ህግዲፍ’ዩ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጢሩ

2019-12-07 10:06:43 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1482 times

ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣስፋሕፊሑ ንዘሎ መርዛም መግዛእታዊ ምምሕዳሩ ምኽኑይ ንምምሳል፡ ካብ ዘቕርቦም ምስምሳት ሓደ “ንናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣነ ስለ ዘምጻእኩዋ ከም ድላየይ እንተ ገብርኩዋ፡ መን ይእውደኒ” ዝብል ብደዐ ምዃኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ንጹር እዩ። ህግዲፍ ከምዚ ክብል እንከሎ ኣጐሊሑ ካብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ንኹሉቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን መስዋእትነትን ምጥላሙን ምኽሓዱን እዩ።

ህግዲፍ ነዚ ጥልመቱ “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ብዝብል ውሽጡ ብዕረ ዝተላዕጠጠ ምቁር ዝመስል መዝሙር  የስምዕ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ዘየለ ስኒት ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ከም ዘሎ ንምምሳል  “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ዝብል ቅኒት እውን ኣለዎ። እዚ ኩሉ ንኤርትራዊ ብዙሕነትን ናይ ቃልሲ ኣበርክቶን ደምሲስካ ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ ሜዳ በይኑ ብሒቱ ከም ድላዩ ንከኹድደሉ ዝሃንደሶ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጋዜጠኛ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንዲክታቶር ኢሳያስ “ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ብነድሪ ዝሃቦ መልሲ “ንህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍንከ ሓደ ክንሶም መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ንሕቶኡ ብሕቶ ዝመለሰሉ ኢሳያስ ድምጽን ደሃይን ህዝቢ ኤርትራ ኣጥፊኡ ከም ድላዩ ንክገብር ዝነበሮን ዘለዎን መላኺ ህርፋን ዘርኢ እዩ።

እቲ ሓቂ እምበኣር፡ ከምቲ መራሒ ህግዲፍ ዝደባልቖ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ፡ ዘሎን ንዘለኣለም ዝህሉን እዩ። ህግደፍ ግና ትማሊ ዘይነበረ፡ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ዘይህሉ ኩንትራቱ ወዲኡ ከም ጽላሎት ዝሓልፍ ጉጅለ እዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ መግዛእታዊ  ግፍዒ ከኣ፡ ጽባሕ ኣብ ጸሊም መዝግብ ታሪኽ ክምዝገብ እዩ። እዚ ዘይተርፍ መስርሕ ህግዲፍ ይድለዮ ኣይድለዮ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝግዛእ ተረኽቦ እዩ። ካብዚ ነቒልና ኢና ከኣ “ህዝቢ ኤርትራ ንህግዲፍ እምበር፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮን ዝወዳደሮን ኣይኮነን” እንብል።

“ጉጅለ ህግዲፍ ስለምንታይ ናይ ቀደም ኣበርክቶ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዕዳጋ ክሸይጥ ላሕ ዝብል፡ እዋናዊ ጠለብን ህዝባዊ ትሕዝቶን ዘለዎ ሓሳብ ሒዙ ናብ ዕዳጋ ዘይወርድ?” ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ወገናት ዝህብዎ ነናቶም ምኽንያታት ኣለዎም። ዝተወሰኑ ወገናት ህግዲፍ ክገብር እንዳኸኣለ፡ ዝሕንግድ ዘሎ ኣምሲሎም ዝስእልዎ ኣለዉ። ርግጽ እዩ ህግዲፍ ንህዝብና ብዓይኒ ጽልኢ ስለ ዝርእዮ፡ ንጽብቑ ከምዘይሓስብ ፍሉጥ እዩ። ንሱ ጥራይ ግና ኣይኮነን። ህግዲፍ ነዚ ንነብረሉ ዘለና መዋእል ዝምጥንን እዋናዊ ሕቶ ህዝብና ዝምልስን ኣተሓሳስባ ዘመንጩ ዓቕምን ዓቕልን እውን የብሉን። ንሱ ግና ሓቀኛ እንታይነቱ ንምሕባእ፡ እንተ ፈትዩን ደልዩን ሕቶ ህዝቢ ናይ ምምላስ ዓቕሚ ከም ዘለዎ መሲሉ ክቐርብን ከጉባዕብዕን ይፍትን እዩ። ገለ ወገናት ከምቲ “ጨጓር ከልብስ ኣሎ እንዳበልካዮ ይመውት” ዝብልዎ ህግዲፍ ዘሎ መሲልዎም፡ ክገብር እንተደልዩ ተኣምራት ክሰርሕ ከም ዝኽእል ገይሮም ክገልጽዎ እንከለዉ ዘገርም እዩ።

