“ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ”

2014-10-04 17:38:27 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4790 times

ኣርዓዶም በርሀ

ሞትን ሕልፈትን ኩሎም ናይ ደሓን መግለጺ ኣይኮኑን። ሞት ካብ ሕልፈት ዝፍለ ሓንሳብ ምስ ኮነ ዘይምለስ ብምዃኑ ክኸውን እንከሎ፡ ሕልፈት ግና ብህይወት እንከለኻ ብሰንኪ ድኽመትካ ዘጋጥመካ ካብ ሞት ፈሊኻ ዘይርኣ መሪርን ጣዕሳኡ ዘይወጸልካን ተረኽቦ እዩ።  ከምዚ ኣንበሳሲ “ ኣሽንኳይ ሞትስ እርጋንኳ ኣሎ” ኢሉ ንእርጋን ዝያዳ ሞት ዝመረረ ንምዃኑ ይገልጾ ዝበሃል፡ ናይ ሕልፈትን ሞትን ዝምድና እውን ብኸምኡ እዩ ዝምሰል። እቲ ዝመዉት ኮነ ዝስዋእ ክሓልፍ እንከሎ ናብቲ ተራፊ ኣረኪብዎ ዝኸይድ ከቢድ  ኩለመዳያዊ ሕድሪ ኣለዎ። እቲ ተራፊ ከም ዘይሞተ ዝፍለጥ ድማ ናይቲ ዝተረከቦ ሕድሪ ክትግብር እንተኽኢሉ እዩ።

ኣብዚ ቅንያ’ዚ ጉዳይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ወርሕዚ ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱሳ፡ ዝሃለቑ 368 ኤርትራውያን ግዳያት ኣዛራቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዝኸበደን ዓለም ዘናወጸን፡ ምናልባት ብሓንሳብ ክንድዚ ምጥፋኦም እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ህልቂት ብኣኣቶም ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ድሕሪኡ’ውን ዝቐጸለ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓምሳ ሞይቶም፡ ሚእቲ ተደጊሞም ዝብል መሪር ከብድኻ ዝበልዕ ዜና ምስማዕን ምንባብን መናብርትና ኮይኑ ኣሎ። መርከብ ጥሒላ ክበሃል እንከሎ እቶም ግዳያት እንተኾነ ኩላቶም እንተዘየለ ገሊኦም ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ከም ርዱእ ተወሲዱ፡ ንምርግጋጽ ኢልና ምሕታት ካብ ንገድፎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣሕዋትና ከም ዝሃልቁ ልሙድ እንዳኾነ፡ ነዚ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከም ሓደ ርዱእ ትዕድልቲ ናይ ኤርትራውያን ወሲድናዮስ፡ ኣብ ክንዲ ምሽቓልን መዋጽኦ ንምርካ ምብልሓትን ከም ሓደ ቅቡል ነገር ከይንርዕሞ ዘስግእ እዩ። ሎሚ ሎሚ እቲ ዘግርመናን ከም ሓድሽ ዜና ዝውሰድን፡ ክንድዚ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝብል መርድእ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ብምሉኦም ብሰላም ኣብ ኢጣልያ ኣትዮም ዝብል ብስራት እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። እቲ ገለ ካብእቶም ሞይቶም ዝብል ልሙድ ስለ ዝኾነ።

