕካን ምእካብ ተወዲእዎም ኢዩ። ተግባራትን ጠባያትን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢስያስ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓሊዑ ኢዩ። ብሕልናኡ ነዚ ስርዓት’ዚ ዘይቃወም ኤርትራዊ ስድራ-ቤት የለን። እዚ ስርዓት'ዚ ክቕየረሉ ዘይደሊ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሎ ድዩ፡ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ብዓል ስልጣን የለን፡፡ ሃገር ጠንጢኖም ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራውያን እቶም ተራ ዜጋታት ጥራይ ኣይኮኑን። ደቂ ሚኒስተራትን ደቂ ጀነራላትን ውን (እቶም ብወለዶም ተመዓራርዩሎም ዝወጹ ገዲፍና) ሃዲሞም ክወጹ ንርኢ ኣሎና።
እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ኢዩ ዘሎ እንተተባህለ ሓቂ ኢዩ። ናይ ተቓውሞ ድምበ እናሰፍሐ ምኻድ’ውን ክንዕዘቦ ዝከኣል ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ተቓዉሞ ደምበ በዚ ዘለዎ ሃለዋት፡ ነዚ ኣብ ደንደስ ውድቀት ዘሎ ስርዓት ከውድቖ ስለዝይክእል ሕጽረታቱ ከወግድ ክኽእል ኣለዎ።
ደምበ ተቓዉሞ ክቑጸሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ሕጽረታት ኣለዉዎ። ቀንዲ ካብኡ ድማ፡ ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ከግጥምን ክስዕርን ዝኽእል ኣወዳድባ ክሳብ ሎሚ ክሕዝ ዘይምኽኣሉ ኢዩ። ብሓባር ንሓደ ዕላማ ክሰርሕ ዘይከኣለ ደምበ ተቓውሞ ከድምዕ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ነዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ዕምሩ ኣናዊሕሉ ዘሎ’ውን፡ እዚ ዘይውሁድ ሃለዋት ኢዩ። ውህደትን ብቑዕ ውደባን እንተዘየልዩ፡ ውደባ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ንሚዛን ሓይሊ ተቖራቖስቲ ሓይልታት ዝውስኑ ረቓሒታት ስለዝኾነ፡ ሚዛን ሓይሊ ናብ ጠቕሚ ተቓዋማይ ኣሎ ንምባል ዘድፍር ኣይኮነን። እቲ ስፍሓት፡ እቲ ብዝሒ ካልእ ኢዩ። እቲ ኣድማዕነትን ኣስልጦን (effectivness) ድማ ካልእ ኢዩ። ተቓውሞ ደምበ ክንዲ ዝበዝሐ ይብዛሕ ክንዲ ዝሰፍሐ ይስፋሕ ተግባራዊ የለን። ኣድማዒ የልን። ደገፍቲ ህግደፍ ክንዲ ዝጸበበ ይጽበቡ፡ ክንዲ ዝወሓደ ይውሓዱ፡ ውደባኦም ይሰርሕ ኣሎ። ከፈራርሕዎ ንዝደልዩ የፈራርሕዎ ኣለዉ። ከጥቅዕዎ ንዝደልዩ የጥቅዕዎ ኣለዉ። እዚ ኣብዚ ዝሓልፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ናይ ፍትሒ ተቓልሳይ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣሰና ዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ዝሰርሕ ግና ኣዕናዊ ውደባ ከምዘለዎም ዘመልክት ኢዩ። ዋላ ውን ከምኡ እንተኾነ ግን፡ ብብሩህ ፖለቲካዊ ጥፈሻኦም ዘመስክር ኢዩ። ናይ ዓቕሊ ጽበትን ናይ ስዑራትን ስጉምቲ ኢዩ ነይሩ። ናይ ውደባኦምን ተግባራውነቶምን ጉዳይ ግን ክንዓቕ ዘይብሉ ኢዩ።
እቲ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ሕቶ፡ ከመይ ጊርና ነዚ በብእዋኑ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ፡ ደምበ ፍትሒ ንውድቦን ነንቀሳቕሶን ኢዩ። ነዚ ምስእንበቅዕ ጥራይ ኢና ንሚዛን ሓይሊ ኣብ ጠቕሚ ደለይቲ ፍትሒ ቀይርና ዓወት ክመጽእ ዝኽእል
