ብምኽንያት ዝኽሪ ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ዓድታት ዖናን በስክዲራን ውድባዊ መግለጺ ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ ታሕሳስ 2023

2023-12-13 08:51:42 Written by  ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 704 times

መግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ “ኤርትራ፣ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ካብ ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ይኹን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ገይርዎም ኢዩ።  

ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን  ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።

ነዚ ናይ ዓድታት ምቅጻልን ህዝቢ ምጽናትን ዝከታተላ ዝነበራ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ዝወስድ ጽርግያ ኣድብየን ብምጽናሕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንህዝቢ ንምብስባስ ንጀነራል ተሾመ እርገቱ ኣሰንዩ ዝወፍር ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ባልዋ ዝተባህለ ቦታ፡ ዕዉት በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣደዳ ሞትን ቁሱላትን ገበርኦ። ጀነራል ተሾመ እርገቱ እውን ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ኢዩ ተቐቲሉ።

መግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ሕነ ናይ’ዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ንምፍዳይ ካብ 30 ሕዳር ክሳብ  ታሕሳስ 1970 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከባ ብዙሓት ዓድታት ኣረሜናዊ ናይ ምቅጻልን ምቕታልን ተግባራት ኣካየደ። በዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዝያዳ ዝተጐድኣ ድማ፡ እተን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣዝየን ዕሙራት ዝነበራ ዓድታት ብስክዲራን ዖናን ኢየን።

ብ1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም ሰራዊት ጸላኢ ነቶም ኣብ ዖና ተኣኪቦም ዝነበሩ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ እንተላይ ካብ ብስክዲራ ዝመጹ ተቐማጦ ዝርከብዎም ኣኪቡ ኣስላም ዲኹም ክርስትያን ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ብሃይማኖት ክፈላልዮም ፈቲኑ። ህዝቢ ግን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ኢና ዝብል መልሲ ብምሃብ ነቲ ሸርሒታቶም ነጸጎ። ብድሕር’ዚ፡ እሞ እቶም ኣስላም ኣብ መስጊድ እተዉ እቶም ክርስትያን ድማ ኣብ’ዚ ተኣከቡ ዝብል ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፍሎም፥ ህዝቢ ብሓደ ንመውት ወይ ድማ ብሓደ ንነብር ድኣ’ምበር ኣይንፈላለን ኢና ዝብል መልሲ ምስ ሃቦም፥ ንኹሎም ኣብ’ታ መስጊድ ኣእትዮም ብመሳዂትን ብማዕጾን ጠያይቲ ብምዝናብ ልዕሊ 900 ዝኸውን ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣወዳት ኣዋልድ፡ መንእሰይ ሽማግለ ከይበሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ኣህለቑዎም።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምቛም ናይ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እናበሰረ፥ ነቲ ኣብ ዖናን ብስክዲራን ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን፥ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልዑላውነትን ቅዋማውን ሕጋውን ምሕደራን ንምጥጣዕ ክውዕል ብጽንዓት ክቃለስ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ከረጋግጸሎም ይፈቱ። 

ከምኡ’ውን፡ ብምኽንያት መበል 53 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ዖናን ብስክዲራን ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ መንግስተ-ሰማይ ክዋርሶም እናተመነና፥ እቶም ካብ ሃገሮም ርሒቖም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ነዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን ደመና ንምዝራው ድማ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ።

ሰላምን ፍትሕን ይንገስ!!

ዓመጽን ውግእን ምልክን የልግስ!!

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ /ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ/

8 ታሕሳስ 2023

Last modified on Wednesday, 13 December 2023 10:04