ብባህልና ኮነ በተዓባብያና ክረአ እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ብኣማኢት ናይ ዝቑጸሩ፡ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት እሞ ድማ ብሓደጋ ሓሊፉ ክበሃል እንከሎ፡ ክንሓዝንን ማይ ዘይኮነስ ደም’ውን ክንነብዕ ልሙድ እዩ። ኣብ ባህልና ኣብ ግዜ ድንገተኛ ሞት እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ፡ በኺኻን ሓዚንካን ነቲ ዝሞተ ከተምልሶ ከም ዘይከኣል’ውን ሓፈሻዊ ተረድኦ ኣለና። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓዘን ምኒን ምባል ብዛዕባ ህልዋት ምሕሳብ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ምዃኑ እውን ኣብ ባህልና ግንዛበ ዘለዎ እዩ። ንሓደ ሓዘንተኛ ከተጸናንዖ እንከለኻ እውን “ንሱ ወሰኑ ይግበሮ” ኢልካ ኢኻ ንቅድሚት ንክሓስብ ተዘኻኽሮ። ሕጂ ድማ ንሕና ዓመት መጸ ብዛዕባቶም ብሓንሳብ ዝሃለቑ እሞ ንቡር ሓመድ ድበ ዘይረኸቡ ኣሕዋትና ምሕዛንን ሽምዓ ምብራህን ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ህልዋት ኢና ቀንዲ ክንዛረብ ዝግበኣና። እዚ ማለት ግና በቲ ደረጃኦ ናይቶም ረኸብቲ መከራ ዝኽሪ’ውን መለበሚ ብዝኾነ መልክዑ፡ ክርሳዕ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ነዞም ዝሃለቑ ኮነ ንቤተሰቦም እንድብሰሉ መንገዲ ንዓኣቶም እንዳዘከርካ ምንባዕን ምሕርቃምን ዘይኮነስ፡ እዚ ካባና ሓሊፉ ዓለም ዘናወጸ ሓደጋ ንከይድገም፡ ጠንቁ ኣለሊኻ ከተወግዶ ብምጽዓር እዩ ክኸውን ዝግበኦ በሃላይ እየ። ስለዚ እየ ድማ ብኽያትና ብዛዕባቶም ዝሞቱ ዘይኮነስ ብዛዕባቶም ብህይወት ከለና ዝሞትና ክኸውን ይግበኦ ክብል ዝደፈርኩ። ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ”።

ሎሚ ሃገራት ዓለም ከከም ዝመረጸኦ ናይ ዕቤት መንገዲ፡ ብኢንዱስትሪ ድዩ ብንግዲ፡ ብሕርሻ ድዩ ብወፍሪ፡ ብትምህርቲ ድዩ ብዲፕሎማሲያዊ ዝምድና፡ ብጥዕምና ድዩ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ኮታ ኣብ ኣፈጻጽማ መደብ ፕሮግራም ዕብየትን ምስግጋርን፡ ብዘመዝገበኦ ዓወታት ደረጃታት ክወሃበን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና “ዝለዓለ ስደተኛታት ዘመዝገብት ዕሸል ሃገር” እናተባህለት ኣብ ናይ ሕማቕ መዝገብ ክትጽዋዕ ኢና ንሰምዓ ዘለና። ናይዚ ገበንዚ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ’ኳ ንጹር እንተኾነ፡ እዚ ክንሰምዕ እንከለና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ክሳብ ክንደይ ጸጉርና ከም ዝቐውምን ሕልናና ከም ዝሽቑረርን ነፍሲ ወከፍና ዝርደኦ እዩ። ነዚ ሰሚዕና ቁሩብ እንተዘየሳሕዩና ግና፡ ከለና ሞይትና ኣለና ማለት እዩ። ሕልፈት ማለት ድማ ንሱ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኣበይ እዩ ሃገርካ?” ክንበሃል እንከለና ኣብ ሓደ እዋን “ኤርትራዊ እየ”  ብምባል ከምዘይተሐበና፡ ሎሚ ግና “ኤርትራዊ እየ” ምባል ዘሸቑርር ኮይኑ ኣሎ። ካልእ ሃገር ስለ ዘየብለይ ግና ሽልብግልብ እንዳበልና እንብሎ ኮይኑ ኣሎ። ኣይበሃል እዩ።

