መልእኽቲ ደገፍ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)

2022-07-18 20:53:50 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 987 times

ክቡራት ኣባላት ኣዳላዊት መስራቲ ጉባኤ እዋና

ክቡራት ኣባላት እዋና

ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ ጉባኤ ብሓፈሻ

ሎሚ 9 ሓምለ 2022 ኣብ ኣትላንታ “ናጻ ዉደባና ውሕስነት መሰልና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስራቲ ጉባኤ ንኽንሳተፍ ንዝተገብረልና ዕድመ ብልቢ ነመስግን።

ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸጊዕነትን ተጽዕኖን ናጻ ኮይኑ ርእሱ ዝኸኣለ ንመሰልን ማዕርነትን ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ዝጣበቕ ማሕበር ክህልወና መትከላዊ እምነትና እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ነብስና ወዲብና ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ሓቢርና ኣንጻር እቲ ጠንቂ ወጽዓና ዝኾነ ድሕረትን ድንቁርናን ክንቃለስ ይግባእ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ነቒልና ምምስራት እዋና ብልቢ ከምእንድግፎን ኣካሉ ኰና ንምዕዋቱ ክንጽዕር ምዃና ነረጋግጸልክን።

ልዑላዊት ሃገርና ክውንቲ ንምግባር ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከምዝተኸፍለ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። ይኹን’ምበር ብሰንኪ እቲ ስዒቡ ዝተኸስተ ዘስካሕክሕ ምልኪ ህዝብና ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣደዳ ስደትን ውርደትን ኣብ ርእሲ ምዃና ብኣሕዋትና ደቂ-ተባዕትዮ ኤርትራ ግዳይ ሰብኣዊ ንግድን ንምእማኑ ዘጸግም ክሳብ ጨካን ቅትለት ዝበጽሕ ዘቤታዊ ዓመጽ ተሳጢሕና ንርከብ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ጐረቤት ሃገር ኣብ ዝተወለዐ ዘይምልከተና ኲናት መንእሰይ ወሎዶና ተገዲዱ ብምእታው ከምዝጸንት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቂ ኩነታት እናሃሎና እዋና ብዕሊ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክምስረት ምኽኣሉ ኣብ’ቲ ድቕድቕ ጸልማት ንእሽቶ ጩራ ናይ ብርሃን ኮይኑ’ሎ።

ሃገርና ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና ብልዕልና ሕጊ እትምራሕ፡ ኣብ ክንዲ ዘዝተወልደ ራሕሪሑዋ ዝኸይድ፡ ተሰዲዱ ዝነበረ ዝምለሳ ክትከውን ኣብ እነካይዶ ፍትሓዊ ቓልሲ፡ እዋና ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ዘዕዝዝ መደባት ሓንጺጹ ብዝሑነትና ዘረጋግጽ ንጥፈታት ከካይድ ዓቢ ተስፋን እምነትን ኣሎና። ብዘይካ’ዚ ምስ ዓለምለኻዊ ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ ዝምድናታት ብምፍጣር ድምጺ ዉጹዓት ክኸውን ትጽቢትና እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ንቕሓትናን ንቕሓት ህዝብናን ክብ ንምባል ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ኤርትራ ጽኑዕ ዝምድናታት ምፍጣርን ጽዑቕ ወፈራ ምክያድን ቀንዲ ናይ እዋና ስራሕ ክኸውን ንላቦ።

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የሎን!

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!

ዓወት ንመስራት ጉባኤ እዋና!

ኣድያም ተፈራ

ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰዲህኤ

ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳት ደቂ-ኣንስትዮ

9 ሓምለ 2022

Last modified on Monday, 18 July 2022 22:55