ናይ ክልተ መዓልታት ብጉዳይ ምስዋር ቆልዑት ኣብ ኤውሮጳን ፡ ጉዳይ ስደት ትሕቲ ዕድመ ፡ ግዱድ ዕስክርና ፡ ጉዳይ ዘይሕዊ ነጋዶ ኣሳጋገርቲ ንግዲ መሸጣ ህዋሳት ደቂ ሰባት ዝድህስስ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሸወደን ተኻይዱ።
ካብ ዕለት 30 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ሓደ ታሕሳስ ዝቀጸለ ሰሚናር ብሓልዮትን ተበግሶ ማሕበር ኣህጉራዊ ህዝባዊ ላዕለዋይ ቤት ትምህርትን ( Internationella Folkhögskolan ) ብምትሕብባር ABF ( SDP Sweden) ሰልፊ ሳይን( Partido SAIN ) ካብ ስፐይን , ሆመነት( Homenet Sout Asia ) ደቡብ ነይሩ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣባላት ሰዲህኤ ሓው ጸሃየ ቀለታ ሓው ባይረ ገብረዎልድን ተሳቲፎም ንህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ግፍዕን ዓዘባን ግዱድ ዕስክርናን ሓቢሮም። ክልተ ኣጋይሽ ካብ ስፐይን ዝመጹ ስደተኛታት ኣፍሪካ ቆልዑት ብነጋዶ ማፊያ ሰፍሕ ዕዳጋ ናይ ምንዝርና ከም ዘሎ እስፓንያ ኣፍደገ ንዕዳጋ ባሮት ቆልዑት ማዃና ብሰነዳት መጽናዕትን ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ባሕቲ ታሕሳስ ሓው ጸሃየ ቀለታ ልክዕ ሃለዋት ጨካን ምሕደራ ዉልቀ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ፡ ቅዋም ኣልቦ ፡ ባይቶ ኣልቦ ፡ ዲምክራስያዊ ምርጫ ኣልቦ ፡ ብመንግስቲ ዝውነና እንኮ ቲቪ ፡ እንኮ ጋዜጣ ፡ ናጻ ምዝራብን ምጽሓፍን ኣልቦ ሃገር፡ ዩንቨርሲቲ ኣልቦ ፡ ብግልባጡ ልዕሊ 360 ቤት ማእሰቲ ዘሎዋ ንጽልቲ ሃገር ምዃና ሓቢሩ። ብዝያዳ ዝተጥቅዑ መንእሰያት ጥሕቲ ዕደመ ኣደዳ ስደትን ግዱድ ዕስክርናን ርኽስቲ ሳዋ ምኻኖም፡ ወለዲ ኣልቦ ቆልዑት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ብስእልታት ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ሲዒቡ ናይ ታይላንድ፡ ናይ ፓኪስታን ፡ ናይ ኣፍጋኒስታን ዝተጋጠመ ብሓቂ ኣደንጻዊ ኩነታት በብሓደ ብስእልታት ዝተሰነየ ኣቅሪቦም። ብሃለውት ህዝብናን ሃገርና ዝተገረሙ ሓያሎ ሕቶታት ኣቅሪቦም ብፍላይ እቶም ካብ ስፐይን ዝመጹ ክልተ ማሕበራት ጉዳይ እዚ ኣሰቃቂ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ በፍጹም ወረ የለን ኣይንፈልጦን ኢና። እዚ ኣሰካፊ ሃለውት ከኣ ዓለም ክፈልጦ ስለ ዘሎዎ ንስፐይን መጺእኩ ክትገልጹን ምስ ጋዜጠኛታ ከነራኽበኩምን ንኽእል ኢና ኢሎም ፡ ዓለም ግና ስለምታይ ጸማም እዝኒ ይገብር ምባል ነቂፎም ኩሉ እቲ ስእልታትን ወሲዳም ክንዕድመኩም ኢና ኢሎም ተፋንዮምና።

ቀደምሲ መፈለጥታ ኤርትራዊ ስብእነት ኢዩ ነይሩ። ዘርኣይ ደረስ ጠላይን ኣብ ኣደባባይ ሮማ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ክረግጽዋ ምስ ርኣየ ኢዩ (በቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክምዘን ዘሎዎ) ጉራዴ መዚዙ ንጠላይን ዝመልዓሰ። ኣብራሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን ዝብሃሉ ጀጋኑ ከኣ ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ፌስታ` ኣብዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ጀነራል ግራስያኒ ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት ነታጕ ደርብዮም ናይ ቅትለት ፈተነ ብምግባር ኤርትራዊ ጅግንነቶም ዘመስከሩ። ቅድሚኡውን እንተዀነ ንውግእ ዓድዋ ዘዐወተ ኣውዓሎም ዝተባህለ ኤርትራዊ ከምዝነበረ ይእመነሉ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እቶም ብልዑል ጅግንነቶም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ብምንባሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ልዑል ፍናን ኢዩ ዝህብ ነይሩ። ብናቶም ጅግንነትን ብህርኩትንኡን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ኢዩ ዝነብር ነይሩ።
ብስነ ሞገተ አንተዀነውን ኤርትራ ሰብ ስረ ደቂ ሃገር ኣፍርያ ኢያ። ከም ብዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ርእሲ ተሰማ ኣስበሮም፣ ሸኽ ዕብደልቃድር ከቢረ፣ ዶ/ር ሎሬንዞ ትእዛዝ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ኣብ ዓለም ተዛሪቦም ዘስምዑ ዓበይቲ ተማጐቲ ኤርትራውያን ነይሮምና ኢዮም። (ኣብ መርበብ ናይ ሓው አምነቱ ተስፋይ - emnetu.com - ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ biographies ዝብል ኣረእስቲ ኣቲኹም ከተንብቡ ትኽእሉ)።
ስብእነት ኤርትራዊ ብሰብኡት ጥራይ ኣይኰነን ዝንጸባረቕ ዝነበረ። ኣንስቲውን ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ብጊዜ ቁልዕነተይ፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝብሃል ብደርፊ ኢዩ ዝግለጽ ነይሩ። ብሸነኽ ምዕራብ ናይቲ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ዓዲ ሓርማዞ ዝብሃል ብዓበይቲ ኣኽራናት ዝተኸበ ቦታ ኣሎ። ሓደ እዋን ዕንጨይቲ ከምጽእ ወፊረስ ለምለም ትብሃል ጓል ዓደይ ብስግር ሽንጭሮ ኰይና ክትደርፍ ሰሚዐያ። ደርፋ ስለዝሰሓበኒ ከኣ ጽን ኢለ ክሰምዓ ጀሚረ። ዳሕረይሞ ኣብቲ መኒኻ ዝብለካ ዘይነበሮ ሞሮር ዓደይ ኣነውን ናይ ለምለም ደርፊ ብዓውታ እደርፋ ነይረ ኢየ። ገለ ሕጂ ድዝክሮ ክፋል ናይታ ደርፊ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፥
ለማ ሓደ ኣንታ ለማ ሓደ ወድኖ`ዶ ስኢንካ ፈዳይ ሕነ - እንዳበለ ይቕጽል።
ለማ ሽፍታ ኢዩ ነይሩ። ሽፍትነቱ ኣብ ሃብታማት ዘተኰረ ስለዝነበረ ምስ ናይ ዓዲ አንግሊዝ `ሮቢን ሁድ` ተመሳሳልነት ነይርዎ። ናይ ሓልሓለ ሕርሻ ብ`እንዳ መረሳኒ ዝብሃሉ ጠላይን ኢዩ ማዕቢሉ። ብግዚኡ ክኣ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ ኣሕምልትን ፍርያት ጸባን ኢዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ሽፍታ ለማ ከብቲ እንዳ መረሳኒ ብሓይሊ ብምውሳድ አንዳዀብኰበ ናብ ጉሕጭዓ ናብ ኣያኹሉ ዝብሃል ጎቦ ገጹ ተመርቂፉ። እንዳ መረሳኒ ኣብ ጐረቤት ሓልሓለ እትርከብ ዓዲ ገዳ ከይዶም ስለዘእወዩ ሰብኡት ዓዲ ብጉያ ኣብ ጸግዒ ጎቦ ኣያኹሉ ኣርኪቦም ውግእ ከፊቶም ንለማ ቀቲሎም ከብቲ አንዳመረሳኒ ሒዞም ተመሊሶም። ሓደ ካብቶም ሰብኡት ኣነ ኢየ ቀታል ለማ ኢሉ ስለዝፈከረ ክኣ ኢዩ እታ ለማ ሓደ - ወድኖ`ዶ ስኢንካ ፈዳይ ሕነ ዝተደርፈት። ለማ፥ ሓው ድኣሉ ዘይነበሮ`ምበር ሓንቲ ኣብ ኣስመራ እንዳስዋ ዝነበራ ሓብቲ ነይራቶ። ሓብቲ ለማ ሆየ ሓወይሲ ፈዳይ ሕነ ስኢኑ ተደሪፉሉ ኢላ ብምሕንሓን ንብረታ ሸይጣ ሕነ ክትፈዲ ሸፊታ። ሽዑ ኸኣ፥