ኩሉ ዝነብዕ ሓዘንተኛ እዩ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ዝስሕቕ’ውን ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ጭካነ ሓቢኡ ምስ ከባቢኡ ንምምሳል ብደግኡ ዝነብዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ሓዘን እንዳተሰምዖ ከባቢኡ ንምምሳል ዝስሕቕ ኣሎ። እዚ እቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንብሎ እዩ። ብስም እቶም ረኸብቲ መከራ መንእሰያትና እንዳ መሓለ እንዳ ጠሓለ ኣብ ውሽጡ ግና “ሕራይ ደኣ ኮኑ” ዝብል እውን ኣይሰኣንን። ናይዚ ሰብኣውነት ዝረሓቖ ዕብዳን ቀንዲ ሃንዳሲ  ብዓብይኡ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ምናልባት ደኣ ናይ ቀረባ ፈለጥጡ ይፈልጥዎ እምበር፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ንኹሉ እቲ ናይ ስዉኣት ቃል ብጋህዲ እንዳጠለመ “ስጋ ስዉኣት” ኢሉ ይምሕል ይኸውን። ብዓብይኡ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዓለም ከይሓፈረ፡ ኣንጻር ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተዋሰአ ተጠሊዑ “ዓወት ንሓፋሽ” ክብል ንሰምዖ ኣለና። ተጸሊሉ ስለ ዘጸለሎም ነዚ ጠላም ቃሉ ዝደግሙ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ዝተጠልመ ጭረሖ ዝደግሙ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ወገን ህዝቢ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት ክትሰምዕ እንከለኻ የገርመካ። እቲ ቀደም “ብዘበን ዉበ ዝጸመመስ ዝባን ዉበ ነበረ” ዝብል ምስላ ብዘይምኽንያት ከም ዘይተመሰለ ድማ ይርደኣካ። እምበኣር እዚ ኣጋጢሚና ዘሎ ተረኽቦታት ብልቢ በዞም ዝሓለፉ ግዳያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓዝን እንተኾይናን ዘይኮይናን እንምዘነሉ እዩ። ሓቀኛ ናይ ሓዘና መግለጺ ከዓ ብዛዕባ ምረት ናይ ህልቀቶምን ጨንቆምን ምጭራሕ፡ ምጽሓፍ፡ ምምዳርን ሽምዓ ምብራህን ዘይኮነስ ነቲ ናብዚ ዘብጸሖም ጠንቂ ንምውጋድን መተካእታ ንምርካብን ነርእዮ ቅሩብነትን ተወፋይነትን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ውፉይ ኮንካ ምቕራብ፡ ብኣዋጅን ብምቁር መደረታትን ዘይትግበር መብጸዓን ዝግለጽ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ እቲ ዕማም እምብዛ ከቢድን ዘይትግበርን ዕማም እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ መሰረታዊ ሕቶ ተኸቲልና ብዙሓት ተመሳሰልቲ ሕቶታት እንዳሓተትና፡ ጽሒፍናን መዲርናን ኢና። እስከ ሕጂኸ ነቲ ጉዳይ ካባና ንጀምሮ እሞ “ኣነኸ ኣበይ ኣለኹ?” ኢልና ንሕተት እሞ፡ ከይሓባባእና “ኣበይ፡ ምስመን፡ እንታይ ንገብር፡ ኣለና?” ንዝብል ሕቶታት ምስ ነብስና እንዳተላዘብና ንመልስ እሞ እቲ ድኽመታትና ኣብኡ ክንረኽቦ ኢና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ክሳብ ሕጂ ነዚ ሕቶታትዚ ብዘይምልዓል እውን ሕጽረታትና ኣይንፈልጦን ኢና ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቁስ ድኽመታትና ንፈልጦ ክነስና ንምእራሙ ትብዓት ምስኣና እዩ።