እቲ ቀደምቀደም መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንጋፋ ተባራዒ ኣጀንዳ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ናይ ሎሚ ህግዲፍ ከም ኣካል ኤርትራዊ ሓርነታዊ ሓይሊ ኣበርክቶኡ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ግና ንኤርትራን ህዝባን ካብ ባዕዲ መንዚዕካ፡ ንኤርትራዊ ገዛኢ ብምርካባ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ክሳብ ፍጹም ሓርነት ቀጻሊ ነይሩን እዩን። ከምዚ ካብ ኮነ፡ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ምስተመለሰ ካለኦት ናይ ድሕሪ ናጽነት ሕቶታት ክቐርቡ ባህርያዊ ነይሩ። ቀሪቦም ከኣ። እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት እሞ ንምምላሱ ንቃለሰሉ ዘለና ሕቶ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ “ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ማዕርነታውን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል” ብዝብል ክጠቓለል ዝኽእል እዩ። እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ሕቶታት መልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነብሱ ዝኸኣለ ምስዚ ሓድሽ ምዕራፍ ዝሰማማዕ መልሲ ምሃብ ናይ ግድን እዩ። ህግዲፍ ግና ነዚ ሓድሽ ናይ ካለኣይ ምዕራፍ ሕቶታት፡ በቲ ነባር ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት መልስታት ክምልሶ እዩ ዝህቅን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብቲ ናይ ቀደም ቅያ ተሓቢኡ ክነብር ይህቅን። ካብዚ ነቒልና ኢና እምበኣር ንተግባራት ህግዲፍ ናይ ቀደም ፍርያት፡ ኣብ ዘመናዊ ዕዳጋ ኣውሪድካ ክትከስብ ከም ምህቃን እንወስዶ። እቲ ኩነታት ባዕሉ ግና ኣብ ሎሚ ኮይንካ ብናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ምንባር ከምዘይከኣል ሰማዒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር ንህግዲፍ ይነግሮ ኣሎ። መልሲ ህግዲፍ ምስ ምዕባለ ናይቲ ዝለዓል ህዝባዊ ሕቶ ዝምዕብል ዘይኮነ፡ ህግዲፍ እዩ ነቲ ህዝባዊ ሕቶ ምስቲ ዝኣረገን ተደጋጋምን መልሱ ኣመዓራርዩ ክቐርጾ ዝደሊ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግዲፍ ብተግባር ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ ዝምጥን ብቕዓት ኮነ ቅሩብነት ከምዘይብሉ ተረዲኡ እዩ። ነቲ ዘይብቕዓቱ ተንኮል ክውስኸሉ እንከሎ ከኣ፡ ሳዕቤኑ መሊሱ ከም ዝገድድ  ብተግባር ዝረአ ዘሎ እዩ። ህግዲፍ ብኹሉ መለክዒ ሃገር ክመርሕን ህዝቢ ከመሓድርን ከምዘይደሊ ጥራይ ዘይኮነ ከምዘይበቅዕ ተነጺሩ እዩ። ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ዘይምድላዩን ዘይምኽኣሉን ደሚርካ ከኣ እቲ መፍትሒ ምስ ኩሉ ናይ ጭቆና መሳርዑ ምውጋዱ ምዃኑ መተካእታ የብሉን። እዚ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታቱን መሰረታዊ ሓላፍነት እዩ። ናይቶም ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ምውጋድ ክመሓዘዉ ዝዕደሙ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ብጽሒት ኣብ ልዕሊ ኣበርክቶ ህዝቢ ኤርትራ መመላእታ እምበር መተካእታ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ንህግዲፍ “ኣነ ነባሪ እየ፡ ንስኻ ግና ሓላፊ ኢኻ እሞ ተኣለ” ዝብል መልእኽቱ ክነግሮ እዋኑ እዩ።

Last modified on Saturday, 07 December 2019 11:08