ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱዛ

2014-10-02 22:00:00 Written by  ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 7449 times

04.10.2014

 ዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ኣፍሪቃውያንን ዘይኣፍሪቃውያን ዜጋታት ኣብ ብዕለት 03.10.2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑን ጌና ዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታት ብፍላይ ክኣ ኤርትራውያን፣ሶሞላውያን ፣ሶራዊያን፣ ዒራቓውያን ወዘተ… ካብ ኣብ ሃገሮም ዘጓንፎም ጭንቀት ዲክታተራዊ ግፍዕን ውግኣትን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ጸገማትን: ህይወቶም ከድሕኑ ኢሎም ንኹሉ ጸገማት ከም ሳህራን ካልኦት ዓበይቲ ጽንኩር ብድሆታት ሲዒሮም ኣብ ሊቢያ በጺሖም ንወሽመጥ ውቅያኖስ ሊብያ-ኢጣልያ ክሳገሩ ዝሞቱ ጌና እውን ዝሞቱ ዘለዉን ትማሊ ዕለት 03-10-2014 ኣብ ሃገረ ጣልያን ተዘኪሩ።

ኣብዚ ዝኽሪ ናይ ላምፐዱዛ ተረኺቦም ዝነበሩ፡ መንግስታውያን  ትካላት ከም ኣቦ ወንበር ፓርላማ ኤውሮዻ ኣቶ ሹልዝ ፣  ኣደወንበር ባይቶ ኢጣልያ ወይሮ ቦልደሪኒ  ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ( ኣብዚ ቁረባ እዋን ናይ ኤውሮዻ ወጻኢ ጉደይን፣ ጉዳይ ስደኛታት እትካታተል እተመርጸት) ወይዞሮ ፈደሪካ ሞርጊኒን ካልኦት ዓበይቲ ሓለፍቲ ካብ ኤውሮዻን ኢጣልያን እዮም።  ከምኡ  እውን ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሱ ኤርትራውያን ከም ኣባ ሙሴ ፣ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰል ጋንዲ ወይዘሮ ኣልጋነሽ፣ ምትእስሳር ኤርትሮ - ኢጣልያ፣ ወይዘሮ ርብቃ ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮ።  ብፍላይ ክኣ እቶም  ካብታ ብሓዊ ባርዕ ዝነደደት ጃልባ ብህይወት ዝደሓኑ፣ ካብ ተዓቚበምሉ ዘለው ሃገራት ነቒሎም ናብ ላምፐዱዛ ተመሊሶም ነቶም 366

ብሓንሳብ ዝሞቱን፥ እንተላይ እቶም ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ዝሞቱ ንምዝካር ምስ ህዝቢ ላምፐዱዛን መንግስታዊ ትካላት ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ኣካይዶም።
 
ብሰንኪ ዲክታተራት ዘጓንፎም ዘሎ ዘይተኣደነ ግፍዕታት፣ ንስደት ዘምርሕ ሕልና ደው ይበል። ከምቲ ክቡር ዻዻስ ፍራንሲስኮ ዝበልዎ፡ ‘’ዘይተኣወጀ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣብ ዝተፋላለየ ዞባታት ይገታእ፡ ዓለምና ሰላም ራህዋ ቅሳነት ዲምክራሲ ዓለም ምትሕግጋዝ እምበር ናይ ነንሕድሕድካ ምውጋእ ስርዓተ መእሰርትን መቕተልትን  ምድቋስ መሰል ደቂ ሰባት  ጠጠው ይበል’’ ዝብል መደረታት ተሰሚዑ።

እቶም ሰብ መዚ መንግስታውያን ትካላት ብዝካኣሎም ዓቕሚ ብግብሪ ክቃለስዎ ምዃኖም ቓል ዝኣተውሉ መዓልቲ እያ። ብወገን ህዝብን ፓለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን’ከ ንእንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ  ከመይ ዝበለ  መልሲ ኮይን ተመባጺዖም ይኾኑ።? ብርግጽ ድማ እቲ ክግበርኦ ዝለዎን እዚ ዝስዕብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን። ንሱ ድማ፣  ቅድም ሓድነትና

ኣጠንኪርና ሓበራዊ ጽላል ሃሉዩና ብሓባር ነዚ ገባት ኣግላልን ዝኾነ ውልቀ መላኺን ሰዓብቱን ብስሩ ኣልጊስካ፣ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲን ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ንምብቃዕ ዕዙዝ ስርሓት ምክያድ። ከምኡ እውን  እቲ ንስደት ዘሳጥሕ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ንኸብቅዕ  ኣትክሮና ህዝብኻ ንምድሓን ሓቢርካ ምቅላስ ክኸውን ይግባእ።

ብወገን ኤርትራዊን ትካላት ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ዜጋታት ከምተን ኩለን ብኣኽብሮትን ወይ ፉሉይ ተዘክሮ ዘለወን መዓልትታት ኮይና ክትዝከርን መብጽዓታት ዝሕደሰላ ክትከውን ብምምሕጻን  እነሆ መንግስቲ ጥልያን ንዕለት 03.10.2013 ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ተዘክሮ በዓላት ተሰዂዓስ ትማሊ ቢዒላ ዊዒላ።

ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ
ዜናን ባህሊን ሓላፊ
ፍትዊ ክፍለ

 

 

Last modified on Saturday, 04 October 2014 19:38