ናይዚ ኩሉ መከራ ቀንዲ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ዘይንፈላለየሉ ሓቂ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ይቕረ ዘይበሃል ገበኑ ዝኸፍለሉ ዋጋ ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ናብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ዝጀመሮ ጉዕዞኡኳ ዘይቃረጽ እንተኾነ፡ ናትና ግደ ከዓ ነቲ ጉዕዞ ምቅልጣፍ  እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓንቲ ዓመትስ ይትረፍ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ስንብራታ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ሃገርናን ህዝብናን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንርእዮ ዘለና ስለ ዝኾነ።  ከይንዕሾ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝሓልፍ ዘሎ ህይወትን ዝሃስስ ዘሎ ክብርን ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ማሕበራት ጥራይ ኣይኮነን። እቶም በቲ ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ንሓዝን ኤርትራውያን፡ እቲ ራህዋ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት፡ ናይ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት ጥራይ ጌርና ብምውሳድ፡ ከይነራጥጥ ሓደራ ንብል። ብፍላይ ድማ ብጉዳይ ስደተኛታትን ኣብቲ ናይ ስደት መስርሕ ዝወርዶም ዘሎ መቕዘፍትን ክንዛረብ እንከለና፡ “ኪድ” ኢልና ነተባብዕ ወለድን፡ “ናብኡ ሕለፍ እሞ ኣነ ገንዘብ ክልእኽ እየ” እንብል ናይቶም ግዳያት ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ኣዝማድን፡ ከቶ ብዛዕባ ተግባርና ክንሓስብ ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና። እስከ “ ንስኻ እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ንዝብል መሃሪ ኣበሃህላ ወለድና ግዜ ሂብና ነስተውዕሎ። ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ መዕንደሪ እንገድፈሉ ሃገር ዘይኮነትስ ንሕና እቶም ውጹዓት ነቲ ዝውጸዓና ዘሎ ጉጅለ ኣንበርኪኽና እቲ ዝተጠለም ክብራ ክንመልሰላ ዝተረከብናዮ ናይ ሓባር ሕድሪ ከም ዘለና ኣይንሓስብን ዲና። ኤርትራ ብዓባያ ከይደሓነት፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድካ ምድሓን ትርጉም ከም ዘየብሉ’ውን ንስሕቶ ኣይመስለንን።

ኤርትራዊ መንእሰይ ቀጥዒ ብዘየብሉ መንገዲ ሃገሩን ቤተሰቡን ራሕሪሑን ዝኸይድ ዘሎ፡ ብሰንኪ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ዘይወሓጠሎም ልሳናት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከኮማሰዐኦ ዝውዕላ ክሲ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ኣሎ። ሕራይ ነዚ ክሲ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይንንጸጎ። እንተኾነ እቲ ወሳኒ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዘይኮነስ ውሽጣዊ ኩነታት እዩ እሞ፡ ጉጅለ ህግደፍከ ውሽጡ ጥዑይ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ቀዳምነት ሂብና ክንምርምሮ ይግበኣና። እዚ ብፍላይ ነቶም ንጉጅለ ህግደፍ ኣንጺሆም፡ ደድሕሪ መራኸቢ ሓፋሽ ህግደ ስዒቦም፡ ንምዕራባውያን ክራገሙ ዝውዕሉ ወገናት ዝወሃብ ዕዮ ገዛ እዩ። ሕራይ ንሓሳዊ ስብከት ጉጅለ ህግደፍ ንስመዓዮን ነንብቦን። ነቲ ዝበሃልን ዝምደርን ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ  ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎ ኩነታት ከነመዛዝኖ ግና ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣባል ቤተሰብና ክንድውለሉ እንከልና ጐረቤት ከይሰምዖ ድምጹ ነክዩ “ ንጠሚ፡ ንዓርቕ፡ ንጸምእን ንጽልምትን ኣለና” እንዳበለና እንከሎ፡ ብድምጺ ሓፋሽን ኢረቲቪን ቀልብና ተሰሊቡ “ኣብ ኤርትራ መዓር ዘኒቡ ብላዕ ወስተ ኮይኑ” ኢልና ንዝምር እንተኮይና፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን መስሓቕ ሸራፋት ኢና ክንከውን።

ርሑስ በዓል ዓረፋ

4 ጥቅምቲ 1014

Last modified on Saturday, 04 October 2014 19:53