ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ኳ፡ ኣየሸልምን’ዩ

2019-12-13 11:46:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1616 times

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ወትሩ ኣዘራራቢ እዩ። ኣብ ኣርበዓታት ኣዘራራቢ ነይሩ። ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተጣሒሱ፡ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ምስተጠልመ ኣብ ግዜ ዘውዳዊ ስርዓት ኮነ ኣብ ግዜ ደርግ እውን ኣዘራራቢ ጥራይ ዘይኮነ ደም ዘፋሰሰ ነይሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርግን ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን እውን፡ ኣብ መስርሕ ረፈረንድም፡ ኣብ ግዜ ናቕፋዶ ብር ምጥቃም፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ከኣ ካብ ኣዘራራብነት ሓሊፉ ናብ ኣስካሕካሒ ምፍሳስ ደም ዓሪጉ፡ ህይወት ብዙሓት መላምል ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ቀዚፉ።

ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ዘይናይዶብ ክነሱ “ናይ ዶብ ዝተጠመቐ” ባእስን ምስሕሓብን ናብ ዓለም-ለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ተመሪሑ ቀያድን ናይ መወዳእታን  ብይን ምስ ተዋህበሉ እውን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ምስ በኾረ፡ እቲ ኣዛራብነት መልክዕ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሒዙ ቀጺሉ። ሎሚ ድሕሪቲ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ምስተባህለ እውን፡ ካብ ኣዘራራብነት ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ኣይሰላም ኣይውግእ ዝተሰግረሉ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዝውሰድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ንቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ” ኢሎም ዝብል እዩ። ኣብዚ ናይ ኣፍ ምቕባል ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ትርጉም ከም ዘየብሉ ምስትብሃል የድሊ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምኡ ምስተባህለ ጭራኡ ሰልሰል እንዳበለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ “ንቕበሎ ኢና” ምባልን ኣብ መንጎ “ምትግባርን” ዘሎ ርሕቀት ጣፊእዎ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ ቃል ክዓጽፍ ቅሩብ ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ድሕሪኡ ዝተኸተሎ ካብቲ ንዶብ ዝምልከት ዛዕባ ናይ ምህዳም ተግባሩ ከኣ  ነዚ እዩ ዘነጽር።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ተቐቢሎም። ካብቲ ነዚ ኣብቂዕዎም ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ተግባር ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክረጋገጽ ዝገበርዎ ኣበርክቶ እዩ። ካልእ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ምስፋሕን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምርግጋግ ክፍጠር ኣስተዋጸኦ ምብርካትን እውን ከም ተወሳኺ ምኽንያታት ነቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ክዝርዘሩ ተዓዚብና። ብዛዕባቲ ካልእ ምኽንያታት ከይሰፍሓና ኣብዚ ንዛረበሉ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ዝብል ግና ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ብርትዓዊ ዓይኒ ንዝርኢ፡ ሸፈጥ እምበር፡ ፈጺሙ ጠላሕ ዝብል ምኽንያት ኣይኮነን።

ምናልባት ዝያዳ ርትዓውያን ንምዃን፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መወዳእትኡ ዘይተፈልጠ መስርሕ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ፡” እንተዝበሃል’ኳ ዝሕሸሉ መተባህለ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብይን ኣብ ተግባር ከይወዓለን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ከይወጸን፡ ነቲ መስርሕ ሰላም በሲሉስ ንሽልማት ናይ ሰላም ኖበል ከም ዘብጸሐ ጌርካ ምቕራቡ፡ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ፍትሓውነት ናይቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዝህብ ገዚፍ ስም ዝተስከመ ነርወጃዊ ትካል’ውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ከም ዝተረጋገጸ ንምሕባር ከም ኣብነት ዝጥቀሱ፡ ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣፍልብኻ እንዳወቓዕካ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ናብ ኣስመራ ምጋሽ ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምምልላስን ተነፋፊቖም ዝነበሩ ምርኻብን እውን ከምኡ። እንተኾነ እዞም ዝተጠቑሱ ተርእዮታት ከም ዝተኸስቱ’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ውሕስነትን ትካላዊ መልክዕን ሒዙን ረብሓ ህዝቢ ዝማእከሉን ሰላም ከምዘየለ ኣፍካ መሊእካ ዝዝረበሉ እዩ። እቲ ኣብ ዶባት ዝረአ ዘሎ ሎሚ ከፊትካ ጽባሕ ናይ ምዕጻው ተግባር ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