ተጠንቀቑ በልዎም ንጽልማ፣ ምንሽር ዓጢቓላ ሓብቲ ለማ - ዝብል ደርፊ ተጋዊሑ። እዚ ዝሰምዐ ቀታል ለማ ብዓል ዓዲ ገዳ ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡ ይነብር ነይሩ።
ኣብ ርሑቕ ከይከድና፣ ንዓለም ዘገረመ ጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ኤርትራ`ውን ተራእዩ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ከይንገር ዝዓፈኖ መስተንክር ጽንዓትን ጅግንነትን ኤርትራውያን ግና ገና ብሕጂ ኢዩ ክውጽእ። ታሪኽ ብዓል በርሀ ጻዕዳ ብዓል ብጻይ ጎይትኣኦም በርሀ፥ ታሪኽ ብዙሓት ጀጋኑ፥ ብቑንጫሉ ኢዩ ተፈሊጡ ዘሎ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሐበኒና ክኸውን ዝግብኦ ዘይናቱ መልክዕ ክውሃቦ እንከሎ ኣዝዩ ኢዩ ዘሕዝን። ቃልሲ ኤርትራ በቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ሻዕብያን ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ህግደፍን ኣይኰነን ክምዘን ዝግብኦ። ሰብ ስረ ደቂ ሃገር ኢዮም ንናጽነት ኤርትራ ኣዐዊቶሞ።
ኣብ ሰብዓታት ንኤውሮጳ ምስ መጻእኩ ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ኖርወይ ዘጋጠመ ነገር ክሳብ ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ የስሕቐኒ። ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ፋብሪካ እንዳሰርሐ እንከሎ ምስ ሓደ ወዲ ፓኪስታን ብገለ ነገር ተዃርዮምሲ ወዮ ኤርትራዊ፥ “ወይት! ዩ ሃቭ ትራውዘር ኣይ ሃቭ ትራውዘር - ኣይ ዊል ሾው ዩ” - ይብል። ጽናሕ መን`ና ብዓል ስራ ምዃኑ ከርእየካ ኢየ ማለቱ ኢዩ። ክርድኦ ዘይክኣለ ወዲ ፓኪስታን - “ስቱፒድ፣ የስ ኣይ ሃቭ ትራውዘርስ - ሶ ዎት?” ጽሉል፣ እወ ስረ ኣሎኒ- እንታይ`ሞ ኢዩ? ኢሉ ይሓትት። ወዮ ኤርትራዊ ኣነውን ብዓል ስረ ኢየ ኢሉ ዝመለሰሉ መሲልዎ ልዓት ናይ መኾስተር ኣልዒሉ ርእሱ ምስ ተርተሮ ጫው ጫው ኰይኑ ፖሊስ ተጸዊዖም ተኣሲሩ።
ሕጂ፥ እሞ ሕነ ፍደዩ ወይ ተብኣሱ ዲኻ ክትብል ደሊኻ ኢሉ ድወራዘ ኣይክጠፍእን ኢዩ። ከምዚ ሎሚ ህይወት ወዲ ሰብ መጻወቲ ከይኰነ እንከሎ፣ ቀደም ኣብ ኤርትራና ሰብ ክብረት ስለዝነበሮ ቅትለት ብወረ ሳሕቲ ዝስማዕን ከም ጉድ ዝቑጸርን ኢዩ ነይሩ። ሕጊ ኦሪት ዝዓይነቱ ዝቐተለ ይቀተል ዝብል ከም ቅቡል ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ንምርድኦም ዘጸግሙ ተርእዮታት ኣሎዉ። ሰብኡተን ኣቦታት ደቀን ተኣሲሮም - ዝተቐትሉውን ኣሎዉ - ምስ ቀተልቶም ክደርፋን ክስዕስዓን ዝሓድራ፣ ኣሕዋቶም ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘስካሕክሕ ኩነታት አንዳ ኣሕለፉ ምስ ኣሰርቶም ክሰኽሩ ዝሓድሩ፣ ሰብኣይካ/ሰበይትኻ ኣቦ/ኣደ ደቅኻ ኣብ ዘሳቕየልካ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስርዓት እንዳኣግልገልካ ምንባር ዝኣመስሉ ነገራት ኣዝዮም ዘይንቡራትን ዘይኤርትራውነት ባህርያትን ኢዮም።
ካልእ ኣሰካፊ ጉዳይውን ኣሎ። ጥቕሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሩህ እኳ እንትዀነ ስረ ዘፍትሕ ጐዳኢ ጐኒስ ይህልዎ ኢዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺእካ ህግደፍ ንሓደ ቤተ ሰበይ ከምዚ ገይሮሞ/ገይሮማ ኢልካ መውጽኢ ሕማምካ ምግባር፥ ኣባል ናይ ሓደ ውድብ ወይ ናይ ሓደ ጉጅለ ኢየ ወዘተ ኢልካ ኣብ ጉዳይ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበርካ ኣምሲልካ ምጅሃር ዝኣመሰሉ ነገራት ዘየተሓሳስቡ ኣይኰኑን። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክኣ ኢየ ስረ የፍትሑ ከይህልዉ ዝብሎም ዘሎኹ።
ዘረባ ቁንጭል ኣቢሎም ወሲዶም ምስዋር ዝብርሆም ሰባት ኣሎዉ። ስለዚ ኩሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣይጠቅምን ኢዩ ማለተይ ከምዘይኰነ ደጋጊመ ከስምረሉ እፈቱ። እኳድኣ፡ ናይ ሕጂ ቃልሲ ኤርትራ ብዘይ ናይ ገሊአን ዘይሕለል ጻዕሪ ንቕድሚት ክስጉም ኣይምኽኣለን ነይሩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘሎኒ። ከምኡ ይኹን እምበር፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ወጺእካ ብምልፍላፍ ዝግብኣካ ጌርካ ወይ ኣድማዒ ስራሕ ጌርካ ማለትግን ኣይኰነን። ነዚኣ ብዘረባ ኣቦይ ቀሺ ከፍሉ ከረድእ ክፍትን። ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ ሓረስታይ ፈታው ስራሕ ስለዝነበሩ ኣብ ታኻ ዝብሃል መሬት ዓዶም ሕርስ ውዒሎም ስለዝደኸሞም ናውቲ ማሕረስ ኣብቲ ግራት ገዲፎም ንገዛ ምስ ኣተዉ ኪዳነ ዝብሃል ወዶም ኣብቲ ናይ ደንበ ንእዲ ግንብው ኢሉ ምስ ወልዱ ዓርኩ ከዕልል ጸኒሑዎም። ብውሽጦም፣ ዓቢ ግራት ዝሕረስ ከምዘለኒ አንዳፈልጠስ ኪዳነ ወደይ ዕላል ተራእይዎ ኢሎም ጕህዮም ነይሮም። `ኣታ ወልዱ ወዲ ሓውይ` ኢሎም ጸዊዖም ኣቓልቦ ወልዱ ምስ ረኸቡ `ኣዴኻ ኣድጊ`ዶ ርኢኹም ክትብል ሰሚዐያ ኪድ ሓግዛ` ይብሉዎ። ወልዱ ምስ ከደሎም ክኣ፦ ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ፥ ኣንታ ኪዳነ ኣብ ጥልያን ተዓስኪርካ ኔርካ ቋንቋ ጥልያን እኽእል ኢየ ኢኻ ትብል ኪዳነ፥ ከመይድኣ እኸእል እወ ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ፣ ሕራይ ዝወደይ እሞ ኮሽቶ-ሞሽቶ እንታይ ማለት ኢዩ? ኪዳነ፥ ኣየ ኣቦይ እዝስ ዘረባ ደቂ ሹቕ ኢዩ እምበር ዘረባ ጥልያን ኣይኮነን
ኣቦይ ቀሺ ክፍሉ፥ እዚ ድዩ ድኣ ፍልጠትካ ኪዳነ ወደይ! በል - ኪድ እቲ ናውቲ ማሕረስ ካብ ታኻ ግራትና ኣምጽኣዮ ማለት ኢዩ!
ኪዳነ እንዳስሓቐ ንታኻ ከይዱ ናውቲ ማሕረስ ኣምጽአ። መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ አንተተባህለ - መልእኽተይ ኵኖ ኮሽቶ-ሞሽቶ (ኵኖ ኣብ ሶፋ ተቐሚጥካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልፍለፋ) እንሆ ጎልጎል - እንሆ ታኻ - ቃልስና ብተግባር ነሐይል ዝብል መልእኽቲ ኢየ ከመሓላልፍ ደልየ። ኤርትራውያን እኮ ኢና - ኣብ ደምና ተደጕሉ ዘሎ ስብእነት ነውጽኣዮ! ዓወት ንኻልኣይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
የቐንየለይ።
28 ሕዳር 2019