እቲ ናይ ቀደም ንታሪኽ ገዲፍና፡ ናይዚ ዳሕረዋይ ናብ ምዝራግ ሰላም ኣብጺሑ ዝተባህለ “ጉዳይ ዶብ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባእሲ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ከምቲ ግቡእ ከኣ ናብ ዘተኣማምንን ንምሽላም ዘብቅዕን ሰላም ንምብጻሕ ነዚ ብዙሕ ደም ዘፍሰሰ ዓብይ ዛዕባ ብምውጋን ክጅመር መተገበአ። ብግብሪ ግና ኣይኮነንዶ ክውገን ፈጺሙ ኣብ ዝተረሰዓሉን ብዛዕባኡ ምዝራብ ገበን ኣብ ዝኾነሉን እዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኣማምን ሰላም ተረጋጊጹ ዝበሃል ዘሎ። እቶም ከምስሉ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ዝበሉ መራሕሪ ኢትዮጵያ እውን ብድብድቡ ንዲክታተር ከመላኽዑ እምበር፡ ናይቲ ዝኣተውዎ ቃል ከተግብሩ ፍሑኽ ኣይበሉን።

ኣብዚ መስርሕ ሰላም፡ ዲክታቶር ኢሳይያስን መራሒ ኢትዮጵያን ነናቶም ሕሳባት ክነብሮም ይኽእል። እንተ ብሕሳብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ሰላም ኣይመጸን። ሎሚ እውን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብቲ ዶብ ካብ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ተሓቢኦም ብጸልማት እዮም ብትግራይ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለዉ። ብወገን ኢትዮጵያ እውን ኩሎም እቶም ምስ ኤርትራ ዝዳወቡ ኢትዮጵያውያን ስኽፍታኦም ኣብ ዘውድቕሉን ቀሲኖም ዝንቀሳቐስሉን ህይወት የለዉን። ስለዚ እታ ካብ ኩነታት ምህዳእ ሓሊፋ ክሳብ ምሽላም ኖበል ዘብጸሐት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም መርተዖ ምቕራብ ኣዛራቢ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ልቦም ድዮም ወይ ንምጥባርን ንምእዳብን፡ ነዚ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ንክረኽቡ ካብ ዝሓገዞም ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅሩብነት ምንባሩ ኣብ ኣደባባይ ክገልጹ ሰሚዕና። ኢሳያስ ግና ባዕልና ከም እንፈልጦ፡ ሰላም ዘይበቑሎ ምድረ-በዳ ሕልና ዝውንን ሰብ እዩ። ሓቀኛ ትርጉም ሰላም ዝርዳእ እንተዝኸውን ከኣ ቅድሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም መፈጠረ። ደሓር ነቲ ዲክታቶር  በቲ ሓደ ወገን ከም ዘራግን ኮራይን ኣንዳሓመይዎስ፡ ከም ናይ ሰላም ሰባኺ ክጠቕስዎ ዘይመስል እዩ። ዘይሩዘይሩ ግና እዚ ተረኽቦ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ “ ነቲ ቀንዲ እትምዘነሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣበሳኻ ሓቢእካ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዘርኣኻዮ ወደኽደኽ ኣይኮነን” ዝብል’ዩ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ብኣበርክቶ ብክልተ መራሕቲ ዝመጸ ሰላም ንክልቲኦም ዘይሸለምሉ ምኽንያት ኣይመሃለወን።

Last modified on Friday, 13 December 2019